ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ኣንጻር ስደተኛታት ዝዓለመ ሰልፊ ይግበር፡ ሚኒስተር ስክፍታኡ ይገልጽ።

ኣንጻር ስደተኛታት ዝቐንዐን ኣንጻሩ ዝዓለመ ሰልፍታት ብሰንበት ኣብ መላእ ሃገር ተኻይዱ ።

A combination picture of people protesting holding a sign "Stop immigration" on the left and a man in a suit on the right.

Anti-immigration March for Australia rallies are being held in most capital cities. Source: AAP / Joel Carrett / Mick Tsikas

ብዝሒ ናብ ኣውስትራሊያ ዝመጹ ስደተኛታት ክጎድል ኣለዎ እንተኾነ ንብዙሕ ዓመታት ዝዳሎ ዉሱን ብዝሒ ዕላማ ሓጋዚ ኣይኮነን ክብል ናይ ኢሚግሬሽን ሚኒስተር ገሊጹ ።
ቶኒ ቡርክ ከምዝብሎ፡ እቲ ምእታው ብዝሒ ፍልሰት ብቐጻሊ ይጎድል ከምዘሎን ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሕሉ ካብዝነበረ ብ40 ሚኢታዊት ትሕቲኡ ከምዝኾነን ተዛሪቡ ።
ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ንኣርባዕተ ዓመት ዝዓለመ ብዝሒ ምእታው ስደተኛታት ናይ ምፍጻም መደብ ከም ዘለዎ እኳ እንተገለጸ ፡ ሚስተር በርክ ግን እዚ ቅኑዕ ኣገባብ ከም ዘይኰነ ሓቢሩ ።
ሚስተር በርክ ብሰንበት ን ABC ከምዝገለጾ፡
"ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ንመጻኢ ክንድዚ ኢና ከነምጽእ ፈጺመ ከምኡ ኽስምዓና ኣይደልን እየ ፣ ኣውስትራሊያ ኣብ እዋኑ እንታይ ከም ዘድልያ ብልክዕ ክንጥቀመሉ ዘድልየና ተዓጻጻፍነት እውን ይስእነና እዩ ።"

ኣብ ወርሒ መስከረም ፡ ፌደራላዊ መንግስቲ 185,000 ቀዋሚ መንበሪ ቪዛታት ከም ዝወሃብ ኣፍሊጡ ፡ እዚ ድማ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ፋይናንሲያዊ ዓመት ኣይተለወጠን ።
ሚስተር በርክ ሓፈሻዊ መጠን ፍልሰት ፡ ምስቲ እታ ሃገር ዘድልያ ነገር ዝሳነ እዩ ክኸውን እዩ ዘለዎ ።
"እዚ እንጽበዮ ዘለና ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከብ ብዝሒ ስደት ፡ ቀጻሊ ክጎድል እዩ ፡ እዚ ድማ ድሕሪ ለበዳ ናብ ግቡእ ደረጃ የብጽሓና ኣሎ" ኢሉ ።
ኣፈኛ ሰልፊ ተቓዋሚ ሚኒስትሪ ጕዳያት ዉሽጢ ጆናተን ዱንናም ፡ መንግስቲ ኣብ መጻኢ ዝህሉ መጠን ፍልሰት እንታይ ከም ዝመስል ኣገባብ ከውጽእ ኣለዎ ክብል ዘለዎ ገሊጹ ኣሎ ።

ጸረ ስደትን ንዕኡ ዝቃውን ሰልፍታት ኣብ መላእ ሃገር ይካየድ፡

ብሰንበት ኣንጻር ስደተኛታት ዝቐንዐ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ነቲ ሰልፊ ዝቃወሙ ድማ ኣብ መላእ ሃገር ሰላማዊ ሰልፊ ኣኣካይዶም ።
ኣንጻር ዓሊታውነት (Unite Against Racism) ፡ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ክኣትዉ ድልየትና እዩ ብዝብል ቴማ ኣብ ሲድኒ ፡ መልበርን ፡ ካንበራ ፡ ብሪዝቤን ፡ ፐርዝን ኣደላይን ሰልፍታት ተኻይዶም ።
ኣወሃሃድቲ ከምዝገለጽዎ፡ ኣብ መብዛሕትኡ ርእሰ-ከተማታት ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ዝተኻየደ ናይ ኣውስትራልያ ሰላማዊ ሰልፍታት ፡ ዓሌታውያን ናዚታት ዝተሃወስዎ ሰልፍታትውን ተኻይዶም እዮም ።

Share

Published

Source: AAP

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ኣንጻር ስደተኛታት ዝዓለመ ሰልፊ ይግበር፡ ሚኒስተር ስክፍታኡ ይገልጽ። | SBS Tigrinya