SKIP TO MAIN CONTENT

ዝናብ ዝዓብለሎ ውዕሎ ሻምፒዮና ቅድድም ብሽግለታ ዓለም ዎሎንጎንግ 2022 (ዓርቢ)

ሻምፒዮና ቅድድም ብሽግለታ ዓለም 2022 ኣብ ከተማ ዎሎንጎንግ ኣብ ትሕቲ ዝናብ ዘለዎ ኣጸጋሚ ኩነታት ኣየር ይካየድ ኣሎ።

Aussie junior men.jfif
Oscar Chamberlain of Australia and Gonçalo Tavares of Portugal compete in the breakaway during the Junior Men's road race 95th UCI Road World Championships 2022. Credit: Con Chronis/Getty Images

1 min read

Published

Updated

By SBS Tigrinya

Presented by SBS Tigrinya

Source: SBS / SBS Tigrinya


Skip to article content

ዓርቢ ኣብ ዎሎንጎንግ፡ ኣውስትራልያ፡ ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ብሽግለታ መንገዲ መንእሰያት ደቂተባዕትዮ (ጁኒየር ደቂተባዕትዮ) ጀርመናዊ ኤሚል ሀርዞግ ተዓዋቲ ኮይኑ።

ዎልንጎንግ ዝሓለፈ ሰንበት ዝተጀመረ ሻምፒዮና ቅድድም ብሽግለታ ዓለም 2022 ተአንግድ ኣላ።

እቲ ውራይ ሓሙስ ዕረፍቲ ድሕሪ ምውሳድ ሎሚ ብምድባት ቅድድም ብሽግለታ መንገዲ መንእሰያት ደቂተባዕትዮ ቀጺሉ።

ተቐዳደምቲ ዝናብ ድሕሪ ምህራሙ ዝጠልቀየን ሸተት ዘብልን ጽርጊያ ተቐቢልዎም። ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ፡ ዮኤል ሃብተኣብን ዮናስ ተኪኤን ብወገን ደቂተባዕትዮ ኣብ’ዚ ምድብ ውድድር ተሳቲፎም።

ዮኤል መበል 28 ደረጃ ብምውጻእ እቲ ዝለዓለ ውጽኢት ዘመዝገበ ኮይኑ ክውድእ ኣንከሎ ዮናስ ድሕሪት ብምውጻእ መበል 60 ደረጃ ኣትዩ። ኣኽሊሉ ግን ቅድድሙ ከጠናቕቕ ኣይከኣለን።

ኣብ ቅድድም መንእሰያት ትሕቲ 23 ካዛኪስታናዊ የቭገልኒ ፈዶሮቭ ቀዳማይ ብምውጻእ ክዕወት እንከሎ ወዲ ቸክ ሪፓብሊክ ማቲያስ ቫቸክን ኖርወጃዊ ሶረን ወረንስክዮልድን ተኸቲሎሞ ካልኣይን ሳልሳይን ወጺኦም።

ኣብ’ዚ ምድብ ኢትዮጵያውያን ኪያ ሮጎራን ነጋሲ ሃይሉ ኣብርሃን ከምኡ’ውን ኤርትራውያን ስምኦን ተስፋጋብር፣ ኣማኑኤል መሓሪ፣ ዳንኤል በርሀ፣ ሳምሶም ሃብተን ሚልክያስ ቅዱስን ተሳቲፎም ኩሎም ቅድድሞም ክዛዝሙ ኣይከኣሉን።

ቀዳም መዓልቲ ቅድድማት መንገዲ ደቀንስትዮ ኮይኑ ደቀንስትዮ መንእሰያት/ጁኒየርን ደቀንስትዮ ዓበይቲ/ኤሊትን ቅድድመን ከካይዳ’የን።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now