ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ግዳያት ዓመጽ ግብረ ስጋ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ኣፍልጦ ዘውህብ ኮይኑ ክዓዪ ናይጀሪያ መቕጽዒ ሕጊታት ንምቕያር ስጉምቲ ትወስድ ኣላ።
ኣብዚ ሰሙን ብዛዕባ ዓመጽ ዝምልከት ሕጊ፡ ጾታ ዘይፈሊ ክኸውን ዝእዝዝ መምርሒ ብሰኔት እታ ሃገር ድምጺ ተዋሂብሉስ ሓሊፉ ኣሎ።

ኣብዚ እዋን ዘሎ ናይታ ሃገር ሕጊ ገበን ዓመጽ ግብረ ስጋ ብኸምዚ ይገልጾ፡ "ዓመጽ ግብረ ስጋ ኣብ ልዕሊ ጓል ኣንስተይቲ ዝፍጸም ገበን እዩ።" ኣብ ገለ ኩነታት, "ብዘይ ናታ ኣፍልጦ ጥርዓን ዝቐርብ", "እቲ ጥርዓን ብሓይሊ እንተቐሪቡ" ወይ "ኣብ ጉዳይ ምርዕውቲ ሰበይቲ, ንሰብኣያ ብምምስሳል" ዝብሉ ሓሳባት ዘለዎ እዩ።
እቲ ነቲ ሕጊ ዘመሓይሽ እማመ ብሰኔተር ኦሉረሚ ቲኑቡ እዩ ቀሪቡ።.

"እቲ ሕጊ ገበን ንግብረ ስጋዊ ዓመጽ ብኸምዚ እዩ ዝገልጾ ... ገበን ኣንጻር ደቂ ኣንስትዮ እዩ። ይኹን እምበር ግዜ ዘምጽኦ፡ ብዘይፍቓድ ኣብ ልዕሊ ደቂ ተባዕትዮ ዝበጽሕ ግብረ ስጋዊ ዓመጽ ክፍጸሙ ይረኣዩ እዮም።," Ms Tinubu ክትብል ከምዝገልጸት Nigerian outlet Premium Times. ኣብዘውጽኦ ጸብጻብ ኣፍሊጡ።
"እዚ ዝጸንሐ ኣገላልጻ ኣዚዩ ፍሉይ እዩ፥፡ ምኽንያቱ እቲ ማሕበራዊ ባህሊ ደቂ ተባዕትዮ ብዘይፍቓዶም ስጋዊ ዓመጽ ኣይፍጸሞምን'ዩ ኢሉ ስለዝ ኣምንዩ። ብተወሳኺ እቲ ዝጸንሓና ሕጊታት ምስ ካልእ ዓለም እናዓበየን እናተለወጠን ክኸይድ ኣለዎ።"
ናይታ ሰኔተር ናይ ትዊተር ገጽ ካብዝተፈላለዩ ፖለቲከኛታት ዝተፈላለዩ ግብረ መልሲ ከምዝረኸበ እዩ ዝገልጽ።
በባህላ ሴነተር Bala Na'allah, "ጉዳይ ዓመጽ ግብረ ስጋ ኣብ ሕጊታትና ኣጸጋሚ ነገራትዩ ጸኒሕዎ፡ አቲ ሕጊ ካብ ዘመን ሕጊ እንግሊዝ ዝጸንሐ እዩ።


