ኣብ ደቡባዊ የመን ዝርከብ ቀንዲ ወታደራዊ መዓከር ብሚሳኤል ን ብድሮንን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 30 ወታሃደራት ተቐቲሎም። ኣብ ግዝኣት ላሐጅ ዝርከብ አል-አናድ መዓስከር ሓይሊ አየር ትማሊ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ካብተቐትሉ ሰባት ብተወሳኺ ልዕሊ 65 ከምዝቖሰሉ መሐመድ አል-ናጅብ ዝተባ ህለ ወሃቢ ቃል ሓይሊታትደቡብ የመን ንአሶሼትድ ፕሬስ ገሊጹ። እቲ መጥቓዕቲ እተፈጸመ፡ ካብ ዓደን 60 ኪሎመተር ርሒቑ ዝርከብ መዓስከር ሓይሊ ኣየር አል-አናድ ኣብቲ ብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ተፈላጥነት ዝተዋህቦ መንግስቲ ዝመሓደር እዩ ። ዛጊት ናይዚ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል እንተዘየለኳ ሰበ ስልጣን የመን ግን እቶም ብኢራን ዝድገፉ ሓይሊታት የሑቲ እዮም ክብሉ ከሲሶም።
እቶም ነበርቲ ኣብቲ ካብ ደቡባዊ ወደባዊት ከተማ ዓደን 60 ኪሎሜተር ንሰሜን ርሒቑ ዝርከብ ከባቢ ኣል-ኣናንድ ብዙሕ ዓው ዝበለ ድምጺ ከምዝሰምዑ ገሊጾም ።
ካብታ እተበታተነት ማእከላይት ከተማ ታይዝ ዝመጹ ሓያሎ ካልኦት ነበርቲ እውን ኣብቲ ሑቲ ሒዝዎ ዝነበረ ምብራቓዊ መታሕት እታ ከተማ ካብ ዝውንጭፍ ተወንጫፊ ሚሳይላት ከም እተተኰሰ ሰሚዖም እዮም ።
እቲ ውግእ ብ2014 ዝጀመረ ፡ሖቲ ንዋና ከተማ ሳና ሒዞም ንመንግስቲ ዓብድ-ራቡ ማንሱር ሃዲ ከምዝስደድ ጌሮም እዮም ።
ብስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዝምራሕ ጥምረት ኣብ መጋቢት 2015 ንሚስተር ሓዲ ናብ ስልጣን ንምምላስ ጣልቃ ኣትዩ እኳ እንተ ነበረ ፡ እቲ ቀጺሉ ዝሰዓበ ግጭት ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ቀቲሉ ፡ ኣብ ዓለም ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ እዩ ።
ኣብ መንጎ እቲ ብስዑዲ ዝምራሕ ጥምረትን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዝድገፍ መንግስቲ የመንን ዕጡቕ ሖቲን ዝግበር ዝርርብ ሰላም ፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ መንጎኦም ክለማለሙ ብዘይምኽኣሎም ደስኪሉ እዩ ዘሎ ።