ኣብ እስራኤል ግዱድ ዉትህድርና ብኸመይ እዩ ዝካየድ።

ኣብዚ ናይ ሕጂ ግጭት እስራኤል ልዕሊ 3 ሚኢታዊት ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝባ ኣብቲ ዝካየድ ኲናት ንምስታፍ ናብ ምክልኻል ሓይላ ዝተጸዉዑ ኮይኖም ገለ እስራኤላዊያን ኣውስትራሊያዊያን ድማ ኣብ መንጎኦም ክህልዉ ይኽእሉ ።

ደቂ ኣንስትዮ ወተሃደራት ወተሃደራዊ ክዳን ለቢሰን ጠበንጃ ሒዘን ይረኣያ።

ብዙሓት እስራኤላውያን ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ከገልግሉ ይግደዱ እዮም ፡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ሃገራዊ ኣገልግሎቶም ንምፍጻም ክልተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዓመታት ኣብ ዉትህድርና ይጸንሑ። Source: Getty / Joel Carillet

እስራኤል ምስ ሓማስ ኣብ እተካይዶ ዘላ ውግእ ፡ ን350,000 ዕቑር ሰራዊት ንምክልኻል እታ ሃገር ንምሕጋዝ ጸዊዓ ኣላ ።

ትሕቲ 10 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ዘለዋ ሃገር ፡ እዚ ብዝሒ ልዕሊ 3 ካብ ሚእቲ ካብ ህዝባ እዩ ዝኸውን ዘሎ ።

እታ ሃገር ፡ ክሳብ ክንድዚ ብዝሒ ህዝባ ኣብ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ምእንቲ ክሳተፍ ፡ ከመይ ገይራ እያ እትመሓደሩ ?

ኣብ እስራኤል ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ንመንእሰያት ግዱድ እዩ።

ወተሃደራዊ ክዳን ኣብ መኽዘን
ነቶም ብኣማእታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ኣባላት ዕቑር ሰራዊት እስራኤላውያን ብዙሕ ቀረብን ሎጂስቲክስን እዩ ዘድልዮም። Source: Supplied / Israel Defense Forces

እቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት እስራኤል ሓማስ

ዛጊቲ በዚ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት ኣብ ጋዛን እስራኤልን ልዕሊ 2,200 ዝዀኑ ሰባት ተቐቲሎም እዮም ፣ ድሕሪ እቲ ኣብ 7 ጥቅምቲ ዘጋጠመ ካብ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ጕጅለ ሓማስ መጥቃዕቲ ጋዛ ናብ እስራኤል፡ እቲ ወጥሪ እናወሰኸዩ ዝኸይድ ዘሎ ።

ወተሃደራት ሓማስ በቲ ኣብ እስራኤል ን50 ዓመት ዝቐጸለ ምስሕሓብ ዝኸፍአ መዓልቲ ዝተባህለሉ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን መጥቃዕቲ ሰብኡት: ኣንስትን ቈልዑን ጅሆ ተታሒዞም ኣለዉ ።

እስራኤል ሕነ ምእንቲ ኽትፈዲ ፡ ንሓማስ ከም ተጥፍኦ ተመባጺዓ ኣላ ፣ ነበርቲ እቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እቲ መትረብ ጋዛ ዝርከብ ቦታ ድማ ብቕልጡፍ ናብ ደቡብ ገጾም ክግዕዙ ኣዚዛ ኣላ ።

ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ብቐዳም ዘውጽእዎ መግለጺ ፡ "ኣብዚ እዋን እዚ ፡ ሓይልታት እስራኤል ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣባላት ዕቑር ሰራዊት ብምጽዋዕ ፡ ብ ኣጋር መጥቃዕቲ ንምፍናው እተፈላለየ መደባት ንምትግባር ተዳልያ ኣላ" ይብል ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሲድኒ ናይ ሰላምን ግጭትን መምህር ዝዀነ ኤያል ማይሮዝ ከም ዝሓበሮ 350,000 እስራኤላውያን ካብ 7 ጥቅምቲ ኣትሒዞም ንሃገሮም ኸገልግሉ ጻውዒት ቀሪቡሎም ነይሩ እዩ ።

"ምስቶም 150,000 [ኣባላት ናይቲ ስሩዕ ሰራዊት] ፡ ብዝሒ ሰራዊት እስራኤል ብቕጽበት ናብ ፍርቂ ሚልዮን ወተሃደራት ቀዪሩ ኣሎ" በለ ።

ሲቪልዋያን ናብ ወተሃደራት ምቕያር

እስራኤላውያን ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ምስ ዛዘሙ መብዛሕትኦም ኣብ ናይ ሃገር መከላኸሊ ሓይልታት ንኽልተ ወይ ሰለስተ ዓመታት ኸገልግሉ ኣለዎም ።

