ሓሙሽተ ኣናብስ ካብ መካነ እንስሳ (ዙ) ታሮንጋ ድሕሪ ምምላጦም ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ናብ ቦታኦም ተመሊሶም።

ካብ ናይ ሲድኒ ታሮንጋ ዙ (መካነ እንስሳ) ሓሙሽተ ኣናብስ ምስ ኣምለጡ ናብ ዕጽዋ ክኣቱ ተገዲዱ: እንተዀነ ግን እቲ መካነ-እንስሳ ሕጂ ብደሓን ናብቲ እተሓጽሩሉ ቦታ ከምተመልሱ ገሊጹ።

LION CUBS WESTERN PLAINS ZOO

ታሮንጋ ብረቡዕ ነቲ ፍጻመ ዘረጋግጽ መግለጺ ኣውጺኡ ፡ ኩሎም እቶም ኣናብስ ናብ ደምበኦም ተመሊሶም ኣለዉ ድማ ኢሉ። Source: AAP / RICK STEVENS

ኣብ ሲድኒ ካብ ዝርከብ መካነ እንስሳ ታሮንጋ ፡ ሓሙሽተ ኣናብስ ፡ድሕሪ ኣምሊጦም ምውጻኦም፡ ሰራሕተኛታት መዕቈቢ ክገብሩን ነቲ መካበብያ ናብ ምዕጻው ኬእትውዎን ኣገዲድዎም ።

ታሮንጋ ብረቡዕ ነቲ ፍጻመ ዘረጋግጽ መግለጺ ኣውጺኡ ፡ ኩሎም እቶም ኣናብስ ናብ ደምበኦም ተመሊሶም ክብል ድማ ኣፍሊጡ ።

"ሎሚ ንግሆ ኣብ ታሮንጋ ዙ ሲድኒ ሓሙሽተ ኣናብስ ካብ ደምበኦም ወጻኢ ምስ ተረኽቡ ፡ ሃንደበታዊ ኵነታት ኣጋጠመ" ።

ካብ ኣየር ዝተሳእለ ምስሊ ፡ ኣብ እዋን ህጹጽ ረድኤት ፡ እቶም ሓለውቲ ነቲ ኩነታት ይከታተልዎ ነበሩ ።

"እቲ መካነ እንስሳ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ፍጻመ ኣብ ቦትኡ ጽኑዕ ናይ ድሕነት ፕሮቶኮላት ኣለዎ ።

"ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ሰባት ብምሉኦም ናብ ውሑስ ቦታታት ግዒዞም እዮም: ንኣጋይሽን ንሰራሕተኛታትን እውን ጕድኣት ኣየጋጠሞምን።

"ሕጂ ኵሎም እንስሳታት ብቐረባ ክትትል እናተገብረሎም ንምርኢት ድልዋት እዮም ዘለዉ ።"

እቲ ኣብ ሰሜናዊ ገማግም እታ ከተማ ዝርከብ መካነ-እንስሳ ፡ ሎሚ ረቡዕ ከም ንቡር ክኽፈት እዩ ።

ሞስማን ኮሊኒቭ እትበሃል ኣብታ ግዝኣት እትሕተም ናጻ ጋዜጣ: ረቡዕ ሰዓት 7.30 "ኮድ ዋን" ከም ዝወጸ ሓቢራ ።

ኣብቲ ናይታ ጋዜጣ ፈይስቡክ ገጽ "ስታፍ ናብ ውሑስ ቦታ ክኸዱ ተነጊርዎ ነይሩ" ይብል ።


Share

1 min read

Published

Source: AAP, SBS




Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now