SKIP TO MAIN CONTENT

ህቡብ ወደባት ዘያማይ ኣንክል ኣርቺ ሮክ ዓሪፉ።

ዉርሻኡ ንኻልኦት ከለዓዕል ምእንቲ፡ ስድራቤት ኣርች ሮክ ኣብዚ ናይ ሓዘን እዋን፡ ስሙ ፡ ምስሉን ሙዚቃኡን ክጥቀምሉ ፍቓድ ሂቦም ኣለዉ ።

News
Source: SBS

1 min read

Published


Skip to article content

ኣቦርጂናዊ ሙዚቀኛ ኣርቺ ሮክ ብሕማም ነዊሕ ድሕሪ ምቅላሱ ፡ ወዲ 66 ዓመት ምስ ኰነ ኣብ ሆስፒታል ሞይቱ ።

ሞት ናይቲ ጉንዲትጅማራ-ቡንዳላንግ ሽማግለ ሞት ብደቁ ኣሞጽን ኢባን ሮክ ብዝተዋህበ መግለጺ'ዩ ተረጋጊጹ።

"በቲ ኣቦይ ዘደንቕ ህይወቱ ዝረኸቦ ነገራት ኣዚና ኢና እንሕበን" ድማ በሉ ።

"ፈዋስን ሓድነት ዘለዎን ሓይሊ እዩ ነይሩ ። ሙዚቃኡ ንሰባት ናብ ሓደ ክመጹ ጌሩ እዩ ። "

ኣቦኦም ኣብ ብምሉኡ እቲ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ሞያ ደገፍ ንዝገበርሉ ክሳዕ ክንደይ ከም ዘፍቅሮም ክፈልጡ ከም ዝደሊ ሓበሩ ።

ሚስተር ሮክ ድሕሪ ነዊሕ ሕማም ብስድራ ቤቱን ፈተውቱን ተኸቢቡ ኣብ ሆስፒታል ዋርንናምቡል በይዝ ሓሊፉ ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ፡ ኣውስትራልያ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ ፡ "ኣውስትራሊያ በሊሕ ኪኢላ ፡ ሓያልን ሃገራዊ ሓቂ ዝነግር ሰብ" ከም ዝሰኣነት ገሊጹ ።

"ሙዚቃ ኣርቺ ካብ ሕማቕ ስምዒትን ስቓይን ዝመልአ እዩ ነይሩ ፣ ንዅላትና ዝደረኸና ጽባቐን ቅርሕንትን ግና ይውሕዝ ነይሩ" በለ ።

News
Source: Twitter

 


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now