ራብዓይ መዓልቲ ሻምፒዮና ቅድድም ብሽግለታ መንገዲ ኣፍሪቃ፡ ኤርትራ ሓደ መዳልያ ወርቅን ክልተ ብሩርን ወሲኻ

ኤርትራ ብመንገዲ ዮኤል ሃብተኣብ ሻምፒዮን መንእሰያት ቅድድም ብሽግለታ መንገዲ ኣፍሪቃ 2022 ኮይና።

Eritrean riders finishing first and second

Source: Twitter

ራብዓይ መዓልቲ ናይ’ቲ ኣብ ሻርም ኤል ሸይኽ፣ ምስሪ፣ ዝካየድ ዘሎ ሻምፒዮና ቅድድም ብሽግለታ መንገዲ ኣፍሪቃ 2022 ክልተ ቅድድማት መንገዲ ናይ መንእሰያት ወይ ጁኒየር ክልቲኡ ጾታታት ብምክያድ ተጠናቒቑ።

ፈለማ ብወገን ደቀንስትዮ 64.2 ኪሜ ርሕቀት ዝሸፈነ ቅድድም መንገዲ ተኻይዱ ደቡብ ኣፍሪቃ ብመንገዲ ከይትሊን ቶምሰን ተዓዋቲት ብምዃን ወርቂ መዳልያ ክትዓትር እንከላ ሞውሪሸስ ከኣ ብመንገዲ ኡዌራ ኤይሊን ንኤርትራ ተኸቲላ ሳልሳይ ብምውጻእ ነሓስ መዳልያ ክትስለም ክኢላ።

ኤርትራዊት ሮምና ጉዕሽ ካልኣይቲ ወጺኣ ብሩር መዳልያ ብምዕታር ምረሻ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣብ ምሕፋስ መዳልያታት ከምዝቕጽል ጌራቶ’ላ።

ደቂተባዕትዮ መንእሰያት ብወገኖም 85.8 ኪሜ ዝርሕቀቱ ውድድር ድሕሪ ምሽፋን ዮኤል ሃብተኣብን ኣኽሊሉ ኣረፈን ተመራሪሖም ቀዳማይን ካልኣይን ብምውጻእ መዳልያታት ወርቅን ብሩርን ንሃገሮም ኣምጺኦም። ሞውሪሸስ እታ ዝተረፈት ቦታ ፖድየም ብምውሳድ ነሓስ መዳልያ ዓቲራ።

እቲ ውራይ ሰንበት ቅድሚ ምጥንቓቑ ኤርትራ ብሽዱሽተ መዳልያታት ወርቂ፣ ሽዱሽተ መዳልያታት ብሩርን ክልተ መዳልያታት ነሓስን ኣብ ሰንጠረዥ ብዝሒ መዳልያታት መሪሕነት ሒዛ ተቐሚጣ’ላ።


Share

Published


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service