ጓሉ ንማርቲን ሉተር ኪንግ ኣብ ስነስርዓት ቀብሪ ረይሻርድ ብሩክስ ሓያል መልእኽቲ ኣሕሊፋ።

ጓሉ ንፍሉጥ ኣፍሪቃዊ ኣመሪካዊ ተቓላሳይ ናጽነት በርኒስ ማርቲን ሉተር ኪንግ ኣብ ስነስርዓት ቀብሪ ናይቲ ብፖሊስ ኣትላንታ ዝተቐትለ ረይሻርድ ብሩክስ ብዘስመዓቶ ሓያል መደረ እኩብ ህዝቢ ሓፍ ኢሉ ብነጎድጓድ ጣቕዒት ተቐቢልዎ።

Bernice King makes a fist saying 'no justice no peace' while speaking at Rayshard Brooks funeral.

Bernice King makes a fist saying 'no justice no peace' while speaking at Rayshard Brooks funeral. Source: AAP

ጓሉ ነቲ ፍሉጥ ተቓላሳይ ንፍትሒ ኣብ ኣመሪካ ማርቲን ሉተር ኪንግ ኣፍሪቃዊያን ኣመሪካዊን ማዕርነት ፍትሒ ንኽረኽቡ ዝያዳ ጸቕጢ ክግበር ጸዊዓ። ነዚ ዝበለት ኣብ ስነስርዓት ቀብሪ ናይቲ ብዘይፍትሓዊ መገዲ ብፖሊስ ኣትላንታ ዝተቐትለ ረይሻርድ ብሩክ ተረኺባ እያ።

"ሞት ረይሻርድ ብሩክስ ንኸንቱ ኣይክከውንን እዩ።" በኒስ አ ኪንግ ክትብል ኣብቲ ቀብሪ ናይቲ ኣብ 12 ሰነ ካብ ሓደ ቤት መግቢ ተታሒዙ ብፖሊስ ተተኲስሉ ዝተቐትለ ሚስተር ብሩክስ ተዛሪባ።

"ናይ ፍትሒ ኣውያትናን ንሓርነት ንገብሮ ቃልሲን ደው ከነብሎ ኣይንኽእልን ኢና።" ብምባል ኣብቲ ኣቦኣ ፓስቶር ኮይኑ ዘገልግለሉ ዝነበረ ኤበንዐዘር ቤተክርስቲያን ባፕቲስት ንቐብሪ ዝተኣከቡ ስድራን ፈተውቲን ተዛሪባ።

"ድምጽና ክሳብ ዝስማዕን ፖሊስ ከምብሓድሽ ስርርዕ ክግበረሉ ዝብል ጠለብና ክሳብ ዝማላእ ናይ ተቓዉሞ ሰልፊና ደው ኣይብልን እዩ።"
20200624001475913440-original.jpg
ኤበን ዐዘረ ባፕቲስት እቲ ንሓርነት ጸለምቲ ዝቃለስ ዝነበረሞ ኣብ 1968 ዝተቐትለ ማርቲን ሉተር ኪንግ ጁኔር ዝሰብከሉ ዝነበረን፡ ሬሳኡ ዝተቐብረሉ ቤተ ክርስትያን እዩ።

ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣፍሪቃዊያን ኣመሪካዊያን ብፖሊስ ዝቕተልሉ ዘሎ ተግባር፡ ወዲ 27 ዓመት ሚስተር  ብሩክ ብ ፖሊስ ኦፊሰር ጋረት ሮልፍን ደቪን ብሮስናን ኣብ ሓደ መእተዊ ናይ ቤትመግቢ ኣብ መኪናኡ ደቂሱ ምስረኸብዎ፡ ን 20 ደቓይቕ ድሕሪ ዝተገብረ ህዱእ  ዝርርብ፡  ኣልኮል ወሲዱ ከይከውን ምስመርመርዎ መስተ ሰትዩ እናሃለወ ዘዊሩ ብምባል ክኣስርዎ ፈቲኖም።
ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ቅልስ መደንዘዚ ተወጊኡ ሚስተር ብሩክ ክሃድም ምስፈተነ ኣብ ሕቖኡ ክልተ ግዜ ብዝተተኮሰሉ ጠያይት ህይወቱ ሓሊፉ።

ሚስተር ሮልፍ ካብ ስርሑ ተባሪሩ ብቅትለት ድማ ተኸሲሱ ኣሎ።

ናይ ኣትላንታ ኣኽባሪ ሕጊ ፖል ሃዋርድ ከምዝብሎ፡ ሚስተር ሮልፍ ሚስተር ብሩክስ ክሃድም ፈቲኑ ኢልካ ምቕታል ዋላሓንቲ ምኽንያት መቕተሊ ክኸውን ኣይክእልንዩ ብተወሳኺ ሞይቱከሎ ንሬሳኡ ምቕላዕ ነቲ ገበን ኣጋዲድዎ እዩ ክብል ገሊጹ።

ሚስተር ብሩክስ ዝተቐትለ ድሕሪቲ ኣብ ሚኒያፖሊስ ን ኣፍሪቃዊ ኣመሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ብ 25 ግንቦት ብዘሰክሕ ኣገባብ ምቕታሉ ኣብ መላእ ኣመሪካ ተቓዉሞ ድሕሪ ምብራዑ እዩ።
Tomika Miller, the widow of Rayshard Brooks, and their three daughters.
Tomika Miller, the widow of Rayshard Brooks, and their three daughters. Source: AAP
ኣብቲ ስነስርዓት ቀብሪ ሚስ ኪንግ፡ ኣብ መላእ ኣመሪካ ስርዓታዊ ኣድልዎ ከብቅዕ "ሰውራ ክብሪ" ክለዓል ጸዊዓ።

"ፍትሒ ኣብዘይብሉ ኣብ ኣትላንታ ይኹን ኣብዝኾነ ከባቢ ናይ ሃገርና ሰላም ክህሉ ኣይክእልን እዩ።" ኢላ።

"ፍትሒ የለን፡ ሰላም ድማ የለን ማለትዩ" ብምባል ነቲ ኣብ መላእ ኣመሪካ ዘቃልሕ ዘሎ ጻዊዒት ደጊማ ደጋጊማ ኢላቶ።


Share

Published

Source: AFP, SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service