ጓል ታይዋን ተሰካሚት ቦርሳ ዝኾነት ሻይኒ ሊ ኣብ ሓደ ኣብ ከተማ ፐርዝ ዝርከብ ፋብሪካ ስጋ እናሰርሐት እንከላ’ያ ኣጻብዕታ ዳርጋ ዝቖረጸ ድንገተኛ ሓደጋ ዘጋጠማ።
"ምኽንያቱ ኣነ ኣብ ክፍሊ ሶሰጅ ይሰርሕ ኔረ፡ ነቲ ቱቦ ይቕይሮ ኔረ፡ እቲ መሳርሒ ኣብ የማናይ ኢደይ ኔሩ ነቲ ቱቦ ክቕይሮ እንከለኹ፡ ሃንደበት ከይሓሰብክዎ ነታ ሰንሰር ተንኪፈ ወሊዐያ። እታ ኣብ ኢደይ ሒዘያ ዝነበርኩ መሳርሒ ነጢራ ከይዳ ኣብ ኣጻብዕተይ ዓሊባ። ክሳብ ክንደይ ከቢድ ማህረምቲ ከምዝነበረ ኣይተረደኣንን ኔሩ፡ ግን እቲ በጃ ኢደይ ወይ ጓንቲ ምስ ኣውጻእክዎ ግን ስጋይ ዳርጋ ኩሉ ተቐሊጡ ከምዝኸደ ርእየዮ።"
ሻይኒ ብዘይ መድሕን ወይ ኢንሹራንስ ብመንገዲ ሓደ ሰራሕተኛታት ዘቋጽር ኮንትራክተር ስለዝተቖጽረት እቲ ዝግባኣ ወይ መሰላ ብመንገዲ ማሕበር ሰራሕተኛታታ ኣቢላን ከም’ኡ’ውን ጠበቓ ቆጺራ ባዕላ ክትቃለስ ኔርዋ። ሕክምናዊ ምክትታል ምስተኻየደላን ብምኽንያት መጉዳእቲ ንዝሰኣነቶ ደመወዝ መተካእታ ናይ ሰለስተ ወርሒ ካሕሳ ድሕሪ ምቕባላ ናብ ታይዋን ተመሊሳ እያ። ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ነቲ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ትጽበይ ኣላ፡ ህይወታ ግን ከም’ቲ ናይ ቀደም ፍጹም ኣይክኸውንን’ዩ።
"ድሕሪ ምሕዋወይ ኣጻብዕተይ ካብ’ቲ ቀደም ዝነበረቶ ሕጽር ከምዝበለት ኣስተወዒለ።” ትብል።
ከም’ዚኦም ዓይነት ጉዳያት ብናይ ሆሊደይ ቪዛ ዝመጹ ግዝያዊ ሰራሕተኛታት ልሙዳት’ዮም ብኣበሃህላ ካብ ሃገራዊ ማሕበር ሰራሕተኛታት ዝኾነ ቲም ነልትሮፕ። ብዛዕባ ካልእ ኣብ ፋብሪካ ስጋ እናሰርሐ እንከሎ ሰለስተ ኣጻብዕቱ ዝተቖርጸ ታይዋናዊ ባክፓከር ዝፈልጦ ዕላል የዕልል።
"እቲ ኣስራሒ ካሕሳ ናይ 6 ኣዋርሕ ጥራይ’ዩ ክኸፍሎ ኔርዎ ምኽንያቱ ነዚ ኣስራሒ ካብ 6 ኣዋርሕ ንላዕሊ ክሰርሓሉ ኣይፍቀደሉን’ዩ። ክፍሊት ካብ ዎርክ ካቨር ክቕበል ይኽእል’ዩ ግን ቪዝኡ/መንበሪ ፍቓዱ ንዓመትን እንተበዝሐ ከኣ ንክልተ ዓመታት ጥራይ’ዩ። ስለ’ዚ ብልክዕ እቲ ጉድኣት ዘጋጠሞ ቪዝኡ ኣብ ምውድኡ ስለዝኾነ ክውስን ኔርዎ። ኣብ ኣውስትራልያ ጸኒሑ ሕጊ ዘፍቅደሉ መሰል ክረክብ መታን ነቲ ትካል ክኸሶ ይደሊ’ዶ፡ ክሳብ ብዙሕ መጠን ክበጽሕ ዝኽእል ገንዘብ ክኸውን ይኽእል፡ ወይስ ነቲ ነገር ከደቅሶ ክመርጽን ሓደ ምጡን ዝኾነ እኩብ ገንዘብ ብዎርክ ካቨር ክቕበል፡ ግን ከኣ ቁሩብ መጠኑ ትሕት ዝበለ ክኸውን ይኽእል? ”
