SKIP TO MAIN CONTENT

መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ቀረባ ግዜ ገጽ ንገጽ ክራኸቡ’ዮም፡

መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ'ዚ ቀረባ ግዜ ገጽ ንገጽ ክራኸቡ ምዃኖም ተገሊጹ።

መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ቀረባ ግዜ ክራኸቡ'ዮም፡
Source: SBS Youtube

1 min read

Published

By SBS Tigrinya

Source: SBS


Skip to article content

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ ክራኸቡ’ዮም ክብል ገሊጹ። ኮርፖሬሽን መደበር ዜና ፋና ዝሓለፈ ሓሙስ ከምዝጸብጸበቶ ዶክተር ወርቅነህ ዕውት ምብጻሕ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ሰላም ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ናብ ንቡር ንምምላስ ልሙዕ ባይታ ከፊቱ’ሎ ኢሉ። ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣቢይ ሓሙስ ንዝርርብ ሰላም ዝጽውዕ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝተላእከ ናይ ዕድመ ደብዳበ ከምዝተቐበሎ ኣፍሊጡ’ሎ። ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕን ፕረዝደንታዊ ኣማኻሪ ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝተመርሐ ዝለዓለ ልኡኽ ዝሓለፈ ሰሉስ’ዩ ናብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ምብጻሕ ንምፍጻም ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ። እቲ ልኡኽ ድሕሪኡ ሮቡዕ ካብ ኣዲስ ኣበባ 275 ኪሜ ርሒቑ ዝርከብ ኢንዱስትርያዊ ፓርክ ሃዋሳ ምብጻሕ ፈጺሙ። እቲ ኢንዱስትርያዊ ፓርክ ክሳብ ሕጂ 18 ኣብ ዓለም መሪሕ ዝኾና ናይ ኣጭርቕትን ክዳውንትን ኩባንያታት ዝሰሓበ ኮይኑ ንልዕሊ 18,000 ሰባት ናይ ሽቕለት ዕድል ከፊቱ’ሎ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now