ናይጀሪያ፡ ደቂ ተባዕትዮ ግዳይ ዓመጽ ግብረ ስጋ ምዃኖም ሕጋዊ ኣፍልጦ ክትህብ እያ።

ኣብ ናይጀሪያ ዝጸንሐ ሕጋዊ ትርጉም ብዛዕባ ዓመጽ ግብረ ስጋ ይምርመር ኣሎ።

The Nigerian criminal code has been called 'archaic'.

The Nigerian criminal code has been called 'archaic'. Source: AAP

ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ግዳያት ዓመጽ ግብረ ስጋ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ኣፍልጦ ዘውህብ ኮይኑ ክዓዪ ናይጀሪያ መቕጽዒ ሕጊታት ንምቕያር ስጉምቲ ትወስድ ኣላ።

ኣብዚ ሰሙን ብዛዕባ ዓመጽ ዝምልከት ሕጊ፡ ጾታ ዘይፈሊ ክኸውን ዝእዝዝ መምርሒ ብሰኔት እታ ሃገር ድምጺ ተዋሂብሉስ ሓሊፉ ኣሎ።
Members of Nigeria's Senate earlier this year.
Members of Nigeria's Senate earlier this year. Source: Getty
ኣብዚ እዋን ዘሎ ናይታ ሃገር ሕጊ ገበን ዓመጽ ግብረ ስጋ ብኸምዚ ይገልጾ፡ "ዓመጽ ግብረ ስጋ ኣብ ልዕሊ ጓል ኣንስተይቲ ዝፍጸም ገበን እዩ።"  ኣብ ገለ ኩነታት, "ብዘይ ናታ ኣፍልጦ ጥርዓን ዝቐርብ", "እቲ ጥርዓን ብሓይሊ እንተቐሪቡ" ወይ "ኣብ ጉዳይ ምርዕውቲ ሰበይቲ,  ንሰብኣያ ብምምስሳል" ዝብሉ ሓሳባት ዘለዎ እዩ።

እቲ ነቲ ሕጊ ዘመሓይሽ እማመ ብሰኔተር ኦሉረሚ ቲኑቡ እዩ ቀሪቡ።.
Senator Oluremi Tinubu is pushing for the changes.
Senator Oluremi Tinubu is pushing for the changes. Source: Twitter
"እቲ ሕጊ ገበን ንግብረ ስጋዊ ዓመጽ ብኸምዚ እዩ ዝገልጾ ...  ገበን ኣንጻር ደቂ ኣንስትዮ እዩ። ይኹን እምበር ግዜ ዘምጽኦ፡ ብዘይፍቓድ ኣብ ልዕሊ ደቂ ተባዕትዮ ዝበጽሕ ግብረ ስጋዊ ዓመጽ ክፍጸሙ ይረኣዩ እዮም።," Ms Tinubu ክትብል ከምዝገልጸት Nigerian outlet Premium Times. ኣብዘውጽኦ ጸብጻብ ኣፍሊጡ።

"እዚ ዝጸንሐ ኣገላልጻ ኣዚዩ ፍሉይ እዩ፥፡ ምኽንያቱ እቲ ማሕበራዊ ባህሊ ደቂ ተባዕትዮ ብዘይፍቓዶም ስጋዊ ዓመጽ ኣይፍጸሞምን'ዩ ኢሉ ስለዝ ኣምንዩ። ብተወሳኺ እቲ ዝጸንሓና ሕጊታት ምስ ካልእ ዓለም እናዓበየን እናተለወጠን ክኸይድ ኣለዎ።"
ናይታ ሰኔተር ናይ ትዊተር ገጽ ካብዝተፈላለዩ ፖለቲከኛታት ዝተፈላለዩ ግብረ መልሲ ከምዝረኸበ እዩ ዝገልጽ።

በባህላ ሴነተር Bala Na'allah, "ጉዳይ ዓመጽ ግብረ ስጋ ኣብ ሕጊታትና ኣጸጋሚ ነገራትዩ ጸኒሕዎ፡ አቲ ሕጊ ካብ ዘመን ሕጊ እንግሊዝ ዝጸንሐ እዩ።

Share

Published

Source: SBS News

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ናይጀሪያ፡ ደቂ ተባዕትዮ ግዳይ ዓመጽ ግብረ ስጋ ምዃኖም ሕጋዊ ኣፍልጦ ክትህብ እያ። | SBS Tigrinya