ኣስላም ተጻወቲ ንኸፍጥሩ ዕድል ክረኽቡ፡ ጸወታት ኩዕሶ እግሪ እንግሊዝ ኣብ ግዜ ረመዳን ኣብ መንጎ ደው ክብሉ እዮም።

ከም ሸቶ ምስተመዝገበ ዝህሉ ደውታ ዝኣመሰሉ ጽወታታት ብባህርያዊ ዕረፍቲ ፡ ሙስሊም ተጻወትቲ ጾም ንኸፍጥሩ ዕድል ክረኽብሉ ትጽቢት ይግበር።

A man drinking from a bottle while holding a banana.

ኣብ 2021 ኣብ መንጎ ሌስተር ሲቲን ክሪስታል ፓላስን ዝተኻየደ ግጥም ፡ ዳኛ ግራሃም ስኮት ድሕሪ ፍርቂ ሰዓት ጸወታ ደው ኣቢሉ ፡ ወስሊ ፎፋናን (ጸጋም) ቸኩ ኩየትን (ኣብዚ ስእሊ ዘየለ) ጸሓይ ምስ ዓረበት ቀልጢፎም ከፍጥሩ ኣኽኢልዎም ነበረ ። Source: Getty / Plumb Images/Leicester City FC

Match pauses will allow footballers and match officials observing Ramadan to take on liquids, or energy gels.
  • ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከቡ ሙስሊም ተጻወቲ ኩዑሶ እግሪ ፡ ኣብ እዋን ጸወታታት ጾሞም ንኽስዕሩ ዕድል ክወሃቦም እዩ ።
  • ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዝዀኑ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣመንቲ ምስልምና ፡ ንሓደ ወርሒ ኣብ ሰዓታት ቀትሪ ኺጾሙ ፡ ጸሓይ ምስ ዓረበት ድማ ጾሞም ኪሰብሩ እዮም ።
ኣብ ክልተ ዓበይቲ ሊጋት ብሪጣንያ ዝወዳደሩ ሙስሊም ተጻወቲ ኲዕሶ እግሪ ፡ ኣብ ረመዳን ጾሞም ንኸፍጥሩ ዕድል ከም ዝወሃቦም ተሓቢሩ ኣሎ ።
ታሽዐይቲ ወርሒ ዓውደ ኣዋርሕ ሉናር ዝዀነት ረመዳን ፡ ረቡዕ እትጅምር ኰይና ፡ ዓርቢ 21 ሚያዝያ ምሸት ክትዛዘም እያ ።
ኣብ መላእ ዓለም ንዚርከቡ ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ፡ እንተላይ ላዕለዎት ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ዝርከብዎም ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዝዀኑ ሰባት ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ጸሎትን ግብረ ሰናይን ከካይዱ ይተባብዑ እዮም ።
ናይ ዳንነት ኣካላት ንሰበ-ስልጣን ፕሪመር ሊግን እንግሊዝ ፉትቦል ሊግን ከም ዝሓበርዎም ፡ ኣብ እዋን ጸወታ ባህርያዊ ዕረፍቲ ምስ ዝህሉ ፡ ከም ድሕሪ ሸቶ ምምዝጋብ ወይ ቅላዓት ፡ እዞም ተጻወትቲ ኣብ እዋን ዕራርቦ ጾም ከፍጥሩ ከም ዝኽእሉ ፡ ስካይ ኒውስ ዓዲ እንግሊዝ ሓቢሩ ።
እዚ ፡ እቶም ንራመዳን ዝጾሙ ተጻወቲ ኵዑሶ እግሪ ኰነ ሰበ ስልጣን ፡ ፈሳስን ሓይሊ ዝህብን ወይ ካልእ ነገራትን ንኺወስዱ ከኽእሎም እዩ ።
ብዘይካዚ ፡ እቶም ደያኑ ቅድሚ ጸወታ ምጅማሩ እቶም ዚጾሙ ተጻወትቲ ከለልዩን ኣብ ጸወታ ንዕረፍቲ ዝኸውን ግዜ ኣብ እተመደበሎም ሰዓት ክሰማምዑን ኪኢሎም ኣለዉ ።

ናይ ሊቨርፑል ኣጥቃዓይ መሓመድ ሳላሕ ፡ ናይ ቸልሲ ኣከፋፋሊ ኒጎሎ ካንተ ከምኡ ድማ ኣብ ማንቸስተር ሲቲ ቨንገር ሪያድ ማህረዝን ካብ መንጎ እቶም ኣብ ሰዓታት ቀትሪ ካብ ምብላዕን ምስታይን ክቝጠቡ ትጽቢት ዝግበረሎም ተጻወትቲ እዮም ።

ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ፡ ሓንቲ ጋንታ ኣቐዲማ ሕቶ እንተ ኣቕሪባ ፡ ኣብ እዋን ጸወታ ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ ደው ከተብል ፈቒዱ እዩ ።
ኣብ 2021 ኣብ መንጎ ሌስተር ሲቲ ክሪስታል ፓላስን እተኻየደ ግጥም ፡ ዳይና ግራሃም ስኮት ድሕሪ ፍርቂ ሰዓት ደው ኣቢሉ ፡ ናይ ሌስተር ተጻዋቲ ወስሊ ፎፋናን ናይ ክሪስታል ፓላስ ቸኩ ኩየትን ድሕሪ ዕራርቦ ጸሓይ ጾሞም ከፍጥሩ ክኢሎም እዮም ። እቲ ንፈለማ እዋን ኣብ ግጥማት ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ እተገብረ ሓጺር እረፍቲ ፡ ቅድሚ እቲ ግጥም ኢፍጣር ክግበር ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ነይሩ እዩ ።


- With Reuters.

Share

Published

Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ኣስላም ተጻወቲ ንኸፍጥሩ ዕድል ክረኽቡ፡ ጸወታት ኩዕሶ እግሪ እንግሊዝ ኣብ ግዜ ረመዳን ኣብ መንጎ ደው ክብሉ እዮም። | SBS Tigrinya