በዝሒ ዝተቐትሉ ብወገን መንግስቲ ዝተነጸረ እኳ እንተዘይዀነ ፤ ልዕሊ 10 ሰባት፣ ልዕሊ 5 መሳጊድን ቁጽሮም ዘይተነጸረ ገዛውትን ኣብያተ ንግድን ከም ዝዓነውን ተሸከርከርቲ ከም ዝተቓጸላን ካብቲ ቦታ ዝወጸ ሓበሬታታት ኣረዲኦም።
መንግስቲ ክልል ኣምሓራ በቶም ዝሞቱ፣ ኣካሎም ዝጎደለ ሰባትን ዝዓነወ ንብረትን ከም ዝሓዘነ ብምግላጽ ንስድራ ግዳያት ጽንዓት ተመንዩ።
ኣስዒቡ ድማ ነቲ ገበን ብምፍጻምን ብምትሕብባርን ዝጥርጠሩ ኣካላት ናብ ሕጊ ንምቕራብ ይሰርሕ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።
መንቀሊ ናይቲ ሃይማኖታዊ መልክዕ ዝሓዘ ጎንጺ ንቀብሪ ዝኸውን እምኒ ከም ዝኾነ እቲ እቲ መግለጺ ሓቢሩ።
ስነስርዓት ቀብሪ ነባራይ ከተማ ጎንደር ዝነበሩ ሸኽ ከማል ለጋስ ኣብ ሓደ ምስ ቤተክርስቲያን ዝጎራበት መካነ መቓብር ሙስሊም ይካየድ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከም ዝኾነ ዝሕብር እቲ መግለጺ፤ ነቲ ቀብሪ ዝኸውን እምኒ ከልዕሉ ዝፈተኑን "ናይ ቤተክርስትያን 'ዩ።"ኣይተልዕሉን ኢሎም ዝተቓወሙን ውልቀሰባት ዘበገስዎ ከም ዝኾነ ገሊጹ።
ኣብዚ ጉዳይ ተደሪኾም መብርሂ ዝሃቡ ሓላፊ ቢሮ ጸጥታን ሰላምን ክልል ኣምሓራ ኣቶ ደሳለኝ ጣሰው ኣብ ሞንጎ ክርስትያንን ሙስሊምን ዝኸፍአ ደም ምፍሳስ ክህሉ ዝተጋገየ ሓበሬታ ዝብትኑ ነይሮም ብምባል እቲ ኣብ ሞንጎ ውልቀሰባት ዝነበረ ውጥጥ ብጉዳይ ምልዓል እምኒ ናብ ዳርባ እምኒ ተሰጋጊሩ ህይወት ከም ዝጠፍአ፣ ኣካል ከም ዝተጎድአ ንብረት ውን ከም ዝዓነወ ኣረዲኦም።
ኣብቲ ጉዳይ ተደሪኾም ዝተፈላለዩ ውልቀሰባትን ውድባትን ርእይቶታትን መግለጺታትን እናውጽኡ ይርከቡ።
ድሕሪ’ቲ ኣብ ጎንደር ዝተወለዐ ጎንጺ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓዊስካ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት በዝሒ ሰዓብቲ እስልምና ዝርከቡሎም ኣብ ጎንደር ዝተፈጸመ ገበን ጠጠው ክብልን ገበነኛታት ብሕጊ ክሕተቱን ዝጠልቡ ሰልፍታት ተኻይዶም።