ናይ ኣመሪካ መድያታት ጥዕና ናይቲ ኣብ ዓለም ካብዘለዉ ዕጽዋትን ምስጢረኛታት መንግስቲ ዝመርሕ ኣብ ሕማቕ ኣሎ ኢሎም ካብዝጸብጸብሉ እዋን ኣትሒዙ፡ መን ከምዝትክኦ መዛረቢ ኣርእቲ ኮይኑ ኣሎ።
ጥዕና ናይቲ መራሒ ኣብ ሕማቕ ከምዘሎ ወረታት ዝወሓዘ፡ ኣብታ ሃገር እቲ ዝለዓለ በዓል ልደት ናይ ኣባሓጎኡ 15 ሚያዚያ ብዘይምስታፉ እዩ።
CNN ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝጸብጸቦ፡ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኣዚዩ ከምዝሓመመን መጥባሕቲ ከምዝገበረን ኣመሪካ ድማ ንኩነታት ጥዕና ኪም ጁፕንግ-ኡን ብመገዲ መስመራት ጸጥታ ትከታተሉ ከምዘላ ገሊጻ።
ካብቲ መንግስቲ ብዝሃደሙ ዝውነን ናይ ዜና መርበብ "The Daily NK" እቲ ዉልቀመላኺ ብናይ ልቢ ጥዕና ኣብ ከቢድ ናይ ሞት ሓደጋ ወዲቑ ከምዘሎ ገሊጹ። ምኽንያት ጥዕና ምስ ኣን ናይቲ መራሒ " ብዘይ ዕረፍቲ ምትካኽ፡ ምሕፋስ ሰብነትን ብዝሒ ስራሕ" ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ።

ኣብ ሰሜን ኮርያ ዝርከብ ብመንግስቲ ዝውነን እንኮ መዲያ ብሰንበት ኪም ነታ ከተማ ዳግም ዝሃነጹ ሰራሕተኛታት ኣመስጊኑ ዝብል ዜና ኣመሓላሊፉ። ደቡብ ኮርያ ከይተረፈት ኪም ጆንግ-ኡን ብጥዕናኡ ብህይወት ኣሎ ኢላ።
እቲ ብዛዕባ ህላወን ሞትን ኪም ጆንግ-ኡን ዝውረ ወረ ቐጺልሉ ኣብዘሎ እዋን፡ እንተሞየቱ መንዩ ዝትክኦ ዝብል ዘረባ ብብዝሒ ዝውረ ዘሎ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ። እቲ መራሒ ቆልዑ ከምዘለዉዎ ዝእመን እንተኾነኳ፡ ካብ ደቁ ንመሪሕነት ዝበጽሐ ዕድመ ዘለዎ የለን። ሓዉ ኣብ 2017 ተቐቲሉ፡ ስለዚ እታ ነቲ ስልጣን ክትርከብ ትኽእል ሓንቲ ሓፍቱ ኪም ዮ-ጆንግ ጥራይ እያ።
ከምቲ ብዛዕባ ቀንዲ ሰብመዚ ሰሜን ኮርያ ዝንገር ብዛዕባ ኪም ዮ-ጆንግ ወግዓዊ መንነታ ብዙሕ ዝፍለጥ ኣይኮነን። ንፈልጦ ነገር እንተልዩ፡ ናብቲ ሓዋ ዝተማህረሉ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ከይዳ ከምዝተማህረትን ኣብ ሰሜን ኮርያ ድማ ብኮምፑዩተር ሳይንስ ዲግሪ ከምዝረኸበትን ይፍለጥ። ንፈለማ እዋን ብወግዒ ብህዝቢ ዝተራእየት ኣብ ቀብሪ ናይ ኣቦኣ ኪም ጆንግ-ኢል ኣብ 2011 እዩ።
ዕድሚኣ ኣብ ሰላሳታት ከምዝኾነትን ብዙሕ ግዜ ኣብ ከባቢቲ መራሒ ተራእያ ኣላ። ኣብ 2014 ናይቲ ሰልፊ ሰራሕተኛ ምክትል ዳይረክተር ደፓርትመንት ፕሮፖጋንዳን ምልዕዓልን ምዃና ኮይና ምሻማ ይዝረብ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ሓዋ ኪም ጆንግ-ኡን ምስሓመመ ናይ መንግስቲ ስራሓት ከምዝመርሐት ተመዝጊቡ ኣሎ። ብድሕርዚ ንፈለማ እዋን እቲ መራሒ ኣብ ኣኼባ ሰሜንን ደቡብን ኮርያ ኣብዝተሳተፈሉ ኪም ዮ-ጆንግ ኣብቲ ናይ ኣኼባ ጣውላ ቦታ ተዋሂብዋ ተራእያ። .ሓዋ ክልተ ግዜ ምስ ዶናልድ ትራምፕ ኣብዝተራኸበሉውን ኣብ ጎኑ ከምዝነበረት ከምኡውን ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣብዝነበረ ናይ ዊንተር ኦሎምፒክ ከም ዕድምቲ ተሳቲፋ ኔራ።
ሰሜን ኮርያ ንምህሮ ኮንፉሽዮስ ስለትኽተል መሪሕነት ንደቂ ተባዕትዮ እዩ ዝምልከት። ዛጊት ጓል ኣንስተይቲ ብወግዒ ንሰሜን ኮርያ ክትመርሕ ክፍቀደላ ድዩ ወይስ ደቁ ን ኪም ጆንግ-ኡን ክሳብ ዝዓብዩ ንሳ ከም ሓላዊት መንግስቲ ኮይና ክትጸንሕ ድያ ገና ክፍለጥ እዩ።

