A young Black and Indian couple.
 A young Black and Indian couple.
This article is more than 3 years old

ፍቕሪ ክንዮ ዓሌትን ሕብሪ ቆርበትን: ሌላ ምስ ንፍቕሮም ዋጋ ዝኸፍሉ መጻምዲ

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ፡ ከም ናታቶም ዓይነት ዝምድና ዘይሕጋዊ እዩ ነይሩ ። ኣብ ሕጊ እተገብረ ለውጥታት ነዚ ዕንቅፋት እዚ ኣወጊድዎ እዩ ፣ ኮይኑ ግና እዞም ሰብ ሓዳር እዚኦም ነቐፌታን ዕንቅፋትን የጋጥሞም እዩ ። ንሳቶም ዓሌትነትን ኣድልዎን ክዕወት ስለምንታይ ከም ዘይደልዩ ይዛረቡ ።

Published

By Gemma Wilson, Janice Petersen
Source: SBS
Image: Pam and Sebastian Reddy.
ሰባስትያን ሬዲ ምስታ ሕጂ ሰበይቱ ፓም ዝነበሮ ርክብ ብቕልጡፍ እናዓበየ ከደ ።
"ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ፡ ብወግዒ ምሳይ ክትወጽእ ሓተትክዋ ፣ ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ፡ ክትምርዓወኒ ሓተትክዋ ፣ ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ድማ ተመርዓና ፣ ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ድማ ጠኒሳ" ።
እቲ ናቶም ዝምድና ኣብ ቤተ ክርስትያን ዝጀመረ ኮይኑ ብፍሉይ ዝጥመተሉ ምኽንያት፡ ጓል 30 ዓመት ፓም ጸላም ደቡብ ኣፍሪቃዊት ፡ ሰባስትያን ወዲ 31 ዓመት ህንዳዊ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ስለ ዝዀኑ እዩ ።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ፡ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ኣፓርታይድ ብዓሌት እተኸፋፈለት ሃገር እያ ኔራ፡ ሕጂ ረይንቦው ኔሽን ተባሂላ ትጽዋዕ ኣላ ፣ እዚ ከኣ ፕረዚደንት ነበር ነልሰን ማንዴላ እተጠቕመሉ ሓረግ እዩ ። ኰይኑ ግና ፡ ከም ካብ ዝተፈላለየ ዓሌት ከም እንዳ ሬዲ ዝኣመሰሉ ሰብ ሓዳር ፡ ፀገማት የጋጥሞም እዩ ።

ሰባስትያን ከምዝብሎ ፡ "ስድራ ቤተይ ንፓም ዘይተቐበልሉ ምኽንያት ጸላም ስለ ዝዀነት እዩ" በለ ።
"ኣደይ ብእተወሰነ ደረጃ ንኣንስቲ ኣፍሪቃ ትቕበል እኳ እንተ ዘይነበረት ፡ ኣብ እግራ ወዲቐ ፡ 'ምሳይ ርክብ ክትምስርቱ እንተ ደሊኹም ፡ ግድን ክትቅበልዋ ኣለኩም" በልክዋ ።
እቶም ሰብ ሓዳር ኣብታ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እትርከብ ከተማ ዱርባን ይነብሩ ስለ ዘለዉ ፡ ንዓታቶም ዝያዳ ኣጸጋሚ እዩ ዝዀኖም ። እዛ ከተማ እዚኣ ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ 2021 ኣብ ህንድን ጸሊም ህዝብን ሓያል ግጭት ከም እተራእየ ዝንገረሉ ሓያል ናዕቢ ዝረኣየላ ከተማ እያ ።
ስእሊ ደቡብ ኣፍሪቃ ገለ ሓቅታት ብዛዕባ ነበርቲ ከተማ ደርባን
Durban is a coastal city in eastern South Africa’s KwaZulu-Natal province.
ሰባስትያን ካብ ዓሌቱ ወጻኢ ናይ ጓል ዓርኪ ክሕዝ ዝኽእል ንሱ ጥራይ እዩ ። ፒንኪ ዝተባህለት ኣዲኡ ፡ ምስ ፓም እቲ ናቱ ዘለዎ ርክብ ፡ ኣብ መንጎ ዓቢ ስድራቤታ ጸገም ከምዝፈጥር ተኣሚና ።
"እቲ ነገር'ዚ ምስ ህንዳውያን ዝተሓሓዝ እዩ ፡ ሓቀይ እየ ፡ ነቶም ካልኦት ኣህዛብ ፡ ንስኻ ኣፍሪቃዊ ኢኻ ፡ ጻዕዳ ኢኻ ፡' ኢሎም ይወስድዎም ፡ ከምዚ ኢሎም ድማ ይቕጽሉ" ትብል ፒንክይ ።
"ሓወቦይ ፡ ኣፍሪቃዊት ጓል ስለ እተመርዓወት ፡ ኣብ ልዕሊኡ ጽልኢ ኣሕዲሩ እዩ።"
ፓም ግና ስድራቤታ ኣንጻር ናይዚ ኣተሓሳስባ ምዃኑ ሓበረት: ንሰባስትያን ከኣ ብኽፉት ኣእዳዎም ከምተቐበልዎም ገሊጻ። ኣዲኣ ን ፓም፡ ሞኒካ ሼፐርስ ፡ ካልእ ዛንታ እዩ ነይሩዋ ።
"ቅድሚ ሕጂ ህንዳውያን ኣይፈቱን" የ ነይረ ፡ ስለዚ ዎው ፡ ስለምንታይ? ስለምንታይ እዩ ህንዳዊ ? [ንፓም] 'ስለምንታይ ሕጂ ? እንታይ ማለትኪ እዩ ህንዳዊ ኢልካኸ? '"
"ቀያሕቲ ህንዳውያን ክዓብዩ ኣይፈቱን እየ ነይረ ፣ ኵሉ ግዜ ካብ ኵሉ ሰብ ንላዕሊ በላሕቲ ኢና ዝብሉ እዮም ዝመስሉኒ ፣ ከምኡ እየ ኣብ ስራሕ ዓለም ክረኽቦም ዝርእዮም ዝነበርኩ ።"
ሰባስትያን ኣብ ልዕሊ ሞኒካን ኣብ ልዕሊ እቶም ዝተረፉ ኣባላት ስድራቤትን ክዕወት ከሎ፡ እቶም ሰብ ሓዳር ግን : ርክቦም ኵሉ ሰብ ዘይቅበሎ ምዃኑ እዮም ዝገልጹ ።

