A young Black and Indian couple.
 A young Black and Indian couple.
This article is more than 3 years old

ፍቕሪ ክንዮ ዓሌትን ሕብሪ ቆርበትን: ሌላ ምስ ንፍቕሮም ዋጋ ዝኸፍሉ መጻምዲ

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ፡ ከም ናታቶም ዓይነት ዝምድና ዘይሕጋዊ እዩ ነይሩ ። ኣብ ሕጊ እተገብረ ለውጥታት ነዚ ዕንቅፋት እዚ ኣወጊድዎ እዩ ፣ ኮይኑ ግና እዞም ሰብ ሓዳር እዚኦም ነቐፌታን ዕንቅፋትን የጋጥሞም እዩ ። ንሳቶም ዓሌትነትን ኣድልዎን ክዕወት ስለምንታይ ከም ዘይደልዩ ይዛረቡ ።

Published

By Gemma Wilson, Janice Petersen
Source: SBS
Image: Pam and Sebastian Reddy.

ሰባስትያን ሬዲ ምስታ ሕጂ ሰበይቱ ፓም ዝነበሮ ርክብ ብቕልጡፍ እናዓበየ ከደ ።

"ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ፡ ብወግዒ ምሳይ ክትወጽእ ሓተትክዋ ፣ ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ፡ ክትምርዓወኒ ሓተትክዋ ፣ ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ድማ ተመርዓና ፣ ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ድማ ጠኒሳ" ።

እቲ ናቶም ዝምድና ኣብ ቤተ ክርስትያን ዝጀመረ ኮይኑ ብፍሉይ ዝጥመተሉ ምኽንያት፡ ጓል 30 ዓመት ፓም ጸላም ደቡብ ኣፍሪቃዊት ፡ ሰባስትያን ወዲ 31 ዓመት ህንዳዊ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ስለ ዝዀኑ እዩ ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ፡ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ኣፓርታይድ ብዓሌት እተኸፋፈለት ሃገር እያ ኔራ፡ ሕጂ ረይንቦው ኔሽን ተባሂላ ትጽዋዕ ኣላ ፣ እዚ ከኣ ፕረዚደንት ነበር ነልሰን ማንዴላ እተጠቕመሉ ሓረግ እዩ ። ኰይኑ ግና ፡ ከም ካብ ዝተፈላለየ ዓሌት ከም እንዳ ሬዲ ዝኣመሰሉ ሰብ ሓዳር ፡ ፀገማት የጋጥሞም እዩ ።

ሰባስትያን ከምዝብሎ ፡ "ስድራ ቤተይ ንፓም ዘይተቐበልሉ ምኽንያት ጸላም ስለ ዝዀነት እዩ" በለ ።

"ኣደይ ብእተወሰነ ደረጃ ንኣንስቲ ኣፍሪቃ ትቕበል እኳ እንተ ዘይነበረት ፡ ኣብ እግራ ወዲቐ ፡ 'ምሳይ ርክብ ክትምስርቱ እንተ ደሊኹም ፡ ግድን ክትቅበልዋ ኣለኩም" በልክዋ ።

እቶም ሰብ ሓዳር ኣብታ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እትርከብ ከተማ ዱርባን ይነብሩ ስለ ዘለዉ ፡ ንዓታቶም ዝያዳ ኣጸጋሚ እዩ ዝዀኖም ። እዛ ከተማ እዚኣ ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ 2021 ኣብ ህንድን ጸሊም ህዝብን ሓያል ግጭት ከም እተራእየ ዝንገረሉ ሓያል ናዕቢ ዝረኣየላ ከተማ እያ ።

ስእሊ ደቡብ ኣፍሪቃ ገለ ሓቅታት ብዛዕባ ነበርቲ ከተማ ደርባን
Durban is a coastal city in eastern South Africa’s KwaZulu-Natal province.

ሰባስትያን ካብ ዓሌቱ ወጻኢ ናይ ጓል ዓርኪ ክሕዝ ዝኽእል ንሱ ጥራይ እዩ ። ፒንኪ ዝተባህለት ኣዲኡ ፡ ምስ ፓም እቲ ናቱ ዘለዎ ርክብ ፡ ኣብ መንጎ ዓቢ ስድራቤታ ጸገም ከምዝፈጥር ተኣሚና ።

"እቲ ነገር'ዚ ምስ ህንዳውያን ዝተሓሓዝ እዩ ፡ ሓቀይ እየ ፡ ነቶም ካልኦት ኣህዛብ ፡ ንስኻ ኣፍሪቃዊ ኢኻ ፡ ጻዕዳ ኢኻ ፡' ኢሎም ይወስድዎም ፡ ከምዚ ኢሎም ድማ ይቕጽሉ" ትብል ፒንክይ ።

"ሓወቦይ ፡ ኣፍሪቃዊት ጓል ስለ እተመርዓወት ፡ ኣብ ልዕሊኡ ጽልኢ ኣሕዲሩ እዩ።"

