'ዳርጋ ንኹሉ ዓብሊላቶ'ያ ኣምስያ': ባርኔጣ መላኒያ ዳእላ ትራምፕ ድማ ንኢንተርኔት ኣጥለቕሊቕዎ።

መላንያ ትራምፕ ኣብ ስነ-ስርዓት መመረቕታ ዶናልድ ትራምፕ ቀንዲ ገጸ-ባህርይ ኰይና እያ ኣምስያ: እቲ ሓድሽ ፕረዚደንት ከይተረፈ ነዚ ጕዳይ እዚ ክድእለሉ'ዩ ተራእዩ ።

Man giving woman with a wide brimmed hat a kiss on the cheek.

Donald Trump air-kissed his wife Melania as her hat was in the way. Source: AAP

ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ኻልኣይ ግዜ ዝገበሮ ፕረዚደንታዊ መመረቕታ ኣብ ፖለቲካ ዓለም ታሪኻዊ ህሞት እኳ እንተ ነበረ ፡ ገሊኦም ግና ኣብቲ ሰበይቱ እተኸድነቶ ብፍላይ ከኣ ኣብ ባርኔጣ እዮም ኣቓልቦኦም ተሳሒቡ።

ትራምፕ ቃል ማሕላ ክፍጽም ናብ ካፒቶል ሮቱንዳ ኣብ ዝኣተወሉ: ንመላኒያ ክስዕማ ፈቲኑ: እንተዀነ ግን እታ ቀዳመይቲ እመ-ቤት ዝወደየቶ ባርኔጣ ክዓግቶ ብምርኣዩ መዛረቢ ኮይኑ።

እቲ ህሞት ን እቲ ባርኔጣን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣቓልቦ ብዙሓት ሰባት ስሒቡ ይርከብ ። ገሊኦም መልክዓ ኣዚዩ ጽቡቕን እተራቐቐን ገይሮም ገሊጾሞ ። ገሊኦም ከኣ ምስቲ ካርመን ሳንዲየጎ ዝበሃል ማሪታዊ ገጸ-ባህርይ ከምኡውን ምስቲ ማክዶናልድ ሃምቡርግ ዝበሃል ማስቆት የመሳስልዋ ኣለዉ ።

Donald Trump leans in to give Melania a kiss. Her broad-brimmed black hat with white band presses against his forehead.
Donald Trump air-kissed his wife Melania as her hat was in the way. Source: AAP

ባርኔጣ መላንያ ሰብኣያ ከይስዕማ ዝዓገተቶ ተርእይ ቪድዮ ፡ ኣብ ቲክቶክ ብሰፊሑ ተዘርጊሓ ትርከብ ፣ "እታ ባርኔጣ እያ ትርጉም ዘለዋ" ዝብል ጽሑፍ'ውን ይንበብ ።

ሓንቲ ተጠቃሚት ፡ "እንታይ ትገብር ከም ዘላ ትፈልጥ ነይራ እያ" ክትብል ገሊጻ ።

ድሕሪ እቲ ናይ መመረቕታ ስነ-ስርዓት ትራምፕ ኣብ ዘስመዖ መደረ ፡ እውን እንተ ኰነ ፡ ብዓልቲ ቤቱ ኣብ ሄሊኮፕተር ካብ ዋሽንግተን ዝነቐልሉ ካብ ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ቀዳማይ እመቤት ጂል ባይደንን ክፋነዉ ፡ ኣብ ርእሳ ዝነበረ ባርኔጣ ንምሓስ ትቃለስ ከምዝነበረት ተዋዝይሉ እዩ ።

ትራምፕ ፡ "በቲ ዝወደየቶ ባርኔጣ ፡ ዳርጋ ነፊራ ነይራ" ብምባል ዳእላ ገይሩ። "በታ ባርኔጣ ካብ ምድሪ ተላዒላ ነይራ ።"

ኣብቲ ግዜ እቲ ፡ ባርኔጣ መላንያ ንኣዒንታ ብዙሓት ሰባት ክርእይዎ ዓጊትዎ እዩ ዊዒሉ። እታ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ናይ ትራምፕ ጎስጓሳት ምርጫ ሳሕቲ እትካፈል ዝነበረት ቀዳመይቲ እመቤት ፡ ብ ኣመሪካዊ ዲዛይነር ኣዳም ሊፐስ double-breasted navy mid-length ዓይነት ዲዛይን ክዳን ተኸዲና ተራእያ።

A man wearing a suit holding his hand up
The bitter cold weather forced Trump's inauguration indoors for the first time since Ronald Reagan's in 1985. Source: EPA / Kevin Lamarque


Share

2 min read

Published

By Madeleine Wedesweiler

Source: SBS




Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now