ኣብ ዝቅንያት ፕረሲደንት ኢሳያስ ምስ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ራሻ ሚስተር ሚካሀል ቦድናኦቭ ተራኺቦም ከምዝዘተዩ ተፈሊጡ።
ኣብቲ ዘተ ኤርትራ ምስ ራሻ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ክልተኣዊ ዝምድናኣ ከተጠናኽር ድልውቲ ምህላዋ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከምዘስመረሉ እዩ ተገሊጹ።
ዝሓለፈ ወርሒ ኤርትራ ንሞስኮ ኣብ ግዝኣታ ሎጂስቲካዊ ማእከል ክትህባ ቅርብቲ ምዃና ብዝተፈላለዩ ማዕከናት ተገሊጹ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን ሚንስተራት ዋጻኢ ራሻን ኤርትራን ተራኺቦም፥ ራሻ ድማ ኣብ ወደባት ኤርትራ ከተውፍር መደበ ክምዘለዋ ተፈሊጡ ነይሩ።
ራሻ ኣብ ወደባት ኤርትራ ከተውፍር ዘተ ከምትጅምር፡ ብናይ ኤርትራ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ዝምራሕ ልኡኽ ምስ መዘናኡ ናይ ራሻ Sergei Lavrov ድሕሪ ምርኻቦም ዝወጸ ዜና እዩ ተገሊጹ።
እቲ ዜና ከምዝገልጾ፡ “ኣብየናይ ወደብ አቲ ወፍሪ ከምዝግበር ፈሊዩ እንተዘይገለጸኳ ሚስተር Lavrov አቲ ዝግበር ወፍሪ ንክልተኣዊ ንግዲ ዘደንፍዕ ስራሕ አዩ ከምዝበለ አቲ ዜና ገሊጹ ነይሩ።
ናይ ኤርትራ ፍሉጣት ወደባት ምጽዋዕን ዓሰብን እኳ አንተኾና ምስ ዕደና ፖታሽ ብዝተሓሓዝ ሓዲሽ ወደብ ኤርትራ ክትሰርሕ መደብ ከምዘሎ ተገሊጹ ነይሩ።
ናይ ኤርትራ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረሲደንት የማነ ገብረኣብን ካብ ሓሙስ ክሳብ ሓደ መስከረም 2018 ኣብ ራሻ ወግዓዊ ዑደት ኣብ ዝገበርሉ እዩ እዚ ተገሊጹ።
ራሻ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ቦታኣ ከተጣጥሕ ላዕሊ ታሕቲ ትብል ዘላ ምስ ሃገራት ቻይናን ኣመሪካን ንምፍኻኻርን ከምኡውን ፈረንሳ ኣብ ጂቡቲ፡ ቱርኪ ኣብ ሱዳንን ቦታአን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ምጥጣሐን ከሕስባ ከምዝኽእል ይግመት። ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ሱዕዲ ዓረብን ድሮ ኣብ ወደባት ኤርትራ ስፍራ ሒዘን ወተሃደራዊያን ነፈርተን ካብ ኤርትራ እናተበገሳ ኣብ የመን ንዕጡቓት ሖቲ ኣብ ምድሳቕ ተዋፊረን ከምዘለዋ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ይምስክሩ።