ፓም ግና ስድራቤታ ኣንጻር ናይዚ ኣተሓሳስባ ምዃኑ ሓበረት: ንሰባስትያን ከኣ ብኽፉት ኣእዳዎም ከምተቐበልዎም ገሊጻ። ኣዲኣ ን ፓም፡ ሞኒካ ሼፐርስ ፡ ካልእ ዛንታ እዩ ነይሩዋ ።

"ቅድሚ ሕጂ ህንዳውያን ኣይፈቱን" የ ነይረ ፡ ስለዚ ዎው ፡ ስለምንታይ? ስለምንታይ እዩ ህንዳዊ ? [ንፓም] 'ስለምንታይ ሕጂ ? እንታይ ማለትኪ እዩ ህንዳዊ ኢልካኸ? '"

"ቀያሕቲ ህንዳውያን ክዓብዩ ኣይፈቱን እየ ነይረ ፣ ኵሉ ግዜ ካብ ኵሉ ሰብ ንላዕሊ በላሕቲ ኢና ዝብሉ እዮም ዝመስሉኒ ፣ ከምኡ እየ ኣብ ስራሕ ዓለም ክረኽቦም ዝርእዮም ዝነበርኩ ።"

ሰባስትያን ኣብ ልዕሊ ሞኒካን ኣብ ልዕሊ እቶም ዝተረፉ ኣባላት ስድራቤትን ክዕወት ከሎ፡ እቶም ሰብ ሓዳር ግን : ርክቦም ኵሉ ሰብ ዘይቅበሎ ምዃኑ እዮም ዝገልጹ ።

ንምንታይ እዩ ከምዚ ኣረኣእያታት ዝህሉ?

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ዓሌትካ ምደባ ወጻኢ ምምርዓው ኣብ ትሕቲ ስርዓት ኣፓርታይድ ዘይሕጋዊ እዩ ኔሩ።

እቲ ኣገባብ ብሰልፊ ናሽናል ዝምራሕ መንግስቲ ፡ ብ1948 ተኣታትዩ ፡ ንኣስታት 50 ዓመት ድማ ፡ ንሰባት ኣብ ሕብሪ ቘርበቶም ዝተሞርኮሰ ብደረጃታት ክስርዑ ስርዓት ኣተኣታትዩ።

ጸዓዱ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ክነበሩ'ከለዉ ፣ ህንዳውያንን ኮልደንስ ዝብሃሉ ኣብ ማእከል ይስርዑ ፣ ኣብ ታሕተዋይ ደረጃ ዝስርዑ ጸለምቲ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ነበሩ ።

እቶም ጸዓዱ ዘይኰኑ ሰባት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ክረኽቡ ኣይክኣሉን ፣ ጾታዊ ርክብን መርዓን ክንዮ ዓሌትካ ምፍጻም ዘይሕጋዊ እዩ ነይሩ ። ኣብ መጀመርታ 90ታት ኣፓርታይድ ምስ ፈረሰ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ዝያዳ ትስፉውን ምዕቡልን እዋን ክትሰጋገር ጀሚራ: ኣብ 2022 ምስ ካልእ ዓሌት ተሓዋዊስካ ምቅርራብ ሕጋዊ እኳ እንተዀነ: እቲ ናይ ኣፓርታይድ ኣተሓሳስባ ግን ምሉእ ብምሉእ ኣይፈረሰን ዘሎ።

Apartheid Protest
ብ1959 ፖሊስ ደቡብ ኣፍሪቃ ፡ ን ጸለምቲ ኣንስቲ እናቐጥቀጡ ። Credit: Hulton Archive/Getty Images

"ሰባት ንሓደ ጻዕዳ ሰብ ዓርኪ ክትሕዝ እንተርእዮሙኻ ፡ 'ጽቡቕ ጌርኩም' ብምባል ከም ዓወት እዩ 'ይቖጽርዎ ።" ትብል ፓም

"ሓደ ጻዕዳ ሰብ ግና ንጸላም/ጸሊም ከም መሓዛ ከውጽእ እንተጀሚሩ ግና ፡ 'ሕራይ ፡ ጸሊም ጓል ወይ ጸሊም ወዲ ዓርኪ ክትሕዝ ኣይተጸበኹን" ይብሉ ፣ ስለዚ ፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ፡ እቶም ጸለምቲ ሰባት ወትሩ ኣትሕት ኣቢሎም እዮም ዝርኣዩ ።

"ኣብ ኣፓርታይድ ንዝነበሩ ሰባት ፡ ኣእምሮኦም ስለ ዝቈጻጸር ፡ ካብ ኣእምሮኦም ምፍላይ ኣዝዩ ከቢድ እዩ ። - ኦህ ፡ ጸሊም ዝተሓተ ፡ ጸዓዱ ድማ ብሉጻት እዮም ኢሎምዮም ዝሓስቡ።"

ተስፋ ንመጻኢ

ሳራ ምኪዝ ፡ ጻዕዳ እያ ፣ ናዳባ ምኪዝ ሰብኣያ ጸሊም እዩ ።

ጓል 28 ዓመት ሳራ ብዛዕባ ንዳባ ክትገልጽ'ከላ ፡ "ኣነ ዝደልዮ ተባዕ ክኸውንን ነዚ ድማ ብተግባር ከርእየንን ኣለዎንሱ ዚሓልየለይን ዚከናኸነንን ዝከላኸለለይን ክኸውን ኣለዎ ንሱ ድማ እዚ ባህሪ'ዚ ኣርእዩኒ እዩ እዩ" በለት ።

ሳራን ንዳባን
Sarah and Ndaba Mkhize.