ንምንታይ እዩ ከምዚ ኣረኣእያታት ዝህሉ?

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ዓሌትካ ምደባ ወጻኢ ምምርዓው ኣብ ትሕቲ ስርዓት ኣፓርታይድ ዘይሕጋዊ እዩ ኔሩ።
እቲ ኣገባብ ብሰልፊ ናሽናል ዝምራሕ መንግስቲ ፡ ብ1948 ተኣታትዩ ፡ ንኣስታት 50 ዓመት ድማ ፡ ንሰባት ኣብ ሕብሪ ቘርበቶም ዝተሞርኮሰ ብደረጃታት ክስርዑ ስርዓት ኣተኣታትዩ።
ጸዓዱ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ክነበሩ'ከለዉ ፣ ህንዳውያንን ኮልደንስ ዝብሃሉ ኣብ ማእከል ይስርዑ ፣ ኣብ ታሕተዋይ ደረጃ ዝስርዑ ጸለምቲ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ነበሩ ።
እቶም ጸዓዱ ዘይኰኑ ሰባት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ክረኽቡ ኣይክኣሉን ፣ ጾታዊ ርክብን መርዓን ክንዮ ዓሌትካ ምፍጻም ዘይሕጋዊ እዩ ነይሩ ። ኣብ መጀመርታ 90ታት ኣፓርታይድ ምስ ፈረሰ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ዝያዳ ትስፉውን ምዕቡልን እዋን ክትሰጋገር ጀሚራ: ኣብ 2022 ምስ ካልእ ዓሌት ተሓዋዊስካ ምቅርራብ ሕጋዊ እኳ እንተዀነ: እቲ ናይ ኣፓርታይድ ኣተሓሳስባ ግን ምሉእ ብምሉእ ኣይፈረሰን ዘሎ።
Apartheid Protest
ብ1959 ፖሊስ ደቡብ ኣፍሪቃ ፡ ን ጸለምቲ ኣንስቲ እናቐጥቀጡ ። Credit: Hulton Archive/Getty Images
"ሰባት ንሓደ ጻዕዳ ሰብ ዓርኪ ክትሕዝ እንተርእዮሙኻ ፡ 'ጽቡቕ ጌርኩም' ብምባል ከም ዓወት እዩ 'ይቖጽርዎ ።" ትብል ፓም
"ሓደ ጻዕዳ ሰብ ግና ንጸላም/ጸሊም ከም መሓዛ ከውጽእ እንተጀሚሩ ግና ፡ 'ሕራይ ፡ ጸሊም ጓል ወይ ጸሊም ወዲ ዓርኪ ክትሕዝ ኣይተጸበኹን" ይብሉ ፣ ስለዚ ፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ፡ እቶም ጸለምቲ ሰባት ወትሩ ኣትሕት ኣቢሎም እዮም ዝርኣዩ ።
"ኣብ ኣፓርታይድ ንዝነበሩ ሰባት ፡ ኣእምሮኦም ስለ ዝቈጻጸር ፡ ካብ ኣእምሮኦም ምፍላይ ኣዝዩ ከቢድ እዩ ። - ኦህ ፡ ጸሊም ዝተሓተ ፡ ጸዓዱ ድማ ብሉጻት እዮም ኢሎምዮም ዝሓስቡ።"

