SKIP TO MAIN CONTENT

ፍጻመ ግጥም ንሳልሳይ ደረጃ- መነን ትዕወት ትኸውን፧ ትዕዝብቲ ቅድመ ግጥም

ግጥማት ዋንጫ ዓለም ኣብ SBS Sportን SBS On Demandን ብኸመይ ክትርእዩ፣ ክትሰምዑ ወይ ክትከታተሉ ትኽእሉ፥ ክሮኤሽያ ኣንጻር ሞሮኮ።

Morocco v Portugal: Quarter Final - FIFA World Cup Qatar 2022
Sofyan Amrabat of Morocco competes for the ball during their superb FIFA World Cup quarter-final match against Portugal. Credit: Zhizhao Wu/Getty Images

3 min read

Published

Updated

By SBS Sport

Presented by SBS Tigrinya

Source: SBS


Skip to article content

ኩሎም 64 ግጥማት ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2022 ብቐጥታን ብነጻን ኣብ ዝኾነ ግዜ ትፈትውዎ መሳርሒ ተጠቒምኩም ክትርእይዎ ናትኩም መዝገብ SBS On Demand account ክፈቱ።

ግጥም ቁጽሪ 63

ክሮኤሽያ v ሞሮኮ

ክሮኤሽያ ኣብ መወዳእትኡ ኣብ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ኣንጻር'ታ ተሃንዲዳ ዝመጸቶም ኣርጀንቲና ክደኽሙ ተራእዮም - ሊዮነል መሲ ኣብ ዙርያ'ቲ ሓደ ካብ'ቶም ዝሓየሉ ተኸላኸልቲ ዋንጫ ዓለም ዝኾነ ዮሽኮ ጋቫርዲዮል ክሓልፍን ከኹድድን ክኢሉ።

ቅድሚኡ ኣብ ዝነበርኦም ግጥማት ክሳብ ተወሳኺ ሰዓታት ድሕሪ ምጽዋቶም ክሮኤሽያ ኣብ መወዳእትኡ እንተደኸሙ ዝተሓዘሎም ኣይኮነን፣ እንተኾነ ግን እቲ ስዕረቶም ብኣርጀንቲና፣ ካብ ድኻሞም ንላዕሊ፣ ውጽኢት ናይ'ቲ ኣሰልጣኒ ኣርጀንቲና ሊዮነል ስካሎኒ ነቲ ንሉካ ሞድሪች፣ ማቴዮ ኮቫቺችን ማርሴሎ ብሮዞቪችን ዝሓዘ መሳጢ መስመር ምክፍፋል ክሮኤሽያ ንምምካት ኣልማዛዊ (ዳያሞንድ) ስልቲ ኣሰላልፋ እዩ።

ኣንጻር ሞሮኮ፣ ግጥም መታን ክቆጻጸርዎ ብምኽኣል፣ ኣብ ልዕሊ መስመር ምክልኻሎም ዝህሉ ጸቕጢ ክጎድልን ክልቲኦም ብየማነ ጸጋም ዘለዉ ተኸላኸልቶም ንቕድሚት ክምርሹን ስግኣት መጥቃዕቲ ክኾኑ ንምግባርን ክሮኤሽያ መስመር ምክፍፋላ ነጻ ኮይኑ ክጻወት ክትፈቕደሉ ኣለዋ፣

ኢቫን ፐሪሲች ኣንጻር ኣርጀንቲና ብዙሕ ጸወታ ኣየርኣየን፣ ኣስጋእነት መጥቃዕቲ ክሮኤሽያ ኸኣ ነዚ ዘንጸባርቕ ኔሩ - ንሞሮካዊ ኣሽራፍ ሓኪሚ ሓሊፉ ንመስመር ምክልኻሎም ጸገማት ክፈጥር እንተኾይኑ ክበራበርን ጽቡቕ ክጻወትን ክህልዎ'ዩ።

