መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ገደብ ጊዜ ኣልቦ ሃገራዊ/ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ደው እንተቢልዎ እስራኤል ንኤርትራዊያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ክትመልሶም ከምዝኾነት ሚኒስተር ፍትሒ እስራኤል ኣጠንቂቓ።
ሮይተርስ ከምዝጸብጸቦ፡ ሚኒስተር ፍትሒ እስራኤል ኣየለት ሻከድ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ገደብ ግዜ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልሎት ደው ኣብ ዘበለሉ መዓልቲ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ብኡ ንብኡ ናብ ዓዶም ከምትሰጎም ብሰሉስ ከምዝገለጸት ጸብጺቡ ኣሎ፡፣
እቶም ኣብዝሓለፈ ወርሒ ታዕሊሞም ዝወድኡ መበል 31 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ድሕሪ 18 ኣዋርሕ ነናብ ገዝኦም ከምዝኸዱ ንወለዲ እቶም ዕሉማት ከምተገልጸሎም ሮተርስ ጸብጺቡ ነይሩ እዩ።
ሚኒስተር ሻኪድ ኣብ ተል ኣቪቭ, ኣብ ሓደ ምዝንጋዕ ከምዝበለቶ እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ሰላም መንግስታ ብቐረባ ይከታተሎ ኣሎ፡፣
“ድሕርዚ ስምምዕ እቲ ግዱድ ዕስክርና ደው እንተ ኢሉ ነቶም እስራኤል ብቕልጡፍ ነቶም ሰለዂቲ ናብ ዓዶም ከተባርሮም ኢያ። እዚ ድማ ንነበርቲ ደቡብ ተል ኣቪቭ ጽቡቕ ዜና እዩ” ክትብል ሚኒስተር ሻከድ ከምዝገለጸት እቲ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ።.
ተጣበቕቲ መሰል ከምዝገልጽዎ፣ እቲ ናይ ጊዜ ገደብ ዘይብሉ ግዱድ ዕስክርና ብዙሓት ኤርትራዊያን መን እሰያት ብሰሃራን መዲተራኒያን ሞት እናሰገሩ ብ ኣሻሓት ዝቑጸሩ ኣውሮጳ ከዕለቕልቑ ተገዲዶም።
ሮይተርስ ንወለዲ ሓደሽቲ ምሩቓት ሳዋ ሓቲቱ ብዝረኸቦ ሓበሬታ እቶም ኣብ 13 ሓመለ ዝተመረቑ ተዓለምቲ ሳዋ 18 ኣዋርሕ ምስ ኣገልገሉ ነናብ ገዝ ኦም ክፋነዉ እዮም።
ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል ነቲ ጸብጻብ ኣሉታ እንተዘይሃበሉ’ኳ ወግዓዊ መግለጺ ከምዘይተዋህበን፣ ምስ ኢትዮጵያ ዝከውን ዘሎ ነገራት ገና ኣብቲ ናይ መባእታ ደረጃ እዩ ዘሎ ከምዚ ዓይነት ኣገዳሲ ፖሊሲ ድማ ብወግዓዊ መገዲታትን እዩ ዝግበር ዛጊት ድማ ኣይተገብረን ዘሎ ክብል እቲ ሚኒስተር ዜና ናይ ኤርትራ ከምዝገለጸሉ ሮይተርስ ጸብጺቡ ኣሎ።

