ኣብ የመን ኣብ ልዕሊ ናይ ስዑዲ ናይ ስሙር ግንባር መዓስከር ኣየር ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ልዕሊ 30 ወተሃደራት ተቐቲሎም

ሓደ ኣብ የመን ዝርከብ ኣፈኛ ከም ዝሓበሮ ፡ ካብ 30 ኽሳእ 40 ዝዀኑ ወተሃደራት ተቐቲሎም ፡ እንተ ወሓደ 60 ቈሲሎም ።

Houthi rebel gunmen are seen in Yemen.

Houthi rebel gunmen are seen in Yemen. Source: Getty

ኣብ ደቡባዊ የመን ዝርከብ ቀንዲ ወታደራዊ መዓከር ብሚሳኤል ን ብድሮንን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 30 ወታሃደራት ተቐቲሎም። ኣብ ግዝኣት ላሐጅ ዝርከብ  አል-አናድ መዓስከር ሓይሊ አየር ትማሊ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ካብተቐትሉ ሰባት ብተወሳኺ  ልዕሊ 65 ከምዝቖሰሉ መሐመድ አል-ናጅብ ዝተባ ህለ ወሃቢ ቃል ሓይሊታትደቡብ የመን ንአሶሼትድ ፕሬስ ገሊጹ። እቲ መጥቓዕቲ እተፈጸመ፡ ካብ ዓደን 60 ኪሎመተር ርሒቑ ዝርከብ መዓስከር ሓይሊ ኣየር  አል-አናድ ኣብቲ ብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ተፈላጥነት ዝተዋህቦ መንግስቲ ዝመሓደር እዩ ። ዛጊት ናይዚ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል እንተዘየለኳ ሰበ ስልጣን የመን  ግን እቶም ብኢራን ዝድገፉ ሓይሊታት የሑቲ እዮም ክብሉ ከሲሶም።
እቶም ነበርቲ ኣብቲ ካብ ደቡባዊ ወደባዊት ከተማ ዓደን 60 ኪሎሜተር ንሰሜን ርሒቑ ዝርከብ ከባቢ ኣል-ኣናንድ ብዙሕ ዓው ዝበለ ድምጺ ከምዝሰምዑ ገሊጾም ።

ካብታ እተበታተነት ማእከላይት ከተማ ታይዝ ዝመጹ ሓያሎ ካልኦት ነበርቲ እውን ኣብቲ ሑቲ ሒዝዎ ዝነበረ ምብራቓዊ መታሕት እታ ከተማ ካብ ዝውንጭፍ ተወንጫፊ ሚሳይላት ከም እተተኰሰ ሰሚዖም እዮም ።

እቲ ውግእ ብ2014 ዝጀመረ ፡ሖቲ ንዋና ከተማ ሳና ሒዞም ንመንግስቲ ዓብድ-ራቡ ማንሱር ሃዲ ከምዝስደድ ጌሮም እዮም ።

ብስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዝምራሕ ጥምረት ኣብ መጋቢት 2015 ንሚስተር ሓዲ ናብ ስልጣን ንምምላስ ጣልቃ ኣትዩ እኳ እንተ ነበረ ፡ እቲ ቀጺሉ ዝሰዓበ ግጭት ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ቀቲሉ ፡ ኣብ ዓለም ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ እዩ ።

ኣብ መንጎ እቲ ብስዑዲ ዝምራሕ ጥምረትን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዝድገፍ መንግስቲ የመንን ዕጡቕ ሖቲን ዝግበር ዝርርብ ሰላም ፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ መንጎኦም ክለማለሙ ብዘይምኽኣሎም ደስኪሉ እዩ ዘሎ ።


Share

Published

Source: Reuters, SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ኣብ የመን ኣብ ልዕሊ ናይ ስዑዲ ናይ ስሙር ግንባር መዓስከር ኣየር ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ልዕሊ 30 ወተሃደራት ተቐቲሎም | SBS Tigrinya