ወተሃደራት ማሊ ብዝገበርሉ ጸቕጢ ናይ ማሊ ፕረሲደንት ኢብራሂም ቦባከር ከይታ ሎሚ ንግሆ ካብ ስልጣኑ ከምዝወረደ ኣፍሊጡ።
እቲ ወዲ ወዲ 75 ዐመት ፕረሲደንት ኣብ ተለቪዥን ናይታ ሃገር ቀሪቡ፡ መንግስቱን ናይ ማሊ ሃገራዊ ባይቶን ከምዝፈረሰ ገሊጹ።
"ኣብዚ ወርቃዊ ግዜ ኣብቲ ነዊሕ እዋን ደገፍ ዝሃበኒ ህዝቢ ማሊ ከመስግን እፈቱ፡ ሎሚ ስርሐይ ደው ከምዘበልኩ ከፍልጠኩም ደስ ይብለኒ" ክብል ሚስተር ከይታ ገሊጹ።
እቲ መግለጺ ዝወጸ፡ ንሓደ ወርሒ ድሕሪ ዝጸንሐ ቅልውላው ወተሃደራት ነቲ ፕረሲደንትን ንቀዳማይ ሚኒስተር ቦቡ ሲሰ ኣብ ቁጽጽር ምስ ኣውዓልዎ እዩ።
ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝርከባ ሃገራትን ፈረንሳ፡ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ዕልዋ ብምቅዋም ነቲ ዘይ ሕገ መንግስታዊ ስራሕ ደው ክብልን እታ ሃገር ኣብ ሕማቕ ከይትወድቕ ኣጠንቂቖም።
ናይ ዉሕሃ ዋና ጸሓፊ ኣንቶንዮ ጉተረስ "ብህጹጽን ብዘይ ቅድመ ኩነትን ሚስተር ከይታን ሚስተር ሲሰን ክፍትሑ ሓቲቱ፡ ኣብ ኒው ዮርክ ድማ ባይቶ ጸጥጣ ናይ ህጹጽ ኣኼባ ይገብር ኣሎ።
ኣብ ዋና ከተማ ባማኮ ዝርከብ ገዛ ናይቲ ፕረሲደንት ምስ ተቖጻጸሩ፡ "እቲ ፕረሲደንትን ቀዳማይ ሚኒስተርን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽርና እዮም ዘለዉ " ክብል መራሒ ተቓዋሚ ን AFP. ገሊጹ።
እቶም ዕልዋ ዝፈጸሙ ወተሃደራት ኣብ ጽርግያታት ቦማኮ ብድሩዓት መኻይን ብመስርዕ ክሓልፉ ተራእዮም ኣለዉ።
ኣብ 2012 ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ እዩ ሚስተር ከይታ ፕረሲደንት ክኸውን ኪኢሉ፡ ብድሕርዚ ቀልጡፉዩ ኣብታ ዘይርግእቲ ሃገር ተወሳኺ ዕልዋ ከይግበር ተስአጊኡ።
በዚ ፍጻመ ሓጎሶም ዝገልጹ ነበርቲ ናብ ጽርግያ ብምውጻእ ፕረሲደንት ከይታ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ሓቲቶም፡ ነቶም ናብ መንበሪ ገዛ ናይቲ ወዲ 75 ዓመት መራሒ ዘምርሑ ዝነበሩ ቃፍላይ ወተሃደራት ብጣቕዒትን ዕልልታን ኣሰንየሞም።
እቲ ፍጻመ እናተቓልሐ ሕብረት ምዕራብ ኣፍሪቃ ECOWAS, ኣመሪካ፡ ፈረንሳ፡ በብወገኖም ኣንጻር ለውጢ ስርዓት መግለጺ ኣውጺኦም።
ተቓወምቲ ሰላማዊ ሰልፊ ክገብሩ መደብ ኣውጺኦምሉ ዝነበርሉዩ ዕልዋ ሚስተር ከይታ ኣጋጢሙ።
እቲ ወዲ 75 ዓመት ፕረሲደንት ካብ ስልጣኑ ክወርድ ዝጠልብ ጻዊዒት ዝሸንሐ እንተኾነኳ፡ ማሊ ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚራ ኣብ ፖለቲካዊ ቅልውላው እያ ትርከብ።
ኣብቲ ፈለማ ናይ ተቓዉሞ ሰልፊ ዝተገብረሉ 5 ሰነ፡ ህዝቢ ኣብታ ሃገር ብዘሎ ቅልውላው ቁጠባ፡ ብልሽውና ሰብ መዚን ጭካነ ጅሃዳዊያን ግጭት ቑጠዐኦም ገሊጾም ኔሮም።
እንተኾነ እቲ ቁጠዐ ህዝቢ ዝነደደን ኣንጻር ከይታ ዝተባርዐን ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ሓይልታት ጸጥጣ ኣብዝነበረ ግጭት 11 ሰባት ምስተቐትሉዩ።
እናወሰኸ ዝኸይድ ወጥሪ
ኣብ በረኻታት ሳሕል ንዝርከቡ ደገፍቲ ጀሃድ ንምሕምሻሽ ብፈረንሳ ዝምራሕ ቃልሲ ኣብ ማሊ ጸኒሑ እዩ።
ብዙሕ ክፋል ግዝኣት ናይ ማሊ ካብ ቁጽር መንግስቲ ወጻኢ እዩ ዘሎ። እቲ ፕረሲደንት ኣብ 2012 ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ኣትሒዙ ን እስላማዊያን ዕጡቓት ንምቁጽጻር ኣብዝገብሮ ዝጸንሐ ኣሻሓት ህዝቢ ተቐቲሉ እዩ።
ሚስተር ከይታ ነቲ ዝቐጸለ ግጭት ክቆጻጸሮ ብዘይምኽኣሉ ኣብህዝቢ ተቐባልነት ክረክብ ኣይከኣለን ክብሉ ተንተንቲ ይገልጹ።
ኣብ ወርሒ ሚያዚያ ዝተገብረ ምርጫ ግዚኡ ኣሕሊፉ ዝተገብረን እቲ ውጽ ኢት ውን ተቐባልነት ብዘይምርካቡን ሓደ ካብቲ ኣንጻር ሚስተር ከይታ ዝጸንሐ ዘይምቅዳው ምስ ህዝቢ እዩ።
ኣብ 27 ሓምለ ECOWAS ብ ከይታ ዝምራሕ ናይ ሕብረት መንግስቲ ክቐውም እማመ ኣቕሪቡ እንተነበረኳ፡ በቲ ናይ 5 ሰነ ምንቅስቓስ ተቐባልነት ኣይረኸበን።
እቲ ናይ ተቓዉሞ ሕብረት ብሶኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሚስተር ከይታ ካብ ስልጣኑ ንምውራድ ዝግበር ቃልሲ ክቕጽል እዩ ኢሉ ኔሩ።
ኣብ ባማኮ ክሳብ ዓርቢ ዝጸንሕ ናይ ተቓዉሞ ሰልፊ ክግበርውን ጸዊዑ ኔሩ።