ኣብ እስራኤል ግዱድ ዉትህድርና ብኸመይ እዩ ዝካየድ።

ኣብዚ ናይ ሕጂ ግጭት እስራኤል ልዕሊ 3 ሚኢታዊት ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝባ ኣብቲ ዝካየድ ኲናት ንምስታፍ ናብ ምክልኻል ሓይላ ዝተጸዉዑ ኮይኖም ገለ እስራኤላዊያን ኣውስትራሊያዊያን ድማ ኣብ መንጎኦም ክህልዉ ይኽእሉ ።

ደቂ ኣንስትዮ ወተሃደራት ወተሃደራዊ ክዳን ለቢሰን ጠበንጃ ሒዘን ይረኣያ።

ብዙሓት እስራኤላውያን ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ከገልግሉ ይግደዱ እዮም ፡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ሃገራዊ ኣገልግሎቶም ንምፍጻም ክልተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዓመታት ኣብ ዉትህድርና ይጸንሑ። Source: Getty / Joel Carillet

እስራኤል ምስ ሓማስ ኣብ እተካይዶ ዘላ ውግእ ፡ ን350,000 ዕቑር ሰራዊት ንምክልኻል እታ ሃገር ንምሕጋዝ ጸዊዓ ኣላ ።
ትሕቲ 10 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ዘለዋ ሃገር ፡ እዚ ብዝሒ ልዕሊ 3 ካብ ሚእቲ ካብ ህዝባ እዩ ዝኸውን ዘሎ ።
እታ ሃገር ፡ ክሳብ ክንድዚ ብዝሒ ህዝባ ኣብ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ምእንቲ ክሳተፍ ፡ ከመይ ገይራ እያ እትመሓደሩ ?
ኣብ እስራኤል ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ንመንእሰያት ግዱድ እዩ።
ወተሃደራዊ ክዳን ኣብ መኽዘን
ነቶም ብኣማእታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ኣባላት ዕቑር ሰራዊት እስራኤላውያን ብዙሕ ቀረብን ሎጂስቲክስን እዩ ዘድልዮም። Source: Supplied / Israel Defense Forces

እቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት እስራኤል ሓማስ

ዛጊቲ በዚ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት ኣብ ጋዛን እስራኤልን ልዕሊ 2,200 ዝዀኑ ሰባት ተቐቲሎም እዮም ፣ ድሕሪ እቲ ኣብ 7 ጥቅምቲ ዘጋጠመ ካብ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ጕጅለ ሓማስ መጥቃዕቲ ጋዛ ናብ እስራኤል፡ እቲ ወጥሪ እናወሰኸዩ ዝኸይድ ዘሎ ።

ወተሃደራት ሓማስ በቲ ኣብ እስራኤል ን50 ዓመት ዝቐጸለ ምስሕሓብ ዝኸፍአ መዓልቲ ዝተባህለሉ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን መጥቃዕቲ ሰብኡት: ኣንስትን ቈልዑን ጅሆ ተታሒዞም ኣለዉ ።
እስራኤል ሕነ ምእንቲ ኽትፈዲ ፡ ንሓማስ ከም ተጥፍኦ ተመባጺዓ ኣላ ፣ ነበርቲ እቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እቲ መትረብ ጋዛ ዝርከብ ቦታ ድማ ብቕልጡፍ ናብ ደቡብ ገጾም ክግዕዙ ኣዚዛ ኣላ ።

ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ብቐዳም ዘውጽእዎ መግለጺ ፡ "ኣብዚ እዋን እዚ ፡ ሓይልታት እስራኤል ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣባላት ዕቑር ሰራዊት ብምጽዋዕ ፡ ብ ኣጋር መጥቃዕቲ ንምፍናው እተፈላለየ መደባት ንምትግባር ተዳልያ ኣላ" ይብል ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሲድኒ ናይ ሰላምን ግጭትን መምህር ዝዀነ ኤያል ማይሮዝ ከም ዝሓበሮ 350,000 እስራኤላውያን ካብ 7 ጥቅምቲ ኣትሒዞም ንሃገሮም ኸገልግሉ ጻውዒት ቀሪቡሎም ነይሩ እዩ ።

"ምስቶም 150,000 [ኣባላት ናይቲ ስሩዕ ሰራዊት] ፡ ብዝሒ ሰራዊት እስራኤል ብቕጽበት ናብ ፍርቂ ሚልዮን ወተሃደራት ቀዪሩ ኣሎ" በለ ።

