SKIP TO MAIN CONTENT

ኣብ ሊብያ ብጀነራል ሓፍጣር ዝእዘዝ ሓይሊ ንዋና ከተማ ክሕዛ ምዃኑ ኣፍሊጡ፡ ንልዕሊ 1400 ስደተኛታት ናብ ዝመጽዎ ሃገር መሊሱ።

ሊብያ ድሕሪ መራሒኣ ዝነበረ መዓመር ቐዳፊ ኣብ 2011 ምዕላዉ ብቕልውላው ክትሕመስ ድሕሪ ምጽናሓ እዚ ናይ ሓፍጣር እወጃ እታ ሃገር ዳግማይ ናብ ዝገደደ ሕንፍሽፍሽ ከይትወድቕ ሓያላት መንግስታት ዓለም ስግኣተን ገሊጸን ኣለዋ።

African News
Source: APP

2 min read

Published


Skip to article content

ኣብ ሊብያ ብጀነራል ሓፍጣር ዝእዘዝ ሓይሊ ንዋና ከተማ ክሕዛ ምዃኑ ኣፍሊጡ፡ ንልዕሊ 1400 ስደተኛታት ናብ ዝመጽዎ ሃገር መሊሱ።

ኣብ ምብራቓዊ ሊብያ ዓስኪሩ ዝርከብ ኣዛዚ ሰራዊት ከሊፋ ሓፍጣር፥ እቲ ናቱ ሓይሊ ንምልእቲ ሊብያ ንምምሕዳር “ህዝባዊ ጠለብ” ስለዘሎ እቲ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ስምምዓት ኣፍሪሱ ንዋና ኸተማ ጥራብሎስ ንኽሕዛ ስርሒት ከምዝጅምር ኣፍሊጡ።

እቲ ወዲ 76 ዓመት መራሒ ሃገራዊ ሰራዊት ሊብያ ነቲ ብሽምግልና ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2015 ዝተፈረመ ውዕል ሓድነት “ግዚኡ ዝሓለፎ ስምምዕ እዩ” ከምዝበሎ ኣል ጀዚራ ጸብጺቡ። ኣብ ተለቭዥን ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ሓድጽ መንግስቲ ከምዘቕውም ኣፍሊጡ ኣሎ።

ሊብያ ድሕሪ መራሒኣ ዝነበረ መዓመር ቐዳፊ ኣብ 2011 ምዕላዉ ብቕልውላው ክትሕመስ ድሕሪ ምጽናሓ እዚ ናይ ሓፍጣር እወጃ እታ ሃገር ዳግማይ ናብ ዝገደደ ሕንፍሽፍሽ ከይትወድቕ ሓያላት መንግስታት ዓለም ስግኣተን ገሊጸን ኣለዋ።

እቲ ኣብ ጥራብሎስ ዝርከብ ብውሕሃ ኣፍልጦ ዘለዎ መንግስቲ ሊብያ “ሓድሽ ዕልዋ ንምግባር ወጢኑ” ብምባል ንሓፍጣር ከሲሱ ኣሎ። “ኣብ ምሉእን ቀዋሚ ፍታሕ ኣብ ናይ ሳንዱቕ መውሃቢ ንበጽሕ ኩለመናዊ ዝርርብ ብምግባር ብደሞክራሲያዊ ጎደና ምጉዓዝ ክንቅጽል ኣለና።” ክብል እቲ መንግስቲ ንሰላማዊ ዝርርብ ጸዊዑ ኣሎ።

 

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እቲ ንምብራቓዊ ሊብያ ዝቆጻጸር ሓይሊ ሒዝዎም ዝነበረ ልዕሊ 1400 ስደተኛታት ናብ ዝመጽዎ ክምለሱ ፈንይዎም ክብል ናይ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሊጡ።

እቶም ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ናብ ሱዳን ፣ ኒጀር፣ ቻድን ሶማልያን እዮም ክምለሱ ተጌሩ። እቲ ተቓዋሚ ሓይሊ ሓላፍነት ብዝጎደሎ መገዲ ነቶም ስደተኛታት ናብቲ ሃዲሞም ዝወጽሉ ሃገር ክምለሱ ምግባሩ ኣህጉራዊ ሕግታት ጥሒሱ ኣሎ ክብል እቲ ኮሚሽን ከሲሱ ኣሎ።

ኣብዚ ቅሩብ እዋን 160 ሱዳናውያን ወሲኹ ኣብዝሓለፉ ኣዋርሕ ልዕሊ 1400 ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ወይ ክባረሩ ከምተገብሩ ወሃቢ ቓል ኮሚሽነር ናይ ዉሕሃ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ጀርሚ ሎውረንስ ተዛሪቡ። እቶም ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ናብቲ ሃዲሞም ዝመጽሉ ሃገር ምምላስ ማለት ኣሕሊፍካ ምሃብ እዩ ክብል ወቒሱ።

 


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now