SKIP TO MAIN CONTENT

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድሕሪ 41 ዓመታት ናብ መቓዲሾ በረራ ክጅምር አዩ።

ኣብዚ እዋን ካብ መቓዲሾ ናብ ኣውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ዝጓዓዙ መገዲ ኣየር ቱርኪ ተጠቒሞም ወይ ናብ ናይሮቢ ተጓዒዞም እዮም መገዶም ክቕጽሉ ጸኒሖም።

Horn Africa
Source: Ethiopian Airlines

1 min read

Published


Skip to article content

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናይ ፈለማ በረራኡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዓደን ኣብዱላሕ መቓዲሾ ዝመጽእ ሰሙን ከምዝጅምር መርበብ ሓበሬታ ኦል ኣፍሪካ ሓቢሩ። መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ሶማሊያ በረራ ምግባር ዘቋረጾ፣ ኣብ 1977 ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣብ ኲናት ድሕሪ ምእታወን እዩ።

ኣብዚ እዋን ካብ መቓዲሾ ናብ ኣውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ዝጓዓዙ  መገዲ ኣየር ቱርኪ ተጠቒሞም ወይ ናብ ናይሮቢ ተጓዒዞም እዮም መገዶም ክቕጽሉ ጸኒሖም።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ዋና ከተማ ምምሕዳር ፑንትላንድ ዝኾነት ናብ ጋሮወ ካብ 2015 ኣትሒዙ በረራ ከምዝጀመረ ከምዝፍለጥ እቲ ዝተረኽበ ዜና ይሕብር።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now