ሞሮኮ ኣንጻር ፈረንሳ ሰንከልከል ኢሎም'ዮም ክበሃል ይከኣል፣ ሓንቲ ሽቶ ጥራይ ኣብ ምሉእ ውራይ ተመዝጊባቶም ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ውሽጢ ናይ ፈለማ ሓሙሽተ ደቓይቕ ሓደ ብባዶ ተመሪሖም። ዓቢይ ጻዕሪ እንተገበሩን ብዙሓት ዕድላት እንተፈጠሩን'ኳ ነዚ ክሰግርዎ ኣዝዩ ከቢድ ኮይኑ፣ እቲ ናይ መወዳእታ ውጽኢት ወይ ሽቶ ናይ ምምዝጋብ ዓቕሚ ስለዘይነበሮም።

ሮመይን ሳኢስ ኣቐዲሙ ዘጋጠሞ መጉዳእቲ ስለዘሸገሮ ግጥም ምስ ተጀመረ ብዙሕ ከይጸንሐ ክቕየር ተገዲዱ፣ ኣንጻር ክሮኤሽያ ኸኣ ክስለፍ ዘለዎ ተኽእሎ ውሑድ'ዩ - ንዕኡ ዝተክኦ ሰሊም ኣማላህ ብቑዕ ተተካኢ ምዃኑ ኣመስኪሩ'ዩ፣ ንክሮኤሽያውያን ኣንድረይ ክራማሪችን ብሩኖ ፔትኮቪችን ንምምካት ግን ኩሉ ዘድልዮ ብቕዓት ክጥቀም ከድልዮ'ዩ።

ኣሽራፍ ሓኪሚ፣ ሓኪም ዚየችን ዓዘዲን ኦናሒን ኣብ ጸጋማይ ወገን ፈረንሳ መሳጢ ብዝኾነ ክእለት ተዋሃሂዶም ናብ ሳንዱቕ መስመር ምክልኻሎም ሓሊፎምን ዕድላት ዝፈጥራ ኩዕሶታት ብምቕላዕ ኣሻምዮምን'ዮም። እዚ ታክቲክ'ዚ ክሮኤሽያዊ ተኸላኻላይ ቦርና ሶሳ ቁሩብ ተኣፋፊ'ዮ ኢሎም እንተሓሲቦም ደጊሞም ክጥቀምሉ ክደናደኑ'ዮም።

ኣብ መወዳእትኡ ሞሮኮ ተወሳኺ ሰዓታትን ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕትታትን ከወግዱ እንተኾይኖም ሽቶ ምምዝጋብ ከድልዮም'ዩ - ሓኪም ዚየች ሽቶ ኣብ ምምዝጋብ ጋሻ ኣይኮነን፣ ግን ዮሱፍ ኢን-ነይሲሪ'ዩ እቲ ቀንዲ ብኹሉ ክትኩስ ወይ ሽቶ ከመዝግብ ዘለዎ ቀንዲ ተጻዋታይ።

ክልቲኦም ኣብ ምድባዊ ግጥማት ክራኸቡ እንከለዉ እቲ ግጥም ብዘይሽቶ ማዕረ'ዩ ተዛዚሙ፣ እዚ ዘመላኽት ከኣ እታ ኣብ መጥቃዕቲ ዝሰመረት እምበር ኣብ ምክልኻል ዝደልደለት ጋንታ ኣይኮነትን ነዚ ግጥም ክትዕወቶ።

ነብሲ ወከፍ ግጥም ዋንጫ ዓለም 2022 ብቐጥታን ብነጻን ኣብ SBSን SBS On Demandን ተዓዘቡ። ካብ ኩሉ ዓይነታት ሸፈነታት SBS Sports እዋናዊ ሓበሬታ ብዛዕባ ግጥማትን ዜናታትን እንተደሊኹም SBS Sport ኢልኩም ኣብ FacebookTwitterInstagramን YouTubeን ተኸተሉና።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now