ሆስፒታላት ትግራይ ብቁሱላትን ህሩማትን ሰባት ኣብ ዘዕለቕለቕሉ ኣባላት ባይቶ ሰልፊ ለይበር ኣውስትራልያ ደገፎም ንማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ገሊጾም

ስልፊ ለይበር ኣውስትራልያ በቲ ኣብ ትግራይ፡ ኢትዮጵያ፡ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ዕግርግር ኣዝዩ ከምዝተሻቐለ ገሊጹ። ገለ ኣባላት ባይቶ ኸኣ ደገኦም ንማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ይገልጹ'ለው።

Senator Penny Wong in Parliament

Source: Getty Images AsiaPac

ተቓዋሚ ስልፊ ለይበር ኣውስትራልያ በቲ ኣብ ትግራይ፡ ኢትዮጵያ፡ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ዕግርግር ኣዝዩ ከምዝተሻቐለ ገሊጹ።

ሰነተር ፔኒ ዋንግ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሓቶ መልእኽቲ ንሕና ሰብኣዊ ቀረባት ክፍቀዱ፡ ሰላማውያን ሰባት ድሕነቶም ክሕሎን ክልቲኦም ወገናት ነቲ ቅልውላው ብሰላማዊ መንገዲ ክፈትሕዎን ትጽቢት ከምዘለና መንግስቲ ኣውስትራልያ ንጹር ክገብሮ ኣለዎ ክትብል ገሊጻ።

ላዕለዋይ ባይቶ ኣውስትራልያ ወይ ሰነት ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ዘትይሉ። 

ኣባል ባይቶ ሰልፊ ለይበር ኣንድሪው ጃይልስ ን50 ኣውስትራልያውያን ዝጸሉ ተባሂሉ ዝእመነሉ ዓቢይ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ዘጋጥመሉ ዘሎ እዋን መዛንኡ ኣባላት ባይቶ ንማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ንምሕጋዝ ዝከኣሎም ክገብሩ ጸዊዑ።

ሚስተር ጃይልስ ኩሉ ርክባት ተቛሪጽሉ ኣብ ዘሎ ኣብ ክልል ትግራይ ንሱ 50 ኣውስትራልያውያን ዜጋታት ኣብ'ቲ ክልል ኣለው ኢሉ ከምዝኣምን ኣብ'ቲ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘስምዖ መደረ ገሊጹ። 

ንሱ ኣብ'ቲ ዝሃቦ ቃል "ኣብ'ዚ እዋን ዘለው ኩነታት ኣብ'ቲ ቦታ ርኢኻ ክሳብ ክንደይ ኣተሓሳሳቢ ከምዝኾነ ክትሓስቦ ኣጸጋሚ'ዩ። ካልኦት ሃገራት ዜጋታተን ካብ'ቲ ግጭት ከውጽአኦም እንከለዋ ንሕና ግን ከምኡ ኣይገበርናን።" ኢሉ።

ሚስተር ጃይልስ ዓለም ስቕ ኢላ ክትዕዘብ ኣይትኽእልን'ያ ብምባል ኩሎም ኣብ'ቲ ባይቶ ዘለው ፖለቲከኛታት ነቶም "መሓዙትና ኣብ ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ኣብ ኣውስትራልያ" ኣብ ግዜ ጸገሞም ዝከኣሎም ክገብሩ ጸዊዑ።

እዚ ዝመጽእ ዘሎ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ትግራይን መዓስከራት ስደተኛታትን ክኣቱን ኣብ'ቶም ኣብ ትግራይ ዝርከቡ መዓስከራት ስደተኛታት ተፈጺሙ ተባሂሉ ዝውረ ዘሎ ምጭዋይ ስደተኛታት ከጻሪን ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ መጸዋዕታ ኣብ ዘቕርበሉ ዘሎ እዋን'ዩ።

ሆስፒታላት ኣብ ትግራይ ዋሕዚ ዝተሃርሙን ዝሕከሙን ሰባት የጋጥመን ኣሎ ክብል ሓደ ግብረሰናያዊ ማሕበር ገሊጹ። ዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ሰራሕተኛታት ጥዕና ኣብ መቐለ ሕጽረት መግብን ቀረባት ሕክምናዊ ኣቕሑን የጋጥሞም ከምዘሎ ክገልጽ ጸኒሑ'ዩ።

ብኻልእ ወገን ፕረዚደንት ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ምስ መደበር ዜና ኣሶስየትድ ፕረስ ብቴሌፎን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ወተሃደራት ካብ'ቲ ክልል ከውጽኦም ጸዊዑ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ብወገኑ ካብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝቐረበሉ ሕቶታት መሊሱ። ንሱ ካብ'ቲ ዝሃቦ መልስታት ፈደራላዊ ሓይልታት ሰላማውያን ሰባት ቀቲሎም ንዝበሃል ኣሉታ ሂብሉ።

"ንሕና ሓደ ሰብ'ውን እንተኾነ ኣይጎዳእናን። መቐለ ናትና እያ፡ ከነዕንዋ ኣይኮናን።" ኢሉ። 

"ኣነ ክሰምዑኒ ይደልይ እየ። ትማሊ ምሸት ከባቢ ፍርቂ ለይቲ፡ ኣብ መንጎ ሃገረ ሰላምን ዓቢይ ዓዲን ኣብ ዝርከብ ከባቢ ከምዝነበሩ ኣብ'ቲ መዋፈሪ ነቑጣና ኮይንና ርኢናዮም ኢና። ለይቲ ኣየጥቃዕናዮምን፡ ምኽንያቱ ንድሕሪት ክምለሱ እንከለው ኣንስቶም፡ ደቆምን ዝጨወይዎም ወተሃደራትን ወሲዶሞም። እዚ ግን ከምኡ ኣይክቕጽልን'ዩ።" ክብል ወሲኹ።

 


Share

Published

Updated


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ሆስፒታላት ትግራይ ብቁሱላትን ህሩማትን ሰባት ኣብ ዘዕለቕለቕሉ ኣባላት ባይቶ ሰልፊ ለይበር ኣውስትራልያ ደገፎም ንማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ገሊጾም | SBS Tigrinya