Latest

ዝናብ ዝዓብለሎ ውዕሎ ሻምፒዮና ቅድድም ብሽግለታ ዓለም ዎሎንጎንግ 2022 (ዓርቢ)

ሻምፒዮና ቅድድም ብሽግለታ ዓለም 2022 ኣብ ከተማ ዎሎንጎንግ ኣብ ትሕቲ ዝናብ ዘለዎ ኣጸጋሚ ኩነታት ኣየር ይካየድ ኣሎ።

Aussie junior men.jfif

Oscar Chamberlain of Australia and Gonçalo Tavares of Portugal compete in the breakaway during the Junior Men's road race 95th UCI Road World Championships 2022. Credit: Con Chronis/Getty Images

ዓርቢ ኣብ ዎሎንጎንግ፡ ኣውስትራልያ፡ ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ብሽግለታ መንገዲ መንእሰያት ደቂተባዕትዮ (ጁኒየር ደቂተባዕትዮ) ጀርመናዊ ኤሚል ሀርዞግ ተዓዋቲ ኮይኑ።

ዎልንጎንግ ዝሓለፈ ሰንበት ዝተጀመረ ሻምፒዮና ቅድድም ብሽግለታ ዓለም 2022 ተአንግድ ኣላ።

እቲ ውራይ ሓሙስ ዕረፍቲ ድሕሪ ምውሳድ ሎሚ ብምድባት ቅድድም ብሽግለታ መንገዲ መንእሰያት ደቂተባዕትዮ ቀጺሉ።

ተቐዳደምቲ ዝናብ ድሕሪ ምህራሙ ዝጠልቀየን ሸተት ዘብልን ጽርጊያ ተቐቢልዎም። ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ፡ ዮኤል ሃብተኣብን ዮናስ ተኪኤን ብወገን ደቂተባዕትዮ ኣብ’ዚ ምድብ ውድድር ተሳቲፎም።

ዮኤል መበል 28 ደረጃ ብምውጻእ እቲ ዝለዓለ ውጽኢት ዘመዝገበ ኮይኑ ክውድእ ኣንከሎ ዮናስ ድሕሪት ብምውጻእ መበል 60 ደረጃ ኣትዩ። ኣኽሊሉ ግን ቅድድሙ ከጠናቕቕ ኣይከኣለን።

ኣብ ቅድድም መንእሰያት ትሕቲ 23 ካዛኪስታናዊ የቭገልኒ ፈዶሮቭ ቀዳማይ ብምውጻእ ክዕወት እንከሎ ወዲ ቸክ ሪፓብሊክ ማቲያስ ቫቸክን ኖርወጃዊ ሶረን ወረንስክዮልድን ተኸቲሎሞ ካልኣይን ሳልሳይን ወጺኦም።

ኣብ’ዚ ምድብ ኢትዮጵያውያን ኪያ ሮጎራን ነጋሲ ሃይሉ ኣብርሃን ከምኡ’ውን ኤርትራውያን ስምኦን ተስፋጋብር፣ ኣማኑኤል መሓሪ፣ ዳንኤል በርሀ፣ ሳምሶም ሃብተን ሚልክያስ ቅዱስን ተሳቲፎም ኩሎም ቅድድሞም ክዛዝሙ ኣይከኣሉን።

ቀዳም መዓልቲ ቅድድማት መንገዲ ደቀንስትዮ ኮይኑ ደቀንስትዮ መንእሰያት/ጁኒየርን ደቀንስትዮ ዓበይቲ/ኤሊትን ቅድድመን ከካይዳ’የን።

Share

Published

Updated

By SBS Tigrinya
Presented by SBS Tigrinya
Source: SBS / SBS Tigrinya

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ዝናብ ዝዓብለሎ ውዕሎ ሻምፒዮና ቅድድም ብሽግለታ ዓለም ዎሎንጎንግ 2022 (ዓርቢ) | SBS Tigrinya