ምስ ውሱን ክእለት ቋንቋ እንግሊዝን ከቢድ መጉዳእትን፡ እዚ መንእሰይ እኩብ ክፍሊት ገንዘብ ክወስድ ወሲኑን ናብ’ቲ ምስ ቤተሰቡ ኮይኑ ግቡእ ክንክን ዝረኽበሉ ሃገሩ ከኣ ተመሊሱ። ቲም ነልትሮፕ ኣብ ስራሕ ሓደጋ ምስ ዘጋጥም፡ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ቀዳማይ ስጉምቲ ቅጥዒ ጸብጻብ ኩነት ወይ ኢንሲደንት ሪፖርት ምምላእ’የ ይብል። እዚ ነቲ ሰራሕተኛ ካሕሳ ንኽሓትት ዝሕግዞ ዝኾነ ነገር ብግቡእ ከምዝተመዝገበ የረጋግጽ።
"እቲ ሰራሕተኛ ዓቢይ መጉዳእቲ እንተጋጢምዎ/እንተሃልይዎ ወይ መዓልታዊ ስርሖም ከካይዱ ዝኽልክሎም መጉዳእቲ ምስዝኸውን እቲ ኣስራሒ ነቲ ሰራሕተኛ ናብ ዶክተር/ሓኪም ክኸይድ ክመኽሮ/ክሕብሮ ኣለዎ። እቲ ሓኪም/ዶክተር ምስክር ወረቐት ሕክምና ናይ ዎርክ ካቨርን እቲ ሰራሕተኛ እንታይ ክሰርሕ ኣለዎን የብሉን ብንጹር ዝርዝር ዘለዎ ምስክር ወረቐት ናይ ብቕዓትን ይጽሕፈሉ።”
ካሕሳ ሰራሕተኛታት ሓደ ዓይነት ክፍሊት መድሕን ንሰራሕተኛታት ኮይኑ መጉዳእቲ ምስ ዘጋጥሞም ወይ ብሰንኪ ስርሖም ምስ ዝሓሙ ዝወሃብ’ዩ። እቶም ዓይነት ክፍሊታት ብግዝኣታትን ምምሕዳራዊ ዶባትን ዝተሓገጉ ኮይኖም ደሞዝ ንሰራሕተኛታት ክሰርሑ ምሉእ ብቕዓት ምስዘይህልዎምን ንወጻኢታት ሕክምናን ተሃድሶን መሸፈኒ ዝወሃቡ ክፍሊታትን የጠቓልሉ። ካብ NUW ዝኾነ ቲም ነልትሮፕ ሓደ ሰራሕተኛ ድሕሪኡ ቅጥዒ ካሕሳ ንሰራሕተኛታት ክመልእ ኣልዎ/ይግብኦ ይብል።
"እቲ ሰራሕተኛ ኣብ’ዚ ግዜ ናብ’ቲ መድሕን ዝህብ ኣካል/ኢንሹረር ዝኸይድ/ዝኣቱ መመልከቲ ቅጥዒ ናይ ዎርክ ካቨር ክመልእ ኣለዎ። እቲ ሰራሕተኛ ድሒሩ ነዚ ምስክር ወረቐት/ሰርቲፊከት ናብ ኣስራሒኡ መሊሱ ይወስዶ፡ እቲ ኣስራሒኡ ከኣ ኣብ’ቲ ናይ ብቕዓት ምስክር ወረቐት ተዘርዚሮም ዘለዎ ዝመጣጠኑ ዕዮታት ስራሕ ክቕርበሉ ግዴታ ይህልዎ፡ ወይ ንዕኡ ዝመጣጠን ዕዮታት እንተዘይብሉ ምስ’ቲ ልሙድ ክፍሊታቱ ዝመጣጠን ክፍሊት ክህቦ ወይ ከቕርበሉ ግዴታ ኣለዎ።”
ኣሃዛት ኤቢኤስ ካብ 531800 ንሰራሕተኛታት ዘጋጥሞም ምስ ስራሕ ምትእስሳር ዘለዎም ሕማማት ወይ መጉዳእትታት ዝበዝሑ ካብ ምልዓል፡ ምድፋእ፡ ምስሓብ ወይ ከኣ ምዕጻፍ (34%)፡ ምህራም ወይ ምቑራጽ ኣቕሓ (20%)፡ ምውዳቕን (13%) ተደጋጋሚ ብምንቅስቓስ (9%) ከምዝኾኑ የርእዩ። ገለ ስራሓት ካብ ካልኦት ዝለዓለ ሓደገኛታት’ዮም። ኣሃዛት 2013 ካብ ሴፍ ዎርክ ኣውስትራልያ ከምዘርእይዎ ዝለዓለ መጠን መጉዳእቲ ኣብ ናይ ጉልበት ሰራሕተኛታት፡ ሰራሕተኛታት መጓዓዝያን ነጋዶን ከምዘጋጥሙ የርእዩ። ሴፍ ዎርክ ኣውስትራልያ ንምምሕያሽ ስራሕ፡ ጥዕናን ድሕነትን መስርሓት/ስርርዓት ካሕሳ ንሰራሕተኛታትን ሃገራዊ ፖሊሲታት ኣውጺኡ/ኣማዕቢሉ። ተሓጋጋዚት ዳይረክተር ኣብ ፖሊሲታት ስትራተጂን ካሕሳን ዝኾነት ሄለን ራይተን ንኣስራሕቲ ድሕነት ዘለዎ ሃዋህው ናይ ስራሕ ንዘየቕርቡ ኣስራሕቲ መቕጻዕትታት ኣለው ትብል።
"ንሶም ብሓቂ/ብትኽክል ብሕጊ ክፍረዱ/ክሕተቱ ይኽእሉ’ዮም። ኣብ ኩለን ግዝኣታትን ምምሕዳራዊ ዶባትን ተቖጻጸርቲ ኣለው፡ ስሞም ከኣ ኣብ’ታ ዘለውዋ ግዝኣት ዎርክ ሰይፍ ወይ ከኣ ዎርክ ሀልዝ ኤንድ ሰይፍቲ ተባሂሎም ይጽውዑ። ሓደ ሰራሕተኛ እንተተጎዲኡ ወይ ነቶም ሰራሕተኛታቶም ደሞዞም እንተዘይከፊሎሞም ነቲ ኣስራሒ/ዘስርሖም ብሓቂ ናብ ቤት ፍርዲ ክወስድዎ ይኽእሉ’ዮም።”
ኣስራሕቲ ስልጠና ክህቡ’ውን ኣለዎም፡ ሰራሕተኛታት ድሕነቶም ተሓልዩ ዕዮኦም ከምዘካይዱ ንምርግጋጽ ግቡእ መሳርሒታትን ኣቕሑን ክህልዎም ኣለዎ።
"እዚ ኸኣ ነቲ ሰራሕተኛ ከመይ ኢሎም ስርሖም ድሕነቶም እናሓለው ከንምዘካይዱን ግቡእ መሳርሒታትን ኣቑሑን ከምዝህልዎም ምርግጋጽን ማለት ክኸውን ይኽእል’ዩ። ከም ተሪር ቆቡዕ፡ መነጽር ሽፋን ዓይኒ ወይ ናይ ስራሕ መነጽርን በጃ ኢድን ናይ ስራሕ ሳእንን ዝኣመሰሉ ነገራት ማለት’ዩ። ካልእ ኣስራሕቲ ክርስዕዎ ዘይግብኦምን ሰራሕተኛታት ከኣ ክፈልጥዎ ዘለዎምን ኣገዳሲ ነገር ሓደ እቲ ሕጊ ዝብለ ፍሉይ ናይ ስራሕ ክእለት ወይ ፈቓድ ወይ ልቸንሳ ዘድልዮ ስራሕ ንሓደ ሰራሕተኛ ስርሓዮ ክብልዎ የብሎምን፡ ዋላ መኪና ምዝዋር ጥራይ እንተኾነ። ዝያዳ ኣገዳሲ ከኣ ሓደገኛ ዝኾኑ መሳርሒታት ከም ክረይን ወይ ፎርክሊፍት ዝኣመሰሉ እቲ ሰብ ግቡእ ፈቓድ ወይ ላይሰንስ ወይ ልቸንሳ ምስዘይህልዎ።"
ኣስራሕቲ’ውን ገለ ሓላፍነታት ኣለዎም። ሰራሕተኛታት ዝኾነ መሳርሒ ክጥቀምሉ ዝግባእ ከመይ ብግቡእ ከምዝጥቀምሉ ምስዝንገሮም’ዩ፡ ግቡኣት ናይ ድሕነት መሳርሒታት ከይተወደዩ ወይ ብልክዕ ከይተጠቕምሉ፡ ኣቋራጭ መንገዲ ምውሳድ ወይ ኣብ መንጎ ስራሕ ተንቀሳቓሲ ተለፎን ወይ ሞባይል ምጥቃምን። እዚ ከም’ዚ’ሉ’ንከሎ ናይ ግዝኣት መምርሒ ጥዕናን ድሕነትን ስራሕ ገለ ክፋል ወይ ዓይነት ሰራሕተኛታት ኣብ ዝለዓለ ሓደጋ ዝርከቡ ጉጅለታት ክብል ኣለልይዎም። ሃገራዊ ዋና ጸሓፊ ክፍሊ ህንጻ ናይ ማሕበር ሰራሕተኛታት CFMEU ደይቭ ኑናን እቶም ብግዝያዊ ቪዛታት ዝናበሩ ወሲኽካ ኩሎም ሰራሕተኛታት ክዛረቡ ኣለዎም ይብል።
