ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብዝርከቡ ከተማታት ምንቅስቓስ ምእካብ ብዝሒ ወተሃደራት ከምዘሎ ዘመላኽቱ ናይ ሳተላይት ምስሊ ከምተረኽበ ተፈሊጡ። አገልግሎት ዜና ሮይተርስ ባዕሉ ከረግግጾ ከምዘይከኣለ ብምግላጽ እቶም ናይ ሳተላይት ምስሊታት ብኽልቲኦም ወገናት ናይ ኲናት ምድላው ከምዘሎ ዘመላኽት ምዃኑ ተፈሊጡ ። ማክሳር ቴክኖሎጂ ዝተባህለ ኩባንያ ዝሓለፈ ሰኑይ ዝወሰዶ ምስሊ ከምዘመልክቶ ኣብ ሸራሮ-ትግራይ ሰራዊት፣ ወታደራዊ ተሽከርከርትን መዳፍዕን መሊኦም ኣለዉ። ካብ ከተማ ዛላንበሳ ማዕዶ ብወገን ኤርትራ ዘሎ ናይ ወታደራዊ ምትእኽኻብ ምንቅስቓስ ዘርኢ ምስሊ ዝተወስደ ዝሓለፈ ሰሙን እዩ። እቲ ምስሊ ኣብ ከባቢ ከተማ ዛላንበሳ ትርከብ ናይ ኤርትራ ከተማ ስርሐ ታንክታትን ከበድቲ መሳርሕን ምዂማሮም የመልክት። ከምዝፍለጥ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰበስልጣን ህወሓት ሓይሊታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብኹኡ ግምባራት መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ተኸፊቱና ክብሉ ኣፍሊጦም ኔሮም። ሮይተርስ ብዛዕባ እቲ ምስሊታት ሳተላይት ዝምልከት ንሰብ መዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከዘራርብ ዝፈተኖ ጻዕሪ ከምዘይሰመረሉ ጸብጺቡ።
ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምንቅቓስ ብዝሒ ሰራዊትን ኣጽዋርን ዘርኢ ናይ ሳተላይት ምስሊ
Credit: Maxar
Share
Published
Source: SBS
Share this with family and friends