ወኪል ዜና ሱዳን ዝኾነ ሱና ምርኩስ ጌሩ ሮይተርስ ሎሚ ኣብዝሃቦ ሓበሬታ ኣብ ዶብ ኢትዩ-ሱዳን ብሓሙስ ኣብ ዝተገብረ ወተሃደራዊ ግጭት ሓደ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሱዳን ከምዝተቐትለን ከምኡውን ብዙሓት ወተሃደራት ከምዝቖሰሉን ተገሊጹ።
ኣብ ምብራቓዊት ከተማ ናይ ሱድን ገዳርፍ “ወተሃደራት ኢትዮጵያ ዶብ ሰጊሮም ኣብ ናይ ሕርሻ ፕሮጀክትታት መጥቃዕቲ ፈጺሞምን ምስቶም ኣብ መዓስከር ባርካት ኖሪን ዝርከቡ ወተሃደራት ሱዳን ተታዂሶም” ክብል ሮይተርስ ን ወኪል ዜና ሱና ጠቒሱ ጸብጺቡ።
ወተሃደራዊ ወሃቢ ቓል ሱዳን “ብ ኢትዮጵያ ዝድገፉ” ዝበሎም ሚሊሻታት ብዙሓት ወተሃደራት ከምዝቐተሉን ከምዘቑሰሉን ምግላጹ እቲ ዜና ሓቢሩ።
Share

