SKIP TO MAIN CONTENT

ክልተ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ነበር ኣብ ቀይዲ ኣትዮም

ናይ ቀደም ሓላፊ ኩባንያ መንግስቲ ሓጺንን ኢንጂኔሪንግን (MetEC), ብርጋዴር ጀነራል ክንፈ ዳኘው ከምኡውን ናይ ቀደም ሓላፊ መርበብ ሓበሬታ ትካል ጸጥታ ኢትዮጵያ (INSA) ብርጋዴር ጀነራል ተኽለብርሃን ወልደገብሪኤል ብፈደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ተታሒዞም ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምተወስዱ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ገሊጾም፤ አዞም ክልተ ኣዘዝቲን ሓለፍትን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ናብ ስልጣን ምስ መጸ ናይ ፈለማ ካብስርሖም ባዕሎም ዝተሰናበቱ ሰብ መዚ ኢህዴግ ምዃኖም ይፍለጥ

Homeland
Source: EBC

1 min read

Published

Source: EBC


Skip to article content

ናይ ቀደም ሓላፊ ኩባንያ መንግስቲ ሓጺንን ኢንጂኔሪንግን (MetEC), ብርጋዴር ጀነራል ክንፈ ዳኘው ከምኡውን ናይ ቀደም ሓላፊ መርበብ ሓበሬታ ትካል ጸጥታ ኢትዮጵያ (INSA) ብርጋዴር ጀነራል ተኽለብርሃን ወልደገብሪኤል ብፈደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ተታሒዞም ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምተወስዱ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ገሊጾም፤

አዞም ክልተ ኣዘዝቲን ሓለፍትን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ናብ ስልጣን ምስ መጸ ናይ ፈለማ ካብስርሖም ባዕሎም ዝተሰናበቱ ሰብ መዚ ኢህዴግ ምዃኖም ይፍለጥ።

ኣብዚ ቅነ ኣስታት 40 ኣባላት ሜቴክ (ኢንጅነሪንግ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ሃገር)ን ድሕነትን ናብ ኣኼባ ምስተጸውዑ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሎም። ዝብል ዜና ድሕሪ ምዝጋሑ፡ ብዛዕባዚኦምን ካልኦት ገበን ሰብኣዊ ግህሰትን ብልሽውናን ፈጺሞም ተባሂሎም ኣብዚ ቅነ ዝተኣስሩ ኣመልኪቱ  ናይ ዋና ዓቃቢ ሕጊ  ሓላፊ ብርሃኑ ጸጋዬ ብዛዕባዞም ኣብ ቁጽጽር ዊዒሎም ከም ዘለዉ ትማሊ ተገሊጹ ኔሩ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now