"እቲ ዝኸፍአ ከጋጥም ዝኽእል ንስኻ ትሰርሕን ድሕነት ዘይብሉ ይኸውን፡ ድሕሪኡ መጉዳእቲ ወይ ከኣ ሞት ኣብ ስራሕ የጋጥመካ። ካብ’ዚ ዝኸፍእ ውጽኢት ንስድራታት ከጋጥም ዝኽእል የለን። ብዙሓት ኣስራሕቲ ነቶም ብግዝያዊ መንበሪ ፈቓድ ወይ ቪዛ ዝመጹ የስርሕዎም፡ ጉዳዮም ክማጎቱ ወይ ክካትዑ ዝኽእልሉ ተኽእሎ ውሑድ ምዃኑ ስለዝፈልጡ፡ ግን እቲ ተሪር ሕጋዊ ኣቋም ሕግታት ድሕነት ኣብ ስራሕ ንኩሉ ሰብ ብማዕረ’ዮም ዝምልከቱ/ዘገልግሉ፡ እዚ’ዩ ኸኣ እቶም ሰራሕተኛታት ክጠልብዎ ዘለዎም፡ ካበየናይ ክፋል ናይ ዓለም ይምጽኡ ኣገዳሲ ኣይኮነን። ኣብ’ዚ ሃገር ድሕነት ኣብ ዘለዎ ክሰርሑ መሰል ኣለዎም። ድሕነት ኣብ ዘይብሉ ስራሕ ከኣ ምስራሕ ክኣብዩ ሕጋዊ መሰል ኣለዎም። ኣብ ነብሲ ወከፍ ግዝኣት ካብ ነዚ ዝቆጻጸር መንግስታዊ ኣካል ሓገዝ ክረኽቡ ይኽእሉ’ዮም። ኣብ መወዳእታ ከኣ ማሕበር ሰራሕተኛታት ንሰራሕተኛታት ክጣበቕ’ዩ ኣብ’ኡ ዘሎ።”
ደይቭ ኑናን ግዝያዊ ሰራሕተኛታት መብዛሕትኡ ግዜ ምዝመዛ፡ ምፍርራሕ ወይ ወን ድሕነት ዘይብሉ ተግባራት ኣብ ቦታ ስራሕ እንተልዩ ኣይጠርዑን ወይ ኣይዛረቡን’ዮም፡ ብሰንኪ ፍርሒ ናብ ሃገሮም ከይምለሱ ወይ ከይጥረዙ ይብል።
"እቲ ዘስርሓካ/ኣስራሒኻ ሱቕ ኢሉ ናብ ዓድኻ ክመልሰካ ኣይክእልን’ዩ። ኣብ ጉዳይ ጥዕናን ድሕነትን ቦታ ስራሕ ጥርዓን እንተሃልዩካ ወይ ካብ ግቡእ ንታሕቲ ደሞዝ እንተተኸፊልካ፡ ካብ ኣስራሒኻ ወይ ከኣ ካብ’ቲ ነዚ ዝቆጻጸር መንግስታዊ ኣካል ምኽሪ ወይ ሓበሬታ ክትረክብ መሰል ኣለካ። እቲ ኣስራሒ ሰባት ነዞም ሕቶታት ብምቕራቦም ናብ ዓዶም ክሰዶም ዝፍትን እንተሃልዩ ከኣ ሕጋዊ ኣይኮነን።”
ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ድሕነቱ ዝተሓለወ ስራሕ ኣብ ኣውስትራልያ ናብ መርበብ ሓበሬታ ሴፍ ዎርክ ኣውስትራልያ በዚ ብጽሑ፡ www.safeworkaustralia.gov.au
ብዓሰርተ ሓደ ቋንቋታት ዝተተርጎሙ መዛግብቲ ሓበሬታታት ከኣ ኣብ’ዚ ኣለው፡ http://www.safeworkaustralia.gov.au/sites/swa/about/publications/pages/working-safely-in-australia-information-sheet
ሓገዝ ቋንቋ እንተደሊኹም ኣግልግሎት ትርጉም ቃልን ጽሑፋትን ኢልኩም 131 450 ደውሉ፡ ደውልኩም ብነጻ ክትርጉምልኩም እዮም።
Share