እንዳ ምኪዝ ፡ ዳርጋ ኣምባሳደራት ፍቕሪ ናይ ዝተፈላለዩ ዓሌታት ኰይኖም እዮም ።

ሳራ ፡ "ፈቲና ጸሊእና ፡ ሓደ ካብቲ ኣብ ምሉእ ሓዳርና ዘገድሰና ነገራት ፡ ሓደ ዘይተለምደ ነገር ምውካልና እዩ" በለት ።

ሳራ ፡ "ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ምሉእ ብምሉእ ኽንዘራረብ ኣይንደልን ኢና ፣ ኰይኑ ግና ፡ ኽንመስሎ ንደሊ ኢና" በለት ።

እቶም ኣብ ቤተ-ክርስትያኖም ኣገልገልቲ ዝዀኑ ጽምዲ ፡ ኣብታ ቤተ-ክርስትያን ንእተፈላለዩ ዓሌት ዘለዎም ሰባት ብሓባር ንምእካብ ብንጥፈት ይዓይዩ ።

እቶም ሰብ ሓዳር ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ፡ ማለት ኣብ ዘመነ ኣፓርታይድ ንዝነበሩ፡ ብጽቡቕ ከምዘይረኣዩ እኳ እንተኣመኑ ፡ ወዲ 33 ዓመት ንዳትላይን ከምዝገለጾ ግና ቀስ ብቐስ እቲ ኣተሓሳስባ እናለመሰ ከምዝኸይድ ዘሎ እዩ ዝኣምን ።

"ታሪኽና ኣብ ግምት ኣእቲኻ ፡ ስለምንታይ ከምኡ ከም ዝዀነ ክንርዳእ ክኢልና ኢና ፡ ሓደ መገዲ እንተ ዓቢኻ ፡ ንዅሉ ሕግታት ኣፍሪስካ ሓድሽ ነገር ንምምዕባል ወይ ሓድሽ ኦም ንምትካል ግዜ ዝወስድ ይመስለኒ" በለ ።

ምስዝመረጽካዮ ዝምድና ክትገብረሉ ኣብ ትኽእል ዘመን እየ ዘለኹ, ንዕ ኡ ብምምራጸይ ብሓንሳብ ንነብር ኣለና።
Pam Reddy

እቶም ሰብ ሓዳርን እቶም እተፈላለዩ ፈተውቶምን ፡ ስርዓት ኣፓርታይድ ምስወደቐ እዮም ዓብዮም ። ሕብሪ ቘርበት ብዘየገድስ ፡ ምስ ባህ ዝበሎም ክፋቐሩ ይኽእሉ እዮም ። ነቶም ካብ ዝተፈላለየ ዓሌት ዝምድና ዝገበሩ ሰባት ፡ ፍቕሮም ሓድሽ መዋእል ከም ዝኣኸለ መልእኽቲ ኺሰደሎም ተስፋ ይገብሩ እዮም ።

ኒክ ዝስሙ ህንዳዊ ዝመበቈሉን ሞዛምቢካዊት ናይ ጓል ዓርኪ ዘለዎን ሰብ ፡ "መጻምድትኻ ካብ እተፈልየ ዓሌት ክህልወካ ጽቡቕ ምዃኑ ነቲ ናይ ቀደም ወለዶ ከነርእዮ ንደሊ ኢና፣ ምኽንያቱ ፡ እታ ሃገር ብሓፈሻ ናበይ ገጻ ትኸይድ ከም ዘላ እዩ ዘርኢ ፣ ናብቲ ኔልሰን ማንዴላ ዝደልዮ ዝነበረ ማለት እዩ" በለ ።

ፓም'ውን ነዚ ተግባርን መልእኽትን ትደግሞ እዩ ፡ እታ ሃገር ሓደ መዓልቲ ካብቲ ኣብ መንጎ ሓድሕዳዊ ምክፍፋል ዝካየድ ቅድድም ክትወጽእ እያ ኢላ እያ ትኣምን ።

"ምስ ዝመረጽክዎ ሰብ ርክብ ክህልወኒ ኣብ ዝኽእል እዋን እየ ዘለኹ ፣ ንዕኡ [ሰባስትያን] መሪጸ ፣ ናብኡ ክንከይድ እንኽእል ድማ ይመስለኒ"።


Share

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now