ፕረሲደንት ኣልበሽር ንፈደራል መንግስቲ በቲኑ ንኹሎም ኣመሓደርቲ ክፍለ ግዝኣታት ኣባሪርዎም ኣሎ። ኣብክንዳኦም ድማ ካብ ኣባላት ጸጥታ ኣመሓደርቲ ጌሩ ሸይምዎም ኣሎ።
ፕረሲደንት ኣልበሽር ነዚ ኣውጅ እዚ ኣብ ተለቪዥን ቀሪቡ እዩ ንህዝቡ ኣፍሊጡ። ኣቐዲሙ ናይ ሱዳን ኣገልግሎት ሃገራዊ ጸጥታን ድሕነትን ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ከምዝወርድ ኣፍሊጡ ኔሩ።
ከምዝዝከር ኣብ ሱዳን ንብዙሕ ሳምንታት ኣንጻር መንግስቲ ዝቐንዐ ናይ ተቓዉሞ ሰልፊታት ክግበር ዝጸንሐ ኮይኑ፡ እዚ ናይ ህጹጽ ኩነታት ምስተኣወጀ ኣብ ጽርግያታት ኡንዱርማን ሓዲሽ ናይ ተቓዉሞ ሰልፊ ክግበር እተተፈተነ’ኳ ፖሊስ ዘንብዕ ጋዝ ተጠቒሙ ነቲ ናይ ህዝቢ ተቓዉሞ ከምዘፍሸሎ ካብቲ ቦታ ቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣብቲ መግለጺ ኣልበሽር ንተወሳኺ አዋን ክምረጽ ምእንቲ ዘፍቅድ ምምዕራይ ሕገ መንግስቲ ፓርላማ ከናውሖ ዝሓተት ኮይኑ፥ እዚ ዝግበር ዘሎ ናይ ተቓዉሞ ሰልፊታት ንሱዳን ዝበታትን ተግባር እዩ ኢልዎ።
ንሱ ንሓደ ዓመት ዝጸንሕ ናይ ህጹጽ ኩነታት ኣብ ርእሲ ምእዋጁ ብፈደራልን ክፍለ ሃገርን ደረጃ ዘሎ መንግስቲ ከምዘፍረሶን ተፈሊጡ።
ድሕሪ ቅሩብ ሰዓታት ነዚ ድሕሪ ምእዋጁ ድማ ነተን ኣብ ሱዳን ዘለዋ 18 ክፍለ ግዝኣታት ዘመሓድሩ ኣባላት ጸጥታ ብፕረሲደንታላዊ ስልጣኑ ሼሙ።
ካብ ብምሉኦም እቶም ዝተሰጉ ኣባላት ካቢኔ ነቶም ሓሙሽተ ከም ናይ ወጻኢ ጉዳያት፡ ምክልኻልን ፍትሒን ሚኒስተራት ስርሖም ክቕጽሉ ኣዚዙ ኣሎ።
እቲ ብምኽንያት ቅልውላው ቁጠባ ዝጀመረ ተቓዉሞ ህዝቢ ናብ ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ክእለ ዝብል ጠለብ ሒዙ እዩ ብጽንዓት ቃልሱ ከካይድ ጸኒሑ። ኣብዚ እዋን ህዝቢ እቲ ፕረሲደንት ስልጣኑ ክሳብ ዝሓድግ ተቓዉሞኡ ከምዘይቋርጽ ቃል ኣትዩ ኣሎ።
ወሲ 75 ዓመት ፕረሲደንት ዑመር ኣልበሽር፥ ብወተሃደራዊ ዕልዋ ኣብ 1989 ስልጣን ካብዝጭብጥ ንደሓር ብዘይፍጸሙ መብጽ ዓታት እናተማባጸዐ እዩ ንሱዳን ን30 ዓመት መሪሕዋ።

