ነቲ ኣመሪካ የሩሳለም ዋና ከተማ እስራአኤል ክትከውን ዝወሰደቶ ዉሳነ ብምቅዋም ናይ ግብጺ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ፓትርያርክ ኣቡነ ተወድሮስ ካልኣይ ምስ ምልትል ፕረሲደንት ኣመሪካ ማይክ ፐን ኣብ ካይሮ ዝነበረ መደብ ብምስራዝ ምስ ሚስተር ፐን ከምዘይራኸቡ ገሊጾም።
ፕረሲደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዝወሰኖ ዉሳነ ናይ ሚሊዮናት ኣዕራብ ስሚዒት ዘይሓለወ ዉሳነ እዩ፥ በዚ ድማ እቲ ናይ ኣመሪካ ምክትል ፕረሲደንት ናብ ግብጺ ኣብ ዝበጽሓሉ አቶም ኣቡን ከምዘይቅበልዎ መግለጺ እታ ቤተክርስትያን ገሊጹ።
እዚ መግለጺ ዝወጸ ሓደ መዓልቲ ድሕሪቲ ናይ ግብጺ እስላማዊ መራሒ ኣል ኣዝሃር ኣሕመድ ኣል ጠይብ ንሚስተር ፐይን ከምዘይቅበሉ ምስ ኣፍለጡ እዩ።
ናይ ግብጺ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ካብ 93 ህዝቢ ግብጺ ዓሰርተ ሚ አታዊ ዝሕዙ ክኾኑ ከለዉ፥ ኣብቲ ዞባ ዝዓበየ ናይ ዉሁዳን ቁጽሪ ዘለዎም እዮም።
የሩሳለም ዋና ከተማ እስራአኤል ከምዝኾነት ዶናልድ ትራምፕ ኣፍልጦ ድሕሪ ምሃቡ፥ ኣብ መንጎ እስራአኤልን ፍልስጤኤማዊያንን ሓዲሽ ሕንፍሽፍሽ ፈጢሩ ተወሳኺ ምፍሳስ ደም ከይህሉ ድማ ተሰጊኡ ኣሎ።

