ኣብ ዓለም እተን ንምንባር ዝመሸዋ (ዝጠዓማ) ከተማታት ተፈሊጠን— ከተማታት ኣውስትራሊያ ካብተን 10 ዝለዓላ ኮይነን

ቬና ንሰለስተ ተኸታታሊ ዓመታት ቀዳመይቲ ኮይና ድሕሪ ምጽናሕ፡ ካብ ዝለዓለት ንምንባር ምሽውቲ ከተማ ምዃን ወሪዳ ተረኺባ።

People are passing through a busy street outside Melbourne's Flinders Street station.

Melbourne has ranked fourth for the second consecutive year, achieving perfect scores in both healthcare and education. Source: SBS

ርእሰ ከተማ ዴንማርክ ኮፐንሃገን ፡ካብተን ኣብ ዓለም ንