ኣብ ሪዮ ንኮንሰርት ሌዲ ጋጋ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ቦምባ ብፖሊስ ብራዚል ፈሺሉ።

ፖሊስ ብራዚል ኣብ ሪዮ ዲ ጃንየሮ ተሓሲቡ ዝነበረ ናይታ ፍልጥቲ ኣርቲስት ሌዲ ጋጋ ሙዚቃዊ ምርኢት ዒላማ ዝገበረ ናይ ቦምብ ውዲት ኣፍሺሉ ።

A musician in a red and green gown performs in the centre, along with other dancers in red and black outfits holding red sticks during a concert.

ኣብ ሪዮ ገምገም ባሕሪ ኮፓካባና ታሪኻዊ ኮንሰርት ሌዲ ጋጋ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ህዝቢ ዝሰሓበ ሙዚቃዊ ምርኢት እዩ ነይሩ። Source: EPA / Antonio Lacerda

ፖሊስ ብራዚል ፡ ነቲ ኣብ ሪዮ ዲ ጃንየሮ ፡ ተገይሩ ኣብ ዝነበረ ናይ ሌዲ ጋጋ ሜጋ-ሙዚቃዊ ምርኢት ንምውቃዕ ፡ ተሓሲቡ ዝነበረ ውዲት ምስ ፈሸለ ንኽልተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዘእተዎም ገሊጹ ።
ሓይሊ ሲቪላዊ ፖሊስ ሪዮ ፡ " ምስ ኣገልግሎት ፍትሒ" ብሓባር ፡ ኣብቲ ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ ኣብ ኮፓካባና ኣብ ዝግበር ሙዚቃዊ ምርኢት ኣብ ልዕሊ ጋጋ መጥቃዕቲ ቦምብ ኣፍሺሉ ኣሎ ።
ሰበ-ስልጣን "ታ ሃገር ከምዝገለጽዎ እቲ ናይ ነጻ ኣብ ገምገም ባሕሪ በታ ኮኾብ ደራፊት ዝኾነት ጋጋ ዝተዳለወ ኮንሰርት ፡ ክሳዕ ክልተ ሚልዮን ሰባት ስሒቡ ከምዝነበረ ገሊጾም ።
ፖሊስ ሪዮ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ ፡ ንሓደ "ነቲ ውዲት ዝኣለመ" በጽሕን ናይ ኮድ ስሙ ፡ 'ፌክ ሞንስተር "ን ከም ዝኣሰሮም ገሊጹ ።
እቶም ኣብቲ ገበን እተሳተፉ ሰባት ፡ ብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተመልሚሎም ነቲ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ከምዝተለማመዱ ተፈሊጡ ኣሎ ።
A musician's performance is projected on big screens as she performs during a concert.
The plot was orchestrated by a group promoting hate speech and teen radicalisation, police said. Source: AFP / Mauro Pimentel
ፖሊስ ፡ እቶም ነቲ ውዲት ዝኣለሙ ጕጅለ ፡ "ዘረባ ጽልኢ ዘስፋሕፍሑ ፡" ን መንእሰያት ሕሉፋት ክኾኑ ዝገብሩ፡ ብ ኤለክትሮኒካዊ መገዲ ገዛእ ርእሶም ብምጕዳእ ፡ ማሕበራዊ ሕብረት ዝፈጥሩ እዮም ።
ፖሊስ ኣብ መላእ ግዝኣት ሪዮ ዲ ዤኔሮ ከምኡውን ኣብ ግዝኣት ሳኦ ፓውሎ: ሪዮ ግራንድ ዶ ሱልን ማቶ ግሮስሶን ደብዳብ ተፍቲሽ ኣካየዱ ።
እቲ ናይ ሌዲ ጋጋ ሙዚቃዊ ምርኢት ፡ዓሚ ብማዶና ድሕሪ እተገብረ ዓብዪ ምርኢት ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ኣብ ገምገም ባሕሪ ኮፓካባና ዝተራእየ ካልኣይ ሚልዮናት ህዝቢ ዝሰሓበ ዝበርትዐ ምርኢት እዩ ።



All week, Gaga fans had flocked to Rio, a city famous for its annual carnival that attracts hundreds of thousands of tourists from around the world.

Mayor Eduardo Paes has also hinted he plans to bring in Irish rock band U2, although no date has been given.

Lady Gaga had kicked off her show perched more than two meters above the stage in a massive scarlet hoop gown which opened to reveal a vertical cage from which her dancers exited to a rendition of her 2011 song Bloody Mary.

"Brazil, I missed you so much," screamed the popstar, who performed several tracks from her latest album, Mayhem, as well as favourites from throughout her career.


 For the latest from SBS News, download our app and subscribe to our newsletter.

Share

Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis
Source: AFP

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ኣብ ሪዮ ንኮንሰርት ሌዲ ጋጋ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ቦምባ ብፖሊስ ብራዚል ፈሺሉ። | SBS Tigrinya