ብዝሒ ናብ ኣውስትራሊያ ዝመጹ ስደተኛታት ክጎድል ኣለዎ እንተኾነ ንብዙሕ ዓመታት ዝዳሎ ዉሱን ብዝሒ ዕላማ ሓጋዚ ኣይኮነን ክብል ናይ ኢሚግሬሽን ሚኒስተር ገሊጹ ።
ቶኒ ቡርክ ከምዝብሎ፡ እቲ ምእታው ብዝሒ ፍልሰት ብቐጻሊ ይጎድል ከምዘሎን ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሕሉ ካብዝነበረ ብ40 ሚኢታዊት ትሕቲኡ ከምዝኾነን ተዛሪቡ ።
ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ንኣርባዕተ ዓመት ዝዓለመ ብዝሒ ምእታው ስደተኛታት ናይ ምፍጻም መደብ ከም ዘለዎ እኳ እንተገለጸ ፡ ሚስተር በርክ ግን እዚ ቅኑዕ ኣገባብ ከም ዘይኰነ ሓቢሩ ።
ሚስተር በርክ ብሰንበት ን ABC ከምዝገለጾ፡
"ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ንመጻኢ ክንድዚ ኢና ከነምጽእ ፈጺመ ከምኡ ኽስምዓና ኣይደልን እየ ፣ ኣውስትራሊያ ኣብ እዋኑ እንታይ ከም ዘድልያ ብልክዕ ክንጥቀመሉ ዘድልየና ተዓጻጻፍነት እውን ይስእነና እዩ ።"
ኣብ ወርሒ መስከረም ፡ ፌደራላዊ መንግስቲ 185,000 ቀዋሚ መንበሪ ቪዛታት ከም ዝወሃብ ኣፍሊጡ ፡ እዚ ድማ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ፋይናንሲያዊ ዓመት ኣይተለወጠን ።
ሚስተር በርክ ሓፈሻዊ መጠን ፍልሰት ፡ ምስቲ እታ ሃገር ዘድልያ ነገር ዝሳነ እዩ ክኸውን እዩ ዘለዎ ።
"እዚ እንጽበዮ ዘለና ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከብ ብዝሒ ስደት ፡ ቀጻሊ ክጎድል እዩ ፡ እዚ ድማ ድሕሪ ለበዳ ናብ ግቡእ ደረጃ የብጽሓና ኣሎ" ኢሉ ።
ኣፈኛ ሰልፊ ተቓዋሚ ሚኒስትሪ ጕዳያት ዉሽጢ ጆናተን ዱንናም ፡ መንግስቲ ኣብ መጻኢ ዝህሉ መጠን ፍልሰት እንታይ ከም ዝመስል ኣገባብ ከውጽእ ኣለዎ ክብል ዘለዎ ገሊጹ ኣሎ ።
ጸረ ስደትን ንዕኡ ዝቃውን ሰልፍታት ኣብ መላእ ሃገር ይካየድ፡
ብሰንበት ኣንጻር ስደተኛታት ዝቐንዐ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ነቲ ሰልፊ ዝቃወሙ ድማ ኣብ መላእ ሃገር ሰላማዊ ሰልፊ ኣኣካይዶም ።
ኣንጻር ዓሊታውነት (Unite Against Racism) ፡ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ክኣትዉ ድልየትና እዩ ብዝብል ቴማ ኣብ ሲድኒ ፡ መልበርን ፡ ካንበራ ፡ ብሪዝቤን ፡ ፐርዝን ኣደላይን ሰልፍታት ተኻይዶም ።
ኣወሃሃድቲ ከምዝገለጽዎ፡ ኣብ መብዛሕትኡ ርእሰ-ከተማታት ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ዝተኻየደ ናይ ኣውስትራልያ ሰላማዊ ሰልፍታት ፡ ዓሌታውያን ናዚታት ዝተሃወስዎ ሰልፍታትውን ተኻይዶም እዮም ።