SKIP TO MAIN CONTENT

መንነት፡ ኢማን ሻሮቢም

እዚ ኣብ ሬዲዮን ተለቪዥንን SBS ብተኸታታሊ ዝቐርብ ዘሎ መደብ መንነት ኣብ’ዛ ሕብረ ብዙሕ ባህሊ ሃገር ብምጥማት፡ ሎሚ ኣውስትራሊያዊ ምዃን እንታይ ማለት’ዩ ንምድህሳስ እዩ። ንሎሚ ንመንነት ፍልጥቲ ጎስጓሲት መሰላት ደቀንስትዮ ዝኾነት ኢማን ሻሮቢም ክንድህስስ ኢና።

Sharobeem
Source: SBS

3 min read

Published


Skip to article content

ፍልጥቲ ጎስጓሲት መሰላት ደቀንስትዮ ኢማን ሻሮቢም ትሕቲ ዕድመ መርዓት ኮይና’ያ ካብ ግብጺ ናብ ኣውስትራልያ መጺኣ። ንሳ ግብጺ ንዓይ ትምህርቲ ሂባትኒ ኣውስትራልያ ግን ድምጺ ሂባትኒ ትብል። 

ዶ/ር ኢማን ሻሮቢም ኣብ ኣውስትራልያ ንኣስታት 30 ዓመታት ክትነብር ጸኒሓ’ያ። ንሳ ዝያዳ ግዜ ብዝኸደ መጠን ዝያዳ ስሕበት ምስ ግብጻዊ መበቆላ/ውርሳ ይስመዓኒ ትብል።

"እቲ ኣገራሚ ነገር እናዓበኹ ኣብ ዝኸድክሉ ምትእስሳረይ ናብ’ቲ ናይ ቀደም/ገዛይ እናገደደ ይኸይድ። ርኢኺ፡ ካብ’ቲ ኣብ ግብጺ ዘሕለፍክዎ ግዜ ንላዕሊ፡ ዝበዝሐ ወይ’ውን ዕጽፊ ካብ’ቲ ግዜ ናይ ህይወተይ ኣብ ኣውስትራልያ ኣሕሊፈዮ፡ ዓደይ ኢለ’የ ከኣ ዝጽውዖ፡ ግን ከኣ እቶም ቀዳሞት ዓመታት በቲ ድዩ በቲ ብውሽጢ መን ምዃነይ ሰሪዖምኒ’ዮም።"

ንሳ ተዘክሮታት ናይ ግዜ ቁልዕነተይ ተመሊሱ ይመጸኒ ትብል።

"ኣነ ተመሊሰ ነቲ ግዜ ይዝክሮ፡ ናይ ቁልዕነት ግዜ፡ ኣዕሩኽ መጻውቲ፡ ዝዓበኽሉ ጎደናታት፡ እቲ ዝገርም እናዓበኹ ክኸይድ እንከለኹ ዝያዳ ንድሕሪት ተመሊሰ የስተንትን። ኣብ’ዚ ዘለኽዎ እናነውሐ ክኸይድ ከሎ ዝያዳ ኸኣ ይናፍቖ። ኣነ ባዕለይ ክፈትሖ ዝግበኣኒ ግድል’ዩ በቃ።"

ንግዚኡ ዶ/ር ሻሮቢም ነቲ ናፍቖት ነቶም ተዘክሮታት ናብ መዓልታዊ ናይ ኣውስትራልያ ህይወታ እናፍሰሰት/እናመሓላለፈት ትምክቶ።

"ገሊኦም ዓይነት መግብታት ክትበልዕ እንከለኻ፡ በዓላት ብናትካ መንገዲ ከተብዕል እንከለኻ፡ ኣብ ገለ እዋናት ፍሉይ መግቢ ክትሰርሕ/ክትክሽን ቀመማት ኬድካ ክትገዝእ እንከለኻ፡ ናብ ናይ ቁልዕነት ተዘክሮታት ይመልሰኒ። ኣከሻሽና መግቢ ናይ ኣደይ።"