ማዮሮዝ ከምዝብሎ፡ ዜጋታት ዓረብን ካልኦትን ነቲ ኣገልግሎት ከይዛዘሙ ናጻ እኳ እንተ ኰኑ ፡ መብዛሕትኦም መንእሰያት ግና ካብ ግዜኦም ኣብዚ ኣገልግሎት ኽውፍዩ ኣለዎም ።

ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል (IDF) ኣብ ቅድሚ ባንዴራታት እስራኤል
The mobilisation of about 350,000 reservists will boost the IDF's numbers to about half a million. Source: Getty / joseh51camera

ንሱ፡ ሰባት ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ክምደቡ ወይ ክመርጹ ከም ዝኽእሉ ተዛረበ: እንተዀነ ግን ኵሎም ኣብቲ ናይ ፈለማ ወተሃደራዊ መሰረታዊ ስልጠና ኽካፈሉኣለዎም ።

ብመሰረት ምክልኻል እስራኤል እዚ መሰረታዊ ስልጠና እዩ "ንሰላማውያን ሰባት ናብ ወተሃደራት ዝቕይር" ።

ብመሰረት እቲ ወብሳይቱ ፡ እቲ መሰረታዊ ስልጠና ንኣስታት ኣርባዕተ ወርሒ ዝቕጽል ኰይኑ ፡ ተሳተፍቲ "ንመትከልን ንመሰልን ውትህድርና ፡ እንተላይ ንልምድን ንወተሃደራዊ ዲሲፕሊን ፡ ንኣካላዊ ስልጠና ፡ ንሰሙናት ኣብ በረኻታት ምጽናሕ ፡ ናይ ኣጽዋር ስልጠና ፡ ምትኳስ ፡ ከምኡውን ንመትከላት ምክልኻል. ይመሃሩ ።"

እቲ ስልጠና ምስ ተዛዘመ ከኣ ፡ ብወግዒ ኣባላት ሰራዊት ይኰኑ ።

ኣብ ሓይልታት ምክልኻል (IDF) ዝህሉ ዕማም

ካብኡ ንደሓር እቶም ሓደስቲ ምልሙላትት ኣብ ሓደ ብርጌድ ይምደቡ ።

"ካብ ቃልሲ ክሳብ ስለያ ክሳብ ሞያ ሕክምና ፡ መራሕቲ ማካይን ፡ ከሸንቲ ፡ኣመሃደርትን ኮይኖም ይሰርሑ" በለ ።

መርበብ ሓበሬታ IDF ፡ ዝተፈላለዩ ወተሃደራት ናይ "ቲ ኣሃዱ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ፡ ገለ ካብኡ ድማ ኣብ ኣሃዱ ታንከኛ ብፍሉይ ምስ ዝሰልጠኑ ኣኽላባት ምስራሕ ፡ ኣብ ፍሉይ ከባቢ ኣብ ረፒንጂን ወይ ኣብ ትሕቲ ባሕሪ ምስ ዝነጥፉ ኣሃዱታት ውግእ ወይ ኣብ ትሕቲ ባሕሪ ምስ ዝነጥፉ ናይ ጠቕላሊ ስታፍ ፍሉይ ኣሃዱን ይምደቡ ።

ተባዕትዮ እንተወሓደ ን32 ኣዋርሕ ዝኣክል ኣብ IDF ኸገልግሉ ኣለዎም ፡ ደቂ ኣንስትዮ ግን ንኽልተ ዓመት ኣገልግሎት ክህባ ጥራይ እዩ ዝግበአን ፡ ንዝጠነሳ ፡ ንዝወለዳ ወይ ንዝተመርዓዋ ድማ ናጻ ይኾና ።

ብዙሓት እስራኤላዊያን ኣብቲ ኣገልግሎት ንብዙሕ ዓመታት ይጸንሑ

ብዙሓት እስራኤላውያን ወተሃደራዊ ኣገልግሎቶም ምስ ዛዘሙ ፡ ከም ዕቑር ሰራዊት ኮይኖም እዮም ዝጸንሑ ፣ እዚ ማለት ከኣ ፡ ኣብ ገሊኡ እዋናት ንስልጠና ተመሊሶም ንኽእለቶም ኣገዳሲ ከም ዝዀነን ኣብ ህጹጽ ኵነታት ኸገልግሉ ይጽውዑ ።

ማዮሮዝ ከምዝሓበሮ፡ ሓደ ሰብ ኣብ IDF. ዘለዎ ዓይነትን ካልእ ምስ ህይወቱ ዝተተሓሓዘ ረቛሒታት ኣብ ግምት ብምእታው ፡ እስራኤላውያን ዜጋታት ናይ ፈለማ ኣገልግሎቶም ምስ ዛዘሙ ንልዕሊ ዕስራ ዓመት ከም ዕቑር ሰራዊት ኮይኖም ይጸንሑ ።

A young man in camouflage military gear standing somewhere dark, with a light cast directly on him.
Despite studying in Australia, Baruch decided to return to Israel to bolster his country's defence forces. Source: SBS

Share

3 min read

Published

By Aleisha Orr

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis

Source: SBS




Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now