Create your SBS On Demand account to stream all 64 matches of the FIFA World Cup 2022ᵀᴹ live and free any time on your favourite device.
ዓወት ኮስታሪካ ብዝረኸበታ እንኮ ዕድል ዝወቕዐት ሸቶ
ብዙሕ ድሙቕ ህሞት ዘይተራእዮ ፍርቂ ጸወታ ስዒቡ ሕድሕድ ግጥም ፡ ጕጅለ E ኣብ ሰንፈላል ክቕጽል እዩ ጌሩ፡ እንተኾነ
ኮስታሪካ ኣብ ምሉእ 90 ደቒቕ ጸወታ ዝረኸበታ ሸቶ እቲ ጸወታ ብጋንታ ኮስታሪካ ክዛዘም ተኻኢሉ ።
እታ ናይ ማእከላይ ኣመሪካ ጋንታ ፡ ስጳኛ ኣብ ናይ መኽፈቲ ግጥም ብገፊሕ 7ብ0 ምስ ተሳዕረት ፡ በዚ ናይ ትማሊ ዓወት ናብ ናይ ዓወት መገዲ ተመልሰት፣ ጃፓን ኣብቲ ግጥም ዝያዳ ዓብላሊ ጸወታን 13 ሳዕ ፈተነ ጎል እንተረኸበትን እኳ፣ ኣብ ቀጠር ንመጀመርታ ግዜኣ ነጥቢ ኣጥፊኣ ወጸት።
ሞሮኮ ድሒራ ብዘመዝገበትን ድርብ ሸቶታት ንበልጂም ኣሰኪሓታ
ሞሮካውያን ኣብ 2022 ኣብ ዝኻየድ ዘሎ ውድድር ፡ ነታ ኣብ 2018 ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ ዝነበረት በልጁም 2ብ0 ሸቶታት ምስ ኣመዝገበትላ ፡ ነቲ ናይ መወዳእታ ግጥምታት ጉጅለ ኤፍ ሓደ ዓብዪ ምንጥልጣል ገዲፋ ።
ተኸላኻላይ ሮማን ሳይስ ነቲ ኣብ ቀረባ ርሕቀት ካብ ዘይከኣል ኩርናዕ ዝተረኽበት ኩዕሶ ንምክልኻል ቤልጁም ጥሒሳ ድሕሪ ምእታው፡ ዛካርያ ኣቡኸኣል ድማ ቅድሚ ፍጻመ ጸወታ ብርእሱ ካልኣይቲ ሸቶ ኣመዝጊቡ፡ ሞሮኮ ክልተ ብባዶ ስዒራ ወጺኣ ።
ኣብዚ ውድድር ዝፈጠነት ናይ ደቪስ ጎል፡ ካናዳ ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ዓለም ናይ ፈለማ ዝኣተወታ ሸቶ
ካናዳ ምስታ ኣብ 2018 ንመጻረዪ ዝተጋጠመታ ክሮኤሽያ ትማሊ ገጢማ፡ ብኮኾብ ኣጥቃዒኣ ኣልፎንሶ ደቪስ ብርእሱ ዝቐልዓ ኩዕሶ ንሓላው ልዳት ክሮኦሽያ ዶሚኒክ ሊቫኮቪች ሰጊራ ኣብ መረብ ክትኣቱ ኪኢላ።
ተኸላከልቲ ክሮኦሽያ ፡ በታ ብካናዳዊ ደቪስ ኣብ ዋንጫ ዓለም ካብ ዘመዝገባ ናይ መጀመርታ ሸቶ ምእማኑ ክሳብ ዘጸግሞም ክዕነዱ ገይርዎም እዩ።
ኣብ መወዳእታ ካናዳ ብክርኦሽያውያን ናይ 4-1 ስዕረት እኳ እንተ ኣጋጠማን ፡ ካብቲ ውድድር ድማ እተሰናበተትን፡ ደገፍቲ ካናዳ ን34 ደቓይቕ ብተስፋን ብሓጎስን ክጸንሑ ዕድል ረኺቦም እዮም ።
ፉልክሩስ ዘመዝገባ ሸቶ ጀርመን፡ እታ ጋንታ ኣብዚ ውድድራት ዕድመኣ ከተናውሕ ገይርዋ
ጀርመን ኣብዚ ናይ ኳታር 2022 ኣብቲ ናይ ጉጅለ መድረኽ ንግዜኡ ካብ ምግላፍ ኣምሊጣ ኣላ ፣ ኒክላስ ፉልኩሩግ ኣብ መበል 83 ደቒቕ ዘመዝገባ ምስቲ ኣልቫሮ ሞራታ ንስጳኛ ዘመዝገባ ጎል ማዕረ ብምግባር እቲ ጸወታ 1ብ1 ክዛዘም ኣኽኢልዎ ኣሎ።
እታ ኣብ 2014 ሻምፕዮን ናብ ናይ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ደረጃ ንምብጻሕ ምስ ኮስታሪካ ኣብዝግበር ግጥም እዩ ክምርኮስ። ብኣንጻሩ ስፐይን ኣብቲ ጉጅለ ቀዳመይቲ ኮይና ንምሕላፍ ኣንጻር ጃፓን ዝግበር ግጥም ይጽበያ ኣሎ።