ብሰንበት ኣብቲ ኣብ ኣትላንታ ብምዕሩግ ኣገባብን ደቂ ኣንስትዮ ዘሐይል መደረታት ተሰኒዩ ዝተጸምበለ ሚስ ደቡብ ኣፍሪቃ እያ ነቲ ሚስ ዩኒቨርስ ዝበሃል ኣኽሊል ጽባቐ ተሸሊማቶ።
ጓል 26 ዓመት ዞዚቢኒ ቱንዚ ንተን ኣብናይ መወዳእታ ዓወት በጺሐን ዝነበራ ጓል ፖርቶ ሪካዊትን መክሲካዊት መልክዕኛታት ጸብለል ኢላ ብምውጻእ እያ ተዓዋቲት ኣኽሊል ጽባቐ ኮይና።

ሚስ ቱንዚ ተዓዋቲት ኮይና ድሕሪ ምውጻኣ ኣብዘስምዓቶ ዘረባ ነኣሽቱ ኣዋልድ ርእሰ ተኣማንነተን ከዕብያ ከተሐይለን ከምትሰርሕ ገሊጻ።
"ነዓይ ምስዝዝመስላ ደቂ ኣንስዮ እየ ዓብየ። ከምናተይ ሕብሪ ቆርበትን ዓይነት ጸጉሪ ዘለወን ኮይነን መልክዐኛታት ምዃና ተሰሚዑና ኣይፈልጥን” ኢላ።
"ከምዝመስለን እቲ ግዜ ሎሚ ኣብቂዑ እዩ።" ምስበለት ነጎድጓዳዊ ጣቒዒት ተለጊሱላ።
ሚስ ቱንዚ ኣብቲ ንመበል 68 ኣብ ኣትላንታ Tyler Perry ስቱዲዮ ዝተዳለወ ሚስ ዩኒቨርስ ዝተዓወተት ካብ ብዙሓት ሃገራት ንዝተወዳደራ 90 ተወዳደርቲ እያ ስዒራ።

እቲ ኣኽሊል ዓወት ካብታ ሚስ ዩኒቨርስ 2018 ዝነበረት ፊሊፒናዊት ካትሪዮና ግረይ እዩ ንሚስ ቱንዚ ተረኪቡ።
እቲ ዉድድር ናይ ጽባቐ መልክዕ ኣብዝሓለፈ እዋን ኣዛራቢ ነገራት ተፈጺምሉ እዩ። ሓደ ካብኡ ናይ ኣመሪካ ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ትካል ካብ 1996-2015 ወኒንዎ ኣብዝነበረሉ እዋን ናብቲ እተን ዝወዳደረ መልኽ ዕኛታት ክዳነን ዝቕይራሉ ክፍሊታት እናኣተወ የሸግረን ከምዝነበረ ይግለጽ።
ብተወሳኺ ተወዳደርቲ ንሚስ ዩኒቨርስ ዝወዳደራ ኣብ ተለቪዥን ዘይመሓላለፍ እኳ እንተኾና ናይ መሐምበሲ ፕታንቲ ወድየን ምውድዳረን ብዙሕ ወቐሳ እዩ ዝወርዶ።

