SKIP TO MAIN CONTENT

ፖሊስ ናይጀሪያ፥ “መፍረ ቆልዑ ገዛውቲ” ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣውዒሉ

ፖሊስ ከምዝሓበሮ ኣብቲ ቦታ መፍረ ዝውለዱ ደቂ ተባዕትዮ ህጻናት ብ1400 ዶላር ፥ ደቂ ኣንስትዮ ቆልዑ ድማ ብ830 ዶላር ኣብ ዕዳጋ ይቐርቡ።

Africa News
Source: SBS

1 min read

Published


Skip to article content

ፖሊስ ናይጀሪያ ብዝወሰዶ ስጉምቲ ካብቲ “መፍረ ቆልዑ” ኢሉ ዝጽውዖ ገዛውቲ 19 ጥኑሳት ደቂ አኣንስትዮ ነጻ ከምዘውጽአ ቢቢሲ ጸብጺቡ።

እተን ተጠሊፈን ኣብቲ እንዳመፍረ ዝኣትዋ ደቂ ኣንስትዮ ብሕይሊ ከምዝጠንሳን ከምዝወልዳን ይግበር እሞ እቶም ዝውለዱ ቆልዑ ከምዝሽየጡ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ገበን ከም ነርስ ኮይነን ዝዓያ ዝነበራ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ እንተታሕዛ’ኳ እቶም ቀንዲ ፈጸምቲ እቲ ገበናት ከምዘይተታሕዙ ተፈሊጡ።

ፖሊስ ከምዝሓበሮ ኣብቲ ቦታ መፍረ ዝውለዱ ደቂ ተባዕትዮ ህጻናት ብ1400 ዶላር ፥ ደቂ ኣንስትዮ ቆልዑ ድማ ብ830 ዶላር ኣብ ዕዳጋ ይቐርቡ። እቶም ንመሸጣ ናብ ዕዳጋ ዝቐርቡ ዝሽየጥሉ ከባቢ ከምዘይፍለጥ ተሓቢሩ ኣሎ።

‘መፍረ ህጻናት’ ዝበሃል ጉዳይ ኣብ ናይጀሪያ ልሙድ ኣዘራርባ ኮይኑ፡ ነዚ ገበን ደው ንምባል ፖሊስ ናይጀሪያ ካብዝገበሮም ወፍሪ፡ ዝሓለፈ ዓመት 160 ህጻናት ካብ መሸጣ ኣናጊፍዎም እዩ። ኣብዚ ናይ ሎሚ 4 ህጻናት ነጻ ወጺኦም ኣለዉ።

ስራሕ ክቑጸራ ቃል ተኣትዩለን ካብ ዝተፈላለዩ ክፋል ናይጀሪያ ናብ ሌጎስ ዝኣትዋ ኣዋልድ፡ ግብረ ስጋዊ ዓመጽ ከምዝወርደን ይፍለጥ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now