SKIP TO MAIN CONTENT

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኣመንቲ ክርስትያንን ትካላት ጥዕና ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን ዘውርዶ ዘሎ ግህሰት ደው ከብሎ ፍልይቲ ልእኽቲ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ጸዊዓ::

“ምግባት ናይዞም ማእከላት ጥዕና ነቶም ኣብ ሕማም ዝርከቡ ዘለዉ ሰባት ብኣሉታ ዝጸሉ ኮይኑ ብፍላይ ነቶም ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ዝነብሩ ህዝቢታት ዓቢ ጉድኣት ከውርድ እዩ።” ክትብል ሚስ ክራቨዝ ገሊጻ። ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ካብ ንጥፈታታ ደው ምባል ማለት መንግስቲ ኤርትራ ዜጋታቱ ዘለዎም መሰል ሓለዋ ጥዕና ምምንዛዕ እዩ ኢላ::

Daniela Kravetz, Special Rapporteur on the situation of human rights in Eritre
Source: UN News

3 min read

Published


Skip to article content

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኣመንቲ ክርስትና ዘውርዶ ዘሎ ኣደራዕን መንግስቲ ንዝፈረመሉ ኣህጉራዊ መብጽዓ ከኽብር ክኢላን ወኪል ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ጸዊዓ።

ኣብ ንጥፈታት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን፡ ሃንደበትን ብዘይሕጋዊ መስርሕ ዝግበር ማእሰርቲ ኣመንቲ ኦርቶዶክስን ካልኦት ክርስትያናትን ዘተሓሳሰባ እታ ፍልይቲ ልእኽቲ ናይ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ዜጋታት መሰል ነጻነት ሃይማኖት ከኽብርን ብሰንኪ እምነቶም ዝተአስሩ ክፈትሕን ጸዊዓ።

ዳኔላ ክራቨትዝ (Daniela Kravetz) ናይ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ትከታተል ኮይና፡ “እዚ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲታት ከምዘመልክቶ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ሃዋሁው ሰላምን ጸጥታን እናተመሓየሸ እንተኸደኳ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ከምቀደሙ ኣይተለወጠን ዘሎ።” ኢላ።

እቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ዝወጸ ዜና ከምዘመልከቶ፡ ብ 12 ሰነ ሰብ መዚ ኤርትራ ብካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝመሓደሩ ማእከላት ጥዕና ወሪሶሞ ኣለዉ።

ብመሰረት ዝተረኽበ ሓበሬታ ገለ ማእከላት ጥዕና ብወተሃደራት ዝሕለዉ ዘለዉ ኮይኖም ኣብተን ሆስፒታላት ዝነበሩ ሕሙማት ናብ ገዛኦም ክኸዱን ኪላታት ጥዕና ምፍርራሕ ይበጽሖም ኣሎ፡፤

“ምግባት ናይዞም ማእከላት ጥዕና ነቶም ኣብ ሕማም ዝርከቡ ዘለዉ ሰባት ብኣሉታ ዝጸሉ ኮይኑ ብፍላይ ነቶም ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ዝነብሩ ህዝቢታት ዓቢ ጉድኣት ከውርድ እዩ።” ክትብል ሚስ ክራቨዝ ገሊጻ። ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ካብ ንጥፈታታ ደው ምባል ማለት መንግስቲ ኤርትራ ዜጋታቱ ዘለዎም መሰል ሓለዋ ጥዕና ምምንዛዕ እዩ ኢላ::

ብመሰረት እቲ ጸብጻብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ገለ 40 ሆስፒታላትን ማእከላት ጥዕና ኣብ ርሑቕ ገጠራትን ገዳማትን ትውንን። መብዛሕት ኦም እዞም ትካላት ንህዝቢ ነጻ ኣገልግሎት ዝህቡ ኮይኖም ንነዊሕ እዋን ኣገልግሎት ጅህቡ ዝጸንሑ እዮም።

እታ ናይ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ፍልይቲ ልእኽቲ ኣብ ሰብ ኣዊ መሰላት ኤርትራ ከምዝገለጸቶ እዚ ናይ መንግስቲ ስጉምቲ ዝውሰድ ዘሎ እታ ቤተ ክርስትያን ኣብ ኤርትራ ሓቀኛ ዘተ ኣብ ሰላምን ዕርቂን ክግበር ምስጸወዐት እዩ።

ሚስ ክራቨትዝ ብተወሳኺ ብ 13 ሰነ ሓደ ጸብጻብ ከምተቐበለት ትገልጽ ንሱ ድማ፡ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ፡ እቲ መንግስቲ ኣብታ ቤተ ክርስትያን ዝገብሮ ዘሎ ምት እትታው ስለተቓወሙ ሓሙሽተ ፈለስቲ ካብ ደብረ ቢዜን ከምዝኣሰሩን እቶም ሰለስተ ዕድሚኦም ልዕሊ 70 ዓመት ዝኾኑን ገሊጻ። ብተወሳኺ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ጸሎት ዝነበሩ ክርስትያናት ብጸጥታ ከምተኣስሩ ዝገልጽ ጸብጻብ ከምዝበጽሓ ገሊጻ።

ብ 17 ግንቦት፡ 30 ኣመንቲ ጴንጠቆስጠ ክርስትያናት ኣብ ኣስመራ ከባቢ ጎዳይፍ ኣብ ሓደ ገዛ እናጸለዩ ተታሒዞም ከምተኣስሩ ተፈሊጡ ኣሎ።  ድሕሪ ሰሙን ናይዚ ፍጻመ ኣብ ኣስመራ ከባቢ ማይተመናይ 104 ደቂ ኣንስትዮን 14 ቆልዑን ዝርከብዎም 141 ኣመንቲ ተታሒዞም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣቤቶ ከምተኣስሩን ካብ ኣቶም 50 ዝኾኑ ከምተፈነዉ እቲ ጸብጻብ ገሊጹ።

ዳኔላ ክራቨትዝ ጸቒጣ ዝተዛረበትሉ ጉዳይ ዜጋታት ኤርትራ ብሰላም ናይ ሃይማኖትን እምነትን ነጻነቶም ተጠቒሞም ዝገብርዎ ንጥፈታት ምግሃስ ማለት፡ ኤርትራ ዝኣተወቶ ናይ ኣህጉራዊ ሕጊታት ሰብኣዊ መሰላት መብጽዓ ምጥሓሳ እዩ ዘመልክት።

እታ ናይ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ፍልይቲ ልእኽቲ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ጸብጻባ ኣብ ጀነቫ ን2 ሓምለ ከተቕርቦ ምዃና ተፈሊጡ ኣሎ፡፤


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now