ሎሚ 22 ዓመት ዕድሚኣ ዝመልአት ሲሃም ዓሊ ዓብዱ ጓል 15 ዓመት ከላ እያ ብሓይልታት ጸጥታ ተታሒዛ፡ ቀረባን ኣዝማዳን ንዝሓለፉ ሸወዓተ ዓመታት ከይረአይዋ ሃለዋታ ተሰዊሩ ዝርከብ።
ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተወሊዳ ኣብ ኤርትራ ዝዓበየት ሲሃም፡ ናይ ኣመሪካን ናይ ኤርትራን ዜግነት ዘለዋ እያ። ሲሃም ጓል 15 ዓመት ከላ እያ ናብ ሱዳን ገጻ ዶብ ክትሰግር ኣብ 2012 ብሓይሊታት ጸጥታ ኤርትራ ተታሒዛ። በቲ ዶብ ክሰግር ዝተታሕዘ ዝበዝሕ እዋን ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ተአሲሩ ከምዝፍታሕ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሲሃም ግና ኣብ ቤት ፍርዲ ከይቀረበት ንልዕሊ ሽዱሽተ ዓመት ኣብ ማእሰርቲ ዕድሚኣ ከተሕልፍ ተገዲዳ ኣላ።
መበል 22 ዓመት ዕድመኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተሕልፍ ዘላ ሲሃም ምኽንያት ብምግባር፡ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራዊያንን ወጻእተኛታትን ናይ ትፈታሕ ጻዊዒት ብማሕበራዊ መራኸቢታት ይገልጹ ኣለዉ። ነዚ ብዘይ ሕጊን ፍርዲን ትሕቲ ዕድመ ማእሰርቲን ሃለዋት ምጥፋእን ከብቅዕ ብዙሓት ሰባት ይጽሕፉ ኣለዉ፡፤
ዝሓለፈ ዓመት ናይ ኣመሪካ ተሓጋጋዚ ጸሓፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ቲቦር ናጊ ኣብ ኤርትራ ዝህሉ ለውጢ እታ ሃገር ኣብ ሰብኣዊ ጉዳያት ኣተሓሕዛአ ለውጢ ምስተርእይ እያ ኢሉ ኔሩ።

