ክሳብ ዓንቀሮም ዝዓጠቑ ወተሃደራት ኣብ ማእከል ዋና ከተማ ዙምባብወ ኣብ ሃራረ ተዋፊሮም ይረኣዩ ኣለዉ። እቲ ንሃልኪ ፖለቲካ ወዲ 93 መራሒታ ሃገር ሮበርት ሙጋቤ ተጋውሕ ናይ መንግስቲ ማዕከን ዜና ZBC ኣብ ቁጽጽር እቶም ወተሃደራት ኣትዩ ኣሎ። ንጋዜጠኛታት ድማ ካብቲ ቦታ ክርሕቁ ኣዚዞም ኣለዉ። እዚ ዝመጽ እ ዘሎ ናይ ሙጋበ ሰልፊ ZANU-PF ዕልዋ መንግስቲ ክገብር ደሊዩ ዝብል ጥርጣረ ን ኣዛዚ ሰራዊት ዚምባብወ ‘ከዳዕ’ ኢሉ ምስወቐሶ እዩ።
ድሕርዚ ሰለስተ ከቢድ ድምጺ ተኹሲ ኣብ ማኣከል ሃራረ ተሰሚዑ፡፣ ዛጊት ብዛዕባ ናይ ሙጋበ መጻኢ እንታይ ከምዝኾነ እቶም ሰብ ሓይሊ ወተሃደራት ብጩቕ ኣይበሉን ዘለዉ፡፣ ዙምባብወ ነጻነታ ኣብ 1980 ካብ'ትረክብ ንደሓር ን37 ዓመታት ብሙጋበ እያ ክትምራሕ ጸኒሓ ዘላ። ስልጣኑ ናብ ካልእ ከስግር ዝተፈላለዩ ፖልቲካዊ ንጥፈታት እኳ እንተጸንሐ እቲ ብ እርጋን ቀይቀይ ዝብል ዘሎ ሙጋበ ዝንቕንቖ ከይተረኽበ ጸኒሑ ኣሎ። እሞ እዚ ወተሃደራዊ ዕልዋ ዝመስል ዝግበር ዘሎ ንጥፈት ንሙጋበ ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብቲ ሱር ዝሰደደ ስልጣኑ ይምሕዎዶ ይኸውን? ዙምባብወ ድሕሪ ሙጋበ እንታይ ክትከውን’ያ? ኣብ ሓጺር እዋን ዝምለስ ሕቶታት እዩ ዝመስል።

