ሓሙሽተ ኣናብስ ካብ መካነ እንስሳ (ዙ) ታሮንጋ ድሕሪ ምምላጦም ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ናብ ቦታኦም ተመሊሶም።

ካብ ናይ ሲድኒ ታሮንጋ ዙ (መካነ እንስሳ) ሓሙሽተ ኣናብስ ምስ ኣምለጡ ናብ ዕጽዋ ክኣቱ ተገዲዱ: እንተዀነ ግን እቲ መካነ-እንስሳ ሕጂ ብደሓን ናብቲ እተሓጽሩሉ ቦታ ከምተመልሱ ገሊጹ።

LION CUBS WESTERN PLAINS ZOO

ታሮንጋ ብረቡዕ ነቲ ፍጻመ ዘረጋግጽ መግለጺ ኣውጺኡ ፡ ኩሎም እቶም ኣናብስ ናብ ደምበኦም ተመሊሶም ኣለዉ ድማ ኢሉ። Source: AAP / RICK STEVENS

ኣብ ሲድኒ ካብ ዝርከብ መካነ እንስሳ ታሮንጋ ፡ ሓሙሽተ ኣናብስ ፡ድሕሪ ኣምሊጦም ምውጻኦም፡ ሰራሕተኛታት መዕቈቢ ክገብሩን ነቲ መካበብያ ናብ ምዕጻው ኬእትውዎን ኣገዲድዎም ።
ታሮንጋ ብረቡዕ ነቲ ፍጻመ ዘረጋግጽ መግለጺ ኣውጺኡ ፡ ኩሎም እቶም ኣናብስ ናብ ደምበኦም ተመሊሶም ክብል ድማ ኣፍሊጡ ።

"ሎሚ ንግሆ ኣብ ታሮንጋ ዙ ሲድኒ ሓሙሽተ ኣናብስ ካብ ደምበኦም ወጻኢ ምስ ተረኽቡ ፡ ሃንደበታዊ ኵነታት ኣጋጠመ" ።
ካብ ኣየር ዝተሳእለ ምስሊ ፡ ኣብ እዋን ህጹጽ ረድኤት ፡ እቶም ሓለውቲ ነቲ ኩነታት ይከታተልዎ ነበሩ ።
"እቲ መካነ እንስሳ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ፍጻመ ኣብ ቦትኡ ጽኑዕ ናይ ድሕነት ፕሮቶኮላት ኣለዎ ።
"ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ሰባት ብምሉኦም ናብ ውሑስ ቦታታት ግዒዞም እዮም: ንኣጋይሽን ንሰራሕተኛታትን እውን ጕድኣት ኣየጋጠሞምን።

"ሕጂ ኵሎም እንስሳታት ብቐረባ ክትትል እናተገብረሎም ንምርኢት ድልዋት እዮም ዘለዉ ።"
እቲ ኣብ ሰሜናዊ ገማግም እታ ከተማ ዝርከብ መካነ-እንስሳ ፡ ሎሚ ረቡዕ ከም ንቡር ክኽፈት እዩ ።
ሞስማን ኮሊኒቭ እትበሃል ኣብታ ግዝኣት እትሕተም ናጻ ጋዜጣ: ረቡዕ ሰዓት 7.30 "ኮድ ዋን" ከም ዝወጸ ሓቢራ ።

ኣብቲ ናይታ ጋዜጣ ፈይስቡክ ገጽ "ስታፍ ናብ ውሑስ ቦታ ክኸዱ ተነጊርዎ ነይሩ" ይብል ።

Share

Published

Source: AAP, SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service