ካልድ ብዘይፈጸሞ ቅትለት ን13 ዓመታት ተኣሲሩ፡ ዝብሎ ከይስማዕ ከም ተሓረመ ይስምዖ።

ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ዝቐርብ ጸብጻብ ፡ ህይወት ሰባት ከጥፍእ ይኽእል ወይውን ከድሕን ይኽእል እዩ ። እቲ ኣብ ማዕከናት ዜና ዝግበር ንጥፈታት፡ ነቲ ዛንታ ምቍጽጻር ወሳኒ እኳ እንተ ኰነ ፡መርመራታት ዳግም ክረአን ኣብ ምፍታሕ ብዘይግቡእ ዝተኣስሩ ኣብ ምውጻእ እውን ዓብዪ እጃም ከም ዘለዎ ፡ ሓደ ናይ ቀደም ቀንዲ መርማሪ ይገልጽ ።

A man with a serious expression walks outside court in a suit.

Melbourne boxer Khalid Baker spent 13 years in prison before being released in 2018. He is appealing his murder conviction. Source: AAP / /

ካልድ ቤከር ወዲ 18 ዓመት እንከሎ ቻምፕዮን ጉስጢ ፡ ኣብ መጻኢ ተስፋ ዝነበሮ ተጓሳጣይ እዩ ነይሩ። ብክሲ ቅትለት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተኣስረ ግን ፡ እቲ ዝነበሮ ተስፋ ተሰይሩ ።
ኣብ 2005 ኣብ መልበርን ኣብ ዝነበረ ፓርቲ (ናይ ምሸት ትልሂት) ፡ ወዲ 22 ዓመት ኣልበርት ስኖውቦል ብ መስኮት ወዲቑ ሞተ ። በዚ ድማ ክሲ ቅትለት ቀረበሉ።
LM ዝበሃል ካልኣይ ክሱስ፡ ንሱ ባዕሉ ንኣልበርት ስኖውቦል ከምዘጽደፎ ይተኣመን እምበር (ከም ዝቐተሎውን ተረጋጊጹ እዩ) ካልድ'ዩ ን13 ዓመት ዝኣክል ክእሰር ዝተገብረ ።
እቲ ዳኛ ፍርዱ ከንብብ ምስ ዝሰምዐ ፡ ካልድ ኣዝዩ ሰንበደ ።
"'ከመይ ገይረ እየ ብህይወት ዝነብር ?" ኢለ ጥራይ እየ ዝሓስብ ነይረ ። ክብል ን SBS Insight. ሓቢሩ ።
"ደው ኢለ ፡ 'ሰባት ታሪኸይ ምእንቲ ክሰምዑ እንታይ ክገብር ኣሎኒ ?" ጥራይ እየ ክብል ነይሩኒ ።
ካልድ ፡ ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ባእስን ኣብ ሓደ ናይ ምብቛስ ኣጋጣሚታት ፡ ጉዳዩ ኣብ ገሊኡ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ሸፈነ ስሙ ተጠቒሱ ነይሩ ። በዚ ድማ መዲያታት ኣብ ካልድ ጸቒጠን ንሱ ቀታሊ ክከውን ከም ዝኽእል ህዝቢ ክኣምን ሰሪሐን።
ዛንታኡ ብትኽክል ስለ ዘይተነግረ ዓሌታዊ መልክዕ ዝሓዘለ ቃና ዘለዎ ኰይኑ ተሰምዖ ።
"ኣብቲ እዋን ሰባት ፡ መራኸቢ ብዙሃን ዚደፍእዎ ነገር ጥራይ እዮም ክርእዩ ዝደልዩ ነይሮም ።
"ጸሊም ኣንጻር ጻዕዳ" እዩ ።
Two men fight in a boxing ring
Khalid Baker (left) fighting Filimoni Naliva Jr in Sydney in 2022. Source: AAP / Mark Evans Source: AAP / Mark Evans
ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ፡ ታሪኹ ምእንቲ ኽስማዕ ተቓለሰ ።
"ሓቂ ከም እትወጽእን ናብ ገዛይ ከም ዝምለስን ጥራይ እየ ዝሓስብ ነይረ" ድማ በለ ።
"ኰይኑ ግና ፡ ከምኡ ኣይገበረን ። ከምኡ ኢሉ ግን ኣይቀጸለን "በለ ።

ሰባት ብድርብ ክቕጽዑ ይኽእሉ።

ፕሮፌሰር ዴቪድ ሃይልፐርን ሓደ ናይ NSW magistrate ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳውዘርን ክሮስ ናይ ሕጊ ዲን ኣብ ንኣሽቱ ገበናት ናይ መራኸቢ ብዙሃን ጽልዋ ይገልጽ።

"መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ድሕሪት እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝርዝር መዓልትታት ኮፍ ከም ዝብልን ከም ውጽኢቱ ከኣ ፡ ሰባት ብዘይ ጥርጥር ከም ዝቕጽዑን ይገልጽ ። በቲ ቤት-ፍርዲ ይቕጽዑ ፡ ካብኡ ዝገደደ ድማ በቲ መራኸቢ ብዙሃን ይቕጽዑ ፡ ምኽንያቱ ስእሎም ፡ ስሞምን ምናልባት እውን ንኣሽቱ ገበናቶምን ሽዑ ንሽዑ ይዝርጋሕ ፡ ብኡ ኣቢሉ ድማ ኣብ መላእ ሕብረተሰቦም ይግለጽ "ኢሉ ።
መራኸቢ ብዙሃን ነቶም ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ዘለዉ ሰባት ምስ ዜለልያሎም ፡ ኣብ ህይወቶም ዘሕድሮ ጽልዋ ኣዝዩ ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ ።

ሀይልፐን ንኢንሳይት ፡ "ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ብዛዕባ ርእሰ-ቅትለት ዝገልጽ ሒደት ጕዳያት ርእየ እየ ፣ እዚ ከኣ ኣብ ግምት ዘይኣቱ ንእሽቶ ገበነኛ እዩ" በለት ።
ካሊድ በኸር ኣብ 2018 ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሑ ፡ ቀታሊ ዘይምዃኑ ስሙ ንምዕራይ ድማ ቃልሱ ቀጺሉ ።
A man in a suit stands in front of a garden wall and smiles.
Khalid Baker says media coverage around his case may encourage people to speak out. Source: SBS Source: SBS
ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ዝተራእየ ሸፈነ ኣብ ጕዳዩ ለውጢ ከምጽእ ከም ዝሓገዘ ገሊጹ ።
"ብዙሓት ሰባት ዘይፈልጦም ነገራት ክዛረቡ ይደልዩ እዮም ።
"ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ከምዚ ከማ ምስ ዝወጽእ ግን ኣብ ውሽጦም ገለ ነገር ከም ዝወጽእን ከም ዝዛረቡን ክገብር እዩ" በለ ።
"ኣብ መጻኢ ፡ ኵሉ ነገር ከም ዝወጽእ ፡ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ከም እተውጽኣኒ ተስፋ ንገብር ።" ኢሉ

Share

Published

By Nicolas Zoumboulis
Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service