SKIP TO MAIN CONTENT

ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምንቅቓስ ብዝሒ ሰራዊትን ኣጽዋርን ዘርኢ ናይ ሳተላይት ምስሊ

Capture1.JPG
Credit: Maxar

1 min read

Published

Source: SBS


Skip to article content

ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብዝርከቡ ከተማታት ምንቅስቓስ ምእካብ ብዝሒ ወተሃደራት ከምዘሎ ዘመላኽቱ ናይ ሳተላይት ምስሊ ከምተረኽበ ተፈሊጡ። አገልግሎት ዜና ሮይተርስ ባዕሉ ከረግግጾ ከምዘይከኣለ ብምግላጽ እቶም ናይ ሳተላይት ምስሊታት ብኽልቲኦም ወገናት ናይ ኲናት ምድላው ከምዘሎ ዘመላኽት ምዃኑ ተፈሊጡ ። ማክሳር ቴክኖሎጂ ዝተባህለ ኩባንያ ዝሓለፈ ሰኑይ ዝወሰዶ ምስሊ ከምዘመልክቶ ኣብ ሸራሮ-ትግራይ ሰራዊት፣ ወታደራዊ ተሽከርከርትን መዳፍዕን መሊኦም ኣለዉ። ካብ ከተማ ዛላንበሳ ማዕዶ ብወገን ኤርትራ ዘሎ ናይ ወታደራዊ ምትእኽኻብ ምንቅስቓስ ዘርኢ ምስሊ ዝተወስደ ዝሓለፈ ሰሙን እዩ። እቲ ምስሊ ኣብ ከባቢ ከተማ ዛላንበሳ ትርከብ ናይ ኤርትራ ከተማ ስርሐ ታንክታትን ከበድቲ መሳርሕን ምዂማሮም የመልክት። ከምዝፍለጥ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰበስልጣን ህወሓት ሓይሊታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብኹኡ ግምባራት መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ተኸፊቱና ክብሉ ኣፍሊጦም ኔሮም። ሮይተርስ ብዛዕባ እቲ ምስሊታት ሳተላይት ዝምልከት ንሰብ መዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከዘራርብ ዝፈተኖ ጻዕሪ ከምዘይሰመረሉ ጸብጺቡ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now