ሲቪልዋያን ናብ ወተሃደራት ምቕያር

እስራኤላውያን ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ምስ ዛዘሙ መብዛሕትኦም ኣብ ናይ ሃገር መከላኸሊ ሓይልታት ንኽልተ ወይ ሰለስተ ዓመታት ኸገልግሉ ኣለዎም ።
ማዮሮዝ ከምዝብሎ፡ ዜጋታት ዓረብን ካልኦትን ነቲ ኣገልግሎት ከይዛዘሙ ናጻ እኳ እንተ ኰኑ ፡ መብዛሕትኦም መንእሰያት ግና ካብ ግዜኦም ኣብዚ ኣገልግሎት ኽውፍዩ ኣለዎም ።
ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል (IDF) ኣብ ቅድሚ ባንዴራታት እስራኤል
The mobilisation of about 350,000 reservists will boost the IDF's numbers to about half a million. Source: Getty / joseh51camera
ንሱ፡ ሰባት ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ክምደቡ ወይ ክመርጹ ከም ዝኽእሉ ተዛረበ: እንተዀነ ግን ኵሎም ኣብቲ ናይ ፈለማ ወተሃደራዊ መሰረታዊ ስልጠና ኽካፈሉኣለዎም ።
ብመሰረት ምክልኻል እስራኤል እዚ መሰረታዊ ስልጠና እዩ "ንሰላማውያን ሰባት ናብ ወተሃደራት ዝቕይር" ።
ብመሰረት እቲ ወብሳይቱ ፡ እቲ መሰረታዊ ስልጠና ንኣስታት ኣርባዕተ ወርሒ ዝቕጽል ኰይኑ ፡ ተሳተፍቲ "ንመትከልን ንመሰልን ውትህድርና ፡ እንተላይ ንልምድን ንወተሃደራዊ ዲሲፕሊን ፡ ንኣካላዊ ስልጠና ፡ ንሰሙናት ኣብ በረኻታት ምጽናሕ ፡ ናይ ኣጽዋር ስልጠና ፡ ምትኳስ ፡ ከምኡውን ንመትከላት ምክልኻል. ይመሃሩ ።"
እቲ ስልጠና ምስ ተዛዘመ ከኣ ፡ ብወግዒ ኣባላት ሰራዊት ይኰኑ ።

ኣብ ሓይልታት ምክልኻል (IDF) ዝህሉ ዕማም

ካብኡ ንደሓር እቶም ሓደስቲ ምልሙላትት ኣብ ሓደ ብርጌድ ይምደቡ ።
"ካብ ቃልሲ ክሳብ ስለያ ክሳብ ሞያ ሕክምና ፡ መራሕቲ ማካይን ፡ ከሸንቲ ፡ኣመሃደርትን ኮይኖም ይሰርሑ" በለ ።

መርበብ ሓበሬታ IDF ፡ ዝተፈላለዩ ወተሃደራት ናይ "ቲ ኣሃዱ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ፡ ገለ ካብኡ ድማ ኣብ ኣሃዱ ታንከኛ ብፍሉይ ምስ ዝሰልጠኑ ኣኽላባት ምስራሕ ፡ ኣብ ፍሉይ ከባቢ ኣብ ረፒንጂን ወይ ኣብ ትሕቲ ባሕሪ ምስ ዝነጥፉ ኣሃዱታት ውግእ ወይ ኣብ ትሕቲ ባሕሪ ምስ ዝነጥፉ ናይ ጠቕላሊ ስታፍ ፍሉይ ኣሃዱን ይምደቡ ።
ተባዕትዮ እንተወሓደ ን32 ኣዋርሕ ዝኣክል ኣብ IDF ኸገልግሉ ኣለዎም ፡ ደቂ ኣንስትዮ ግን ንኽልተ ዓመት ኣገልግሎት ክህባ ጥራይ እዩ ዝግበአን ፡ ንዝጠነሳ ፡ ንዝወለዳ ወይ ንዝተመርዓዋ ድማ ናጻ ይኾና ።

ብዙሓት እስራኤላዊያን ኣብቲ ኣገልግሎት ንብዙሕ ዓመታት ይጸንሑ

ብዙሓት እስራኤላውያን ወተሃደራዊ ኣገልግሎቶም ምስ ዛዘሙ ፡ ከም ዕቑር ሰራዊት ኮይኖም እዮም ዝጸንሑ ፣ እዚ ማለት ከኣ ፡ ኣብ ገሊኡ እዋናት ንስልጠና ተመሊሶም ንኽእለቶም ኣገዳሲ ከም ዝዀነን ኣብ ህጹጽ ኵነታት ኸገልግሉ ይጽውዑ ።
ማዮሮዝ ከምዝሓበሮ፡ ሓደ ሰብ ኣብ IDF. ዘለዎ ዓይነትን ካልእ ምስ ህይወቱ ዝተተሓሓዘ ረቛሒታት ኣብ ግምት ብምእታው ፡ እስራኤላውያን ዜጋታት ናይ ፈለማ ኣገልግሎቶም ምስ ዛዘሙ ንልዕሊ ዕስራ ዓመት ከም ዕቑር ሰራዊት ኮይኖም ይጸንሑ ።

A young man in camouflage military gear standing somewhere dark, with a light cast directly on him.
Despite studying in Australia, Baruch decided to return to Israel to bolster his country's defence forces. Source: SBS

Share

Published

By Aleisha Orr
Presented by Beyene Semere Weldegiorgis
Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service