SKIP TO MAIN CONTENT

ንምክልኻል ኮቪድ-19 ናብ ኤርትራ ዝተላእከ ቀረብ ናብታ ሃገር ከይኣቱ ፍቓድ ተኸሊኡ ተባሂሉ።

እታ ነቲ ቀረብ መከላኸሊን መመርመሪን ኮሮና ቫይረስ ተሰኪማ ካብ ካርቱም ናብ ኣስመራ ብ23 መጋቢት ዝተበገሰት ነፋሪት ሰብ መዚ ኤርትራ ፍቓድ ከምዝኸልእዋ ተገሊጹ።

1 min read

Published


Skip to article content

ብቻይናዊ ቢሊዮኔር ጃክ ማን ኩባኒያኡ ዝኾነ ጉጅለ ኣሊባባ ንምክልኻል ኮቪድ-19 ዝተለገሰ ነገራት ናብ ኤርትራ ኣይበጽሐን ተባሂሉ።

እቲ ንምሉእ ኣፍሪቃ ተባሂሉ ዝተላእከን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ናብ ኩሉ ተባጺሑ ኣሎ ኢሉ እንተገለጸኳ እቲ ንምክልኻል ኮሮና ቫይረስ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ናብ ኤርትራ ከምዘይበጽሐን፡ ተጣበቕቲ ግና መንግስቲ ኤርትራ ንህዝቢ ዘድሊ ነገር ብምንጻጉ እዩ ይብሉ ከምዘለዉ ድምጺ ኣመሪካ ጸብጺቡ።

እቲ ናይ መከላኸሊ ኣፍንጫን ኣፍን መመርመሪ መሳርሒን ናብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ እንተተላእከኳ እቲ ቀረብ ናብ ኤርትራ ከምዘይበጽሐ ሰብ መዚ ናይቲ ነዚ ዘተሓባብር ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማም ኣፍሪቃ ከምዘረጋገጽሉ VOA ኣረጋጊጹ።

እታ ነቲ ቀረብ መከላኸሊን መመርመሪን ኮሮና ቫይረስ ተሰኪማ ካብ ካርቱም ናብ ኣስመራ ብ23 መጋቢት ዝተበገሰት ነፋሪት ሰብ መዚ ኤርትራ ፍቓድ ከምዝኸልእዋ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሰብ መዚ ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማም ኣፍሪቃ  ንድምጺ ኣመሪካ ከምዘረጋገጸሉ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።

እቲ ኣብራሪ እታ ነፋሪት ኣብ ኣስመራ ክዓልብ ፍቓድ ምስተኸል አ ናብ ጂቡቲን ናብ ኬንያን ብምስጋር ናብ መበገሲኡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምተመልሰ ይገልጽ እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ኣብሪሁ።

ወሃብ ቃል ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማም ኣፍሪቃ ጄምስ ኣዮደል “እዚ ጉዳይ ብደረጃ ዲፕሎማት ይዝተየሉ ኣሎ።” ኢሉ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now