SKIP TO MAIN CONTENT

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ባጀት ዓመት 260 ሚሊዮን ዶላር ከሲቡ፡፡

እቲ መገዲ ኣየር ኣብቲ ባጀት ዓመት 12.1 ሚሊዮን ተጓዓዝቲን 432,000 ቶን ጽዕነት ከምዘመላለሰን ቁጽሪ ተጓዓዝቱ ብ17 ሚእታዊ ከምዘዕበየ’ውን ተገሊጹ ኣሎ።

Africa News
Source: Ethiopian Airlines

2 min read

Published

Updated


Skip to article content

ኣብ ፈጣን ዕብየት ዝርከብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ባጀት ዓመት ኣርባዕተ ቢሊዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝረኸበን፣ 189 ሚሊዮን ዶላር ጽሩይ ኣታዊ ምርካቡን እቲ መገዲ ኣየር ከምዘፍለጠ ሪፖርተር ጸብጺቡ።

እቲ መገዲ ኣየር ኣብቲ ባጀት ዓመት 12.1 ሚሊዮን ተጓዓዝቲን 432,000 ቶን ጽዕነት ከምዘመላለሰን ቁጽሪ ተጓዓዝቱ ብ17 ሚእታዊ ከምዘዕበየ’ውን ተገሊጹ ኣሎ።

በዚ መሰረት ቁጽሪ ተጓዕዝቲ ብ 17 ሚእታዊ ብምዕባዩ፥ ቁጽሪ ተጓዓዝቱ  12.1 ሚሊዮን በጺሑ። በዚ ድማ እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ታሪኹ ዝሓለፈ ናይ ባጀት ዓመት እቲ ዝበዝሐ ቑጽሪ  ተጓዓዝቲ ከምዝነበርዎ ተፈሊጡ።

ኣካያዲ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ አቶ ተወልደ ገብረማርያም ንሪፖርተር ከምዝገለጾ ፣ ኣብቲ ዓመት ብዘጋጠመ ሓደጋ ምውዳቕ አውሮፕላን  ቦይንግ 737 ማክስ እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ታሪኹ ዘሕዝን ተመኩሮ ምሕላፉ ገሊጹ፡፡ “ንፈትዎም መሳርሕትናን ነኽብሮም ዓማዊልናን በቲ ሓደጋ ጠፊኦሙና እዮም” ክብል ሓዘኑ ገሊጹ።

እቲ መገዲ ኣየር 30 ማክስ አውሮፕላናት ካብ ኩባንያ ቦይንግ ንምግዛእ ዉዑል ኣትዩ እተን ሓሙሽተ ምስተረከበን እታ ሓንቲ ወዲቓ፡ እተን ዝተረፋ 4 ድማ ካብ ምብራር ብምእጋደን ብድምር ሓሙሽተ ኣውሮፕላን ካብ ስራሕ ወጻኢ ኮይነን ሕጽረት ነፈርቲ ኣጋጢሙ ምንባሩ እቲ ኣካያዲ ስራሕ ገሊጹ።

እቲ ካልእ ጸገም እቲ መገዲ ኣየር ዝገጠሞ ጸገም፡ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ሕጽረት ናይ ወጻኢ ሸርፊ ስለዝገጠመን እቲ ዝተሸጠ ትኬት ናብ ዶላር ቀይርካ ናብ ኢትዮጵያ ንምምላስ ከምተጸገሙ ኣቶ ተወልደ ገሊጹ።

ካብቲ ክረኽብዎ ዝነበሮም መኽሰብ ብሰንኪ ሕጽረት ናይ ወጻኢ ሸርፊ ንኣታዊ እቲ መገዲ ኣየር ብኣሉታ ካብዝጸለዋ ሃገራት ከምዘለዋን፡  ኣብ ዚምባቡዌ፣ ኣብ አንጎላ፣ ኣብ ሱዳንን ኤርትራን ገንዘብ ተታሒዝዎም ከምዘሎ ኣቶ ተወልደ ገሊጹ።

ኣብ አንጎላ 40 ሚሊዮን ዶላር፣ ኣብ ሱዳን 30 ሚሊዮን ዶላር፣ ኣብ ዚምባቡዌ 15 ሚሊዮን ዶላር፣ ኣብ ኤርትራ 8 ሚሊዮን ዶላር ተታሒዝዎም ከምዘሎ ዝገለጸ ኣቶ ተወልደ፡፡ “ነዚ ኹሉ ጸገም ተጻዊርና መኽሰብ ብምርካብና ሕጉሳት ኢና።” ክብል ገሊጹ።

አቶ ተወልደ ዝርዝር መግለጺ ከይሃበ ኣብ 2043 እቲ መገዲ ኣየር 25 ቢሊዮን ዶላር ዓመታዊ ኣታዊ ክህልዎን  ልዕሊ 200  ነፈርቲ ክውንን መደብ ከምዘለዎም ኣፍሊጡ።

 


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now