ዶ/ር ሻሮቢም ባህሊ ግብጺ ጽቡቕ ትምህርቲ ክትረክብ የተባብዓካ፡ ሞያዊ ክእለት ምጥራይ ከኣ ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ ኔሩ ትብል። ንሳ ዶክተሬት ማዕርግ ኣለዋ፡ ግብጺ ኣብ ትምህርቲ ክትጸቅጥ ዘነቓቕሓትኒ ክትከውን ከላ ኣውስትራልያ ከኣ ንዕኡ ክትጥቀመሉ ሓይሊ ሂባትኒ ትብል።

"ኣብ ግብጺ፡ እወ፡ ትምህርቲ ረኺበ። ዝበለጸ መጠን/ደረጃ ፍልጠት፡ እንተኾነ ግን ኣብ’ኡ ሕጂ ኔረ እንተዝኸውን ዓው ኢለ ክዛረብ ዕድል ኣይምረኸብኩን ኔረ።"

ኣብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ስልማት ንብሉጽ ኣውስትራልያዊ ተሓጽያ ክሳብ መወዳእታ ዝበጽሐት ዶ/ር ሻሮቢም ካብ ቀዳማይ በዓል ቤታ ነበር ናይ ዓመታት ኣካላዊን ስነኣእምሮኣዊ ግፍዒ ጼራ ዝሓለፈትን ውጻእ መዓትን’ያ።

"ዓዲ እንተዝምለስ፡ ኣብ ግብጺ እንተዝህሉ፡ ከም’ዚ ዓይነት ነጻነት፡ ምርጫታትን ንህዝቢ ዝኽፈተሎም ዕድላት ወይ ተኽእሎታት ምሃልወ ኢለ ኣነ ኣይሓስብን። ሰባት ይሰምዑኻ፡ ካልኦት ከኣ ካብኡ ይመሃሩ፡ ኣነ ኣብ ቃልዕ ወጺአ ‘ኣነ ግዳይ ኔረ፡ ሕጂ ረኣዩኒ፡ ዓወት ዝመልኦ ህይወት ይነብር ኣለኹ’ ክብል ትብዓት ኣይምሃለወንን።"

እቶም ዓወታት ከኣ ክሳብ ሕጂ ዝቕጽሉ ዘለው ዝርዝራት ሕታማት መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ ኣብ መሰላት ደቀንስትዮን ኣባል ኣማኻሪ ቦርድ Multicultural New South Wales የካትቱ። ንሳ ብተወሳኺ ኣብ’ቲ ን10 ዓመታት ጥዕናን መሰልን ደቀንስትዮ ንምምሕያሽ ዝሰርሐትሉ፡ ላዕለወይቲ ኣካያዲት CEO ስራሕ ኣገልግሎት ጥዕና መጻእቲ ደቀንስትዮ Immigrants Womens Health Service ‘ውን ኔራ’ያ።

ዶ/ር ሻሮቢም ኣብ’ዚ እዋን ኣብ SBS ከም ኣካያዲት ሃገራዊ ምምኽኻር ማሕበረሰባት National Community Engagement Manager ኮይና ትሰርሕ ኣላ።

ንሳ እዞም ኩሎም ቦታታት ሓላፍነት ‘ድምጺ ናይ’ቶም ድምጺ ዘይብሎም’ ክኸውን ፈቒዶምለይ ትብል።

"ኣብ’ዚ ዓው ኢለ ብጋህዲ ክዛረብ ብዛዕባ ዓመጽ፡ ብዛዕባ ትሕቲ ዕድመ መርዑት/ህጻናት፡ ብዛዕባ ምኽንሻብ ደቀንስትዮ፡ ብዛዕባ መሰላት ደቀንስትዮን ንኣሽቱ ኣዋልድን/ጎራዙን፡ ብጋህዲ ርእይቶአን ከህባን ድምጸን ከስምዓን ክኢለን። ናይ ገዛእ ርእሰን ርእይቶ ክህልወን ኣውስትራልያ ጥራይ ክትህበኒ ዝኸኣለት ነገር’ዩ።”

 

BA:      ንዶ/ር ኢማን ሻሮቢም፡ ኣብ’ዛ ብኣቢ ኦብራየን ዝተዳለወት ጸብጻብን መደብ DNA Nationን ኣብ SBS On Demand ክትዕዘብዎ ትኽእሉ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now