ጓሉ ነቲ ፍሉጥ ተቓላሳይ ንፍትሒ ኣብ ኣመሪካ ማርቲን ሉተር ኪንግ ኣፍሪቃዊያን ኣመሪካዊን ማዕርነት ፍትሒ ንኽረኽቡ ዝያዳ ጸቕጢ ክግበር ጸዊዓ። ነዚ ዝበለት ኣብ ስነስርዓት ቀብሪ ናይቲ ብዘይፍትሓዊ መገዲ ብፖሊስ ኣትላንታ ዝተቐትለ ረይሻርድ ብሩክ ተረኺባ እያ።
"ሞት ረይሻርድ ብሩክስ ንኸንቱ ኣይክከውንን እዩ።" በኒስ አ ኪንግ ክትብል ኣብቲ ቀብሪ ናይቲ ኣብ 12 ሰነ ካብ ሓደ ቤት መግቢ ተታሒዙ ብፖሊስ ተተኲስሉ ዝተቐትለ ሚስተር ብሩክስ ተዛሪባ።
"ናይ ፍትሒ ኣውያትናን ንሓርነት ንገብሮ ቃልሲን ደው ከነብሎ ኣይንኽእልን ኢና።" ብምባል ኣብቲ ኣቦኣ ፓስቶር ኮይኑ ዘገልግለሉ ዝነበረ ኤበንዐዘር ቤተክርስቲያን ባፕቲስት ንቐብሪ ዝተኣከቡ ስድራን ፈተውቲን ተዛሪባ።
"ድምጽና ክሳብ ዝስማዕን ፖሊስ ከምብሓድሽ ስርርዕ ክግበረሉ ዝብል ጠለብና ክሳብ ዝማላእ ናይ ተቓዉሞ ሰልፊና ደው ኣይብልን እዩ።"
ኤበን ዐዘረ ባፕቲስት እቲ ንሓርነት ጸለምቲ ዝቃለስ ዝነበረሞ ኣብ 1968 ዝተቐትለ ማርቲን ሉተር ኪንግ ጁኔር ዝሰብከሉ ዝነበረን፡ ሬሳኡ ዝተቐብረሉ ቤተ ክርስትያን እዩ።

ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣፍሪቃዊያን ኣመሪካዊያን ብፖሊስ ዝቕተልሉ ዘሎ ተግባር፡ ወዲ 27 ዓመት ሚስተር ብሩክ ብ ፖሊስ ኦፊሰር ጋረት ሮልፍን ደቪን ብሮስናን ኣብ ሓደ መእተዊ ናይ ቤትመግቢ ኣብ መኪናኡ ደቂሱ ምስረኸብዎ፡ ን 20 ደቓይቕ ድሕሪ ዝተገብረ ህዱእ ዝርርብ፡ ኣልኮል ወሲዱ ከይከውን ምስመርመርዎ መስተ ሰትዩ እናሃለወ ዘዊሩ ብምባል ክኣስርዎ ፈቲኖም።
ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ቅልስ መደንዘዚ ተወጊኡ ሚስተር ብሩክ ክሃድም ምስፈተነ ኣብ ሕቖኡ ክልተ ግዜ ብዝተተኮሰሉ ጠያይት ህይወቱ ሓሊፉ።
ሚስተር ሮልፍ ካብ ስርሑ ተባሪሩ ብቅትለት ድማ ተኸሲሱ ኣሎ።
ናይ ኣትላንታ ኣኽባሪ ሕጊ ፖል ሃዋርድ ከምዝብሎ፡ ሚስተር ሮልፍ ሚስተር ብሩክስ ክሃድም ፈቲኑ ኢልካ ምቕታል ዋላሓንቲ ምኽንያት መቕተሊ ክኸውን ኣይክእልንዩ ብተወሳኺ ሞይቱከሎ ንሬሳኡ ምቕላዕ ነቲ ገበን ኣጋዲድዎ እዩ ክብል ገሊጹ።
ሚስተር ብሩክስ ዝተቐትለ ድሕሪቲ ኣብ ሚኒያፖሊስ ን ኣፍሪቃዊ ኣመሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ብ 25 ግንቦት ብዘሰክሕ ኣገባብ ምቕታሉ ኣብ መላእ ኣመሪካ ተቓዉሞ ድሕሪ ምብራዑ እዩ።
ኣብቲ ስነስርዓት ቀብሪ ሚስ ኪንግ፡ ኣብ መላእ ኣመሪካ ስርዓታዊ ኣድልዎ ከብቅዕ "ሰውራ ክብሪ" ክለዓል ጸዊዓ።

Tomika Miller, the widow of Rayshard Brooks, and their three daughters. Source: AAP
"ፍትሒ ኣብዘይብሉ ኣብ ኣትላንታ ይኹን ኣብዝኾነ ከባቢ ናይ ሃገርና ሰላም ክህሉ ኣይክእልን እዩ።" ኢላ።
"ፍትሒ የለን፡ ሰላም ድማ የለን ማለትዩ" ብምባል ነቲ ኣብ መላእ ኣመሪካ ዘቃልሕ ዘሎ ጻዊዒት ደጊማ ደጋጊማ ኢላቶ።