SKIP TO MAIN CONTENT

ለውጢ ንኣመልከቲ ቪዛ

visa changes
Source: SBS

2 min read

Published

Updated

Source: SBS


Skip to article content

ኣብ ፈለማ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ሕዳር፡ ፈደራል መንግቲ ኣውስትራሊያ ንብዙሓት ኣሻሓት ናይ ኣውስትራሊያ ቪዛ ዝሓቱ ኣመልከቲ ዝትንክፍ ሕጊታት ኣውጺኡ እዩ።

 ኣብ ተመልክተሉ እዋን ከይሓሰብካዮ ጌጋ ምስትፍጽም ከምኦም ዝበሉ ምድንጋራት ንዝፈጸሙ እሞ ምስዝርከቡ ነቲ ዝተነጽገ ናይ ቪዛ መመልከቲ ን 10 ዓመታት ዳግም ምምልካት ክግታእ ይኽእል’ዩ።

 ጌጋ ሓበሬታ ዝበሃል ከም ዘይቅኑዕ ሓሳብ፡ ግድፈት ሓቂታት፡ ናይ ሓሶት ሰነዳት፡ ጌጋ ናይ ባንክ ሕሳብ፡ ናይ ቋንቋ ሰርቲፊኬትን ዝበሉ ይርከብዎም።

 ኪኢላታት ሕጊ ኢሚግራሽን ከምዝብልዎ እዚ ሓዲሽ ናይ ጊዜ እገዳ ነቶም ባዕሎም ይኹን ብካልእ ኣካል ቪዛ ዘመልክቱን ዘመልከትዎ ጌጋ ሓበሬታን ዝተረኽቦን ዳግም ነቲ ቪዛ ከመልክቱ 10 ዓመታት ክጽበዩ ክግደዱ እዮም።

 ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሲድኒ ኪኢላ ናይ ኢሚግረሺን ሕጊ Mary Crock ክሳብ ሎሚ ጌጋ ዝተረኽቦ ክሳብ 12 ዳግም ከየመልክት’ዩ ዝእግድ ነይሩ።

"እዚነቲናብቲደፓርትመንትምስቲምልክታዝቐረበሰነድ 10 ዓመታትዝለዝተሓዝነቶምዳግምከመልክቱዝደሊዩሰባትኣዚዩሃሳዩእዩ።

 ሓደ ካብ ህንዲ ዝተሰደ ብዛዕባ’ዚ ወጺኡ ዘሎ ሕጊ ከምዘተሓሳሰቦ ንSBS ገሊጹ።

 እዚ ሰብ ናይ ማስተርስ ዲግሪ ትምህርቱ ኣብዚ ምስወድኣ፡ መጻኢኡ ዘይፍሉጥ ኮይኑ ተሪፉ ኣሎ።

 ንሱ ግዳይ ናይ ሓሶት ምኽሪ ከምዝኾነ ይዛረብ።

 ንቀዋሚ መንበሪ ቪዛ  ከመልክት’ከሎ እቲ ናቱ ወኪል ኢሚግረሽን ናይ ስራሕ ተመኩሮኡ ኣጋኒኑ ክጽሕፍ ኣገዲድዎ፡፣

 እዚ ውሳኔኡ ሳዕቤን ክህልዎ ከምዝክእል ጠርጢሩ ነይሩ እዩ፡፣

 "እዚ ነቶምኮነኢሎምነቲጌጋሓበሬታዝህቡቅኑዕክኸውንይኽእል’ዩ፡፡እንተኾነእቲጌጋእንታይምዃኑዘይፈልጥዎንኣብ ክንዳኦምኮይኑጌጋዝሰርሓሎምንእዚወጺኡዘሎፍትሓዊኣይኮነን፡፣ኣብዚከምዚናተይኩነታትዘሎከምዚክኾኑ’ውንቅቡልኣይኮነን።

 ወኪል ሚግረሽን ጆሃር ባጅዋ ከምዝብሎ ምድንጋር ኣተሓሳሳቢ እዩ፡ እንተኾነ እዚ ሓዲሽ መቕጻዕቲ ነቶም ቀሊል ጌጋ ዝፍጽሙ ወይውን ብዘይ ብቘዕ ወኪል ዘስርሑ እሞ ጌጋ ዝርከቦም ፍትሓዊ ኣይኮነን።

"90 ሚእታዊካብኣመልከቲእቲዘመልከትዎእንታይምዃኑከምዘይፈልጥዎእዮምዝገልጹ።እቲቀንዲጸገምግናእቲኣብማእከልእቲኣመልካቲንደፓርትመንትኢሚግረሺንንዘሎወይእቲኣብወጻኢዘሎዘይምዝጉብወኪልኢሚግረሺንክከውንይኽእልዩ።

 ደፓርትመን ኢሚግረሽን ከምዝገልጾ እዚ ለውጢ ዘድለየሉ ምኽንያት ንቀዳዳት ንምዕጻው እዩ። እቶም ነቲ ዝሕተት ረቛሒታት ንምምላእ ኢሎም ጌጋ ሓበሬታታት ዝመልኡ ምስዝተሓዙ ዘመልከትዎ ቪዛ ን12 ወርሒ ከደስክልዎ ይሕተቱ ነይሮም እዮም ካብ ሎሚ ግና ከምኡ ዝበሃል የለን።

 እቲ ደፓርትመንት ብተወሳኺ ከምዝገልጾ፡ ነቲ ጉዳይ ዝሕዝዎ ወኪላት እቲ ደፓርትመንት እቲ ዝቐርበሎም ሰነዳት ጌጋ ምዃኑን ኮነ ኢሉ ተገይሩ ዝቐረበ ምዃኑን ዘይምዃኑን ርእዮም ባዕሎም ክውስኑ ስልጣን ተዋሂብዎም ኣሎ።

 ናይ ሰልፊ Greens ወሃብ ቃል ኢሚግረሺን Nick McKim ከምዝብሎ ሰልፎም ነዚ ብመንግስቲ ወጺኡ ዘሎ ዘይፍትሓዊ ሕጊ፡ ፓርላማ ኣብዚ ናይዚ ዓመት  መወዳእታ ኣኼባኡ ኣብዝገብረሉ እዋን ክስረዝ ከግብር ክጽዕርዩ።

 "እዚካልእተወሳኺግምባርናይቲፒተርዳተን (ሚኒስተር ኢሚግረሺን ኣውስትራሊያ)ኣንጻርናብኣውስትራሊያዑቕባንዝሓቱሰባትንነቶምኣብኣውስትራሊያብግዚያዊቪዛዘለዉንዝገብሮመጥቃዕቲእዩ፡፣  እዚናይፒተርዳተንጨካንንበቃቕንኣብልዕሊሃተቲዑቕባዝገብሮማህረምቲእዩ።

 እቲ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ስደተኛ እዚ ለውጢ ቪዛ ዳግም ተሓሲብሉ ናብ ቀደሙ እንተዘይተመሊሱ ኣዚዩ ሕማቕ ሳዕቤን ከምጽኣሉን ናብ ዓዱ ክምለስ ከምዝግደድን ገሊጹ።

 "እዚለውጢናብ ቀደሙእንተዘይተመሊሱናብሃገረይተመሊሰኩሉካብባዶክጅምሮክግደድእየ፡፣ስለዚሓዲሽስራሕክረክብኣለኒ፡ሓዲሽዝነብረሉዓዲ፡ኩሉካብባዶክጅመርዩማለት’ዩእዚንዓይብዙሕነገርክሓተኒዩማለት’ዩ።

 


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now