ተስፋ ንመጻኢ

ሳራ ምኪዝ ፡ ጻዕዳ እያ ፣ ናዳባ ምኪዝ ሰብኣያ ጸሊም እዩ ።
ጓል 28 ዓመት ሳራ ብዛዕባ ንዳባ ክትገልጽ'ከላ ፡ "ኣነ ዝደልዮ ተባዕ ክኸውንን ነዚ ድማ ብተግባር ከርእየንን ኣለዎንሱ ዚሓልየለይን ዚከናኸነንን ዝከላኸለለይን ክኸውን ኣለዎ ንሱ ድማ እዚ ባህሪ'ዚ ኣርእዩኒ እዩ እዩ" በለት ።
ሳራን ንዳባን
Sarah and Ndaba Mkhize.
እንዳ ምኪዝ ፡ ዳርጋ ኣምባሳደራት ፍቕሪ ናይ ዝተፈላለዩ ዓሌታት ኰይኖም እዮም ።
ሳራ ፡ "ፈቲና ጸሊእና ፡ ሓደ ካብቲ ኣብ ምሉእ ሓዳርና ዘገድሰና ነገራት ፡ ሓደ ዘይተለምደ ነገር ምውካልና እዩ" በለት ።
ሳራ ፡ "ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ምሉእ ብምሉእ ኽንዘራረብ ኣይንደልን ኢና ፣ ኰይኑ ግና ፡ ኽንመስሎ ንደሊ ኢና" በለት ።
እቶም ኣብ ቤተ-ክርስትያኖም ኣገልገልቲ ዝዀኑ ጽምዲ ፡ ኣብታ ቤተ-ክርስትያን ንእተፈላለዩ ዓሌት ዘለዎም ሰባት ብሓባር ንምእካብ ብንጥፈት ይዓይዩ ።
እቶም ሰብ ሓዳር ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ፡ ማለት ኣብ ዘመነ ኣፓርታይድ ንዝነበሩ፡ ብጽቡቕ ከምዘይረኣዩ እኳ እንተኣመኑ ፡ ወዲ 33 ዓመት ንዳትላይን ከምዝገለጾ ግና ቀስ ብቐስ እቲ ኣተሓሳስባ እናለመሰ ከምዝኸይድ ዘሎ እዩ ዝኣምን ።

"ታሪኽና ኣብ ግምት ኣእቲኻ ፡ ስለምንታይ ከምኡ ከም ዝዀነ ክንርዳእ ክኢልና ኢና ፡ ሓደ መገዲ እንተ ዓቢኻ ፡ ንዅሉ ሕግታት ኣፍሪስካ ሓድሽ ነገር ንምምዕባል ወይ ሓድሽ ኦም ንምትካል ግዜ ዝወስድ ይመስለኒ" በለ ።
ምስዝመረጽካዮ ዝምድና ክትገብረሉ ኣብ ትኽእል ዘመን እየ ዘለኹ, ንዕ ኡ ብምምራጸይ ብሓንሳብ ንነብር ኣለና።
Pam Reddy
እቶም ሰብ ሓዳርን እቶም እተፈላለዩ ፈተውቶምን ፡ ስርዓት ኣፓርታይድ ምስወደቐ እዮም ዓብዮም ። ሕብሪ ቘርበት ብዘየገድስ ፡ ምስ ባህ ዝበሎም ክፋቐሩ ይኽእሉ እዮም ። ነቶም ካብ ዝተፈላለየ ዓሌት ዝምድና ዝገበሩ ሰባት ፡ ፍቕሮም ሓድሽ መዋእል ከም ዝኣኸለ መልእኽቲ ኺሰደሎም ተስፋ ይገብሩ እዮም ።
ኒክ ዝስሙ ህንዳዊ ዝመበቈሉን ሞዛምቢካዊት ናይ ጓል ዓርኪ ዘለዎን ሰብ ፡ "መጻምድትኻ ካብ እተፈልየ ዓሌት ክህልወካ ጽቡቕ ምዃኑ ነቲ ናይ ቀደም ወለዶ ከነርእዮ ንደሊ ኢና፣ ምኽንያቱ ፡ እታ ሃገር ብሓፈሻ ናበይ ገጻ ትኸይድ ከም ዘላ እዩ ዘርኢ ፣ ናብቲ ኔልሰን ማንዴላ ዝደልዮ ዝነበረ ማለት እዩ" በለ ።
ፓም'ውን ነዚ ተግባርን መልእኽትን ትደግሞ እዩ ፡ እታ ሃገር ሓደ መዓልቲ ካብቲ ኣብ መንጎ ሓድሕዳዊ ምክፍፋል ዝካየድ ቅድድም ክትወጽእ እያ ኢላ እያ ትኣምን ።
"ምስ ዝመረጽክዎ ሰብ ርክብ ክህልወኒ ኣብ ዝኽእል እዋን እየ ዘለኹ ፣ ንዕኡ [ሰባስትያን] መሪጸ ፣ ናብኡ ክንከይድ እንኽእል ድማ ይመስለኒ"።

Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service