SKIP TO MAIN CONTENT

ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ተኣሲሩ

እዚ ማኣሰርቲ ናይ ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ዝመጽእ ዘሎ፡ ፕረሲደንት ኢሳያስ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብቲ ንህዝቢ ቅሉዕ ዘይኮነ ስምምዕ ተፈራሪሙ ካብ ጂዳ ናብ ኣስመራ ኣብ ዝምለሰሉ ዘሎ እዋን እዩ።

News
Source: SBS Tigrinya

1 min read

Published


Skip to article content

ኣብዚ ቅንያት ኣብ ዉሽጢ ኣስመራ ኮይኑ ንመንግስቲ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ንፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝወቅስ ክልተ ክፋል ዘልዎ መጻሕፍቲ ኣሕቲሙ፡ እቲ ዝተሓትመ መጻሕፍቲ ኣብ ወጻኢ ክሽየጥ ድሕሪ ምቕናይ፡ ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ፡ ትማሊ ሚሸት ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ምንጪታት ይገልጹ ኣለዉ። ሚኒስተር ብርሃነ ኣብርሀ ብዘይካ እቲ ንፕረሲደንት ኢሳያስ ዝወቅስ ዝጸሓፎ ጽሑፋት፣ ብድምጺ ተቐዲሑ ኣብ ማሕበራዊ መዲያታት ተዘርጊሑ ዝቐነየ ንኣቶ ኢሳያስን ህዝቢ ኤርትራን ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ባይቶ ኤርትራ ክእከብን ፕረሲደንት ኢሳያስ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ ባይቶ መራሒ ሃገር ክመርጽን ዝጠልብ ትሕዝቶ ዘለዎ እዩ።

ከም ኣብ ዝሓለፉ ኣብ ኤርትራ ዝተራእየ ኮነታት፡ ማለት ንመንግስቲ ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ ዝተቓወመ ናይ መወዳእታ ዕጫኡ ኣብ ቤት ማኣሰርቲ እዩ ዝማስን፡ ናይ ኣቶ ብርሃነ ዕጫውን ከምኡ ከምዝኸውን ብዙሓት ክጽበይዎ ዝቐነዩ ጉዳይ እዩ። እዚ  ማኣሰርቲ ናይ ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ዝመጽእ ዘሎ፡ ፕረሲደንት ኢሳያስ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብቲ ንህዝቢ ቅሉዕ ዘይኮነ ስምምዕ ተፈራሪሙ ካብ ጂዳ  ናብ ኣስመራ ኣብ ዝምለሰሉ ዘሎ እዋን እዩ።

በዓልቲ ቤቱ ንኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ንኣዋርሕ ኣብ ቤት ማኣሰርቲ ከምዘላ ይፍለጥ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now