Analysis

ካብ ዉ/ሕ/ሃ ብዝተረኽበ ልቓሕ፡ ዉድብ ሕርሻን መግብን (FAO) ን ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ሓረስቶት ዝቐርብ ድኹዒ ኣዛይድዎ።

ካብ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ማዕከን ማእከላይ ህጹጽ ምላሽ (CERF) 10 ሚልዮን ዶላር ልቓሕ ፡ ውድብ መግብን ሕርሻን (FAO) ነቶም ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ከባቢታት ትግራይ ዝርከቡ ሓረስቶት ንምድጋፍ ፡ መፍረያይነት ንምሕያል ዘኽእል ምዃኑ እቲ ትካል ብሰኑይ ኣፍሊጡ ።

ትካል መግብን ሕርሻን ዉ/ሕ/ሃን ተሃባበርቱን 262 ቶን ናይ ድኹዒ ናብ ክልልት ትግራይ ቀሪቡ

ትካል መግብን ሕርሻን ዉ/ሕ/ሃን ተሃባበርቱን 262 ቶን ናይ ድኹዒ ናብ ክልልት ትግራይ ቀሪቡ Credit: Beyene Weldegiorgis

Key Points
  • ህጹጽ ግብረ መልሲ
  • ቀለብ ምቕራብ
  • ነቲ ጠለብ ንምምላእ
ኣብ ሕዳር 2020 ግጭት ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ: ትግራይን ካልኦት ዞባታትን ኣብ ሕርሻ ምኹላፍን: ልዑል መጠን ዋሕዲ ውሕስነት መግቢ: ከምኡውን መነባብሮ ሰባት ምጥፍፋእ ተራእዩ እዩ ።
እቲ ናይ ልቓሕ ቅጥዒ ሓደ ክፋል ናይ ብልቓሕ ሓገዝቲ መጻምድቲ ናብFAO ከምዝኣትዉ ብምግባር፡ ከምኡ 'ውን ናይ ድኹዒ ምድላው ሓረስቶት ግራውቶም ኣብ ጽንኩር ወቕቲ ምዝራእ ክሕግዞም ተባሂሉ ዝተገብረ እዩ ። ይኹን እምበር ፡ እዚ ሓገዝ እዚ ኣብ መወዳእታ እዚ ወርሒ ክብጻሕን ኣብ ግብሪ ክውዕልን ኣለዎ ።

ናይ FAO ኣወሃሃዲ ምብራቓዊ ኣፍሪቃን ሓድሽ ልኡኽ ናብ ኢትዮጵያ ዴቪድ ፊሪ ፡ መሻርኽትን ንCERF ን ፡ ቅልጡፍ ስጕምቲ ክወስዱ ከም ዘድልዮም ብምግንዛብ ኣመስጊኑ ።
"ሓረስቶት ዘድልዮም ጥረ ነገራት እንተ ረኺቦም ፡ ካብ ጥቅምቲ 2022 ጀሚሮም ምህርቲ ኺሓፍሱን ክበልዑን ይኽእሉ እዮም ። እዚ ምህርቲ እዚ እንተ ወሓደ ንሽዱሽተ ወርሒ ዝኣክል ምግቦም ከም ዝሽፍን እዩ ዝገብር : ኣብቲ ዝበለጸ ኣጋጣሚ ድማ ክሳዕ እቲ ቀጺሉ ዘሎ ግዜ ቀውዒ ንብርክት ዝበሉ ስድራቤታት ዝኸውን እኹል ተረፍ ናይ ምሻጥ ምህርቲ ከም ዝረኽባ እዩ ክገብር "በለ ።

ክሳብ 80 ሚኢታዊ ዝኾኑ ኢትዮጵያዊያን ቀንዲ ምንጪ መነባብሮኦም ኣብ ሕርሻ ዝተመርኮሱ ኮይኖም ብፍላይ ድማ ኣብ ገጠራት ዝነብሩ ሰባት ፍርያቶም ነቲ ህዝቢ ይምግብ ።

እቲ ቀንዲ ዝበቍል ወቕቲ መሀር ይበሃል ፡ ኣብ ትግራይ ምህርቲ ኣዝርእቲ ዝፈርየሉ ኣዝዩ ኣገዳሲ ወቕቲ እዩ ።
ፋኦ ከም ዝገለጾ ፡ ወቕቲ ዝናም ኣብ ጽቡቕ ስለ ዝረክብ ፡ ጽቡቕ መጻኢ ስለ ዘለዎ ፡ እቲ ወቕቲ ኣብ መላእ እቲ ዞባ ምህርቲ ምግብን ቀረብን ንምምሕያሽ ወሳንን ብዙሕ ወጻኢታት ዝሓትትን ኣጋጣሚ ዝኸፍት እዩ ።
ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ትካልትን መሻርኽትን ዛጊት ልዕሊ 19,000 ቶን ድኹዒ ወይ 40 ሚኢታዊ ካብቲ ዘድሊ ኣማሊኦም ኣለዉ ። እዚ ንኣስታት 380,000 ስድራ-ቤታት ዘድልየን ነገራት ንምምላእ እኹል እዩ ፡ ድሮ 7,000 ቶን ንሓረስቶት ተዓዲሉ ኣሎ ።
እቲ ተወሳኺ 12,000 ቶን ዝኸውን ብመልክዕ ልቓሕ ብ CERF ክግዛእ ከሎ: ምስ ተመሳሳሊ ሓገዝ ብ FAO ተመዲቡ እዩ ።

እቲ 19,000 ቶን ዝኸውን ድዅዒ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ እዩ ተዓዲጉ ፣ ዝያዳ ድዅዒ ብ FAO ከምኡውን መሻርኽቲ ተወሳኺ ምወላእንተጌሮም ክገዝኡን ክዕድሉን ከምዝኽእሉ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ፈቒዶም እዮም ሓቢሮም ኣለዉ ።
ፋኦ ከምዝበሎ እቲ ዕላማ 60,000 ቶን ንትግራይ ዘድሊ ገንዘብ ንምፍቓድ እዩ ።
እቲ ትካል ኣብ ሶማልያ ንዘጋጥም ሓደጋ ጥሜት ንምእላይ ብ1997 ካብ ናይ CERF ልቓሕ ፣ ከምኡ 'ውን ኣብ 2020 ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝካየድ ናይ ምቁጽጻር ኣንበጣ ምድረ-በዳ ንምድጋፍ ኢሉ ቅድሚ ሕጂ ደጊፉ እዩ ።

Share

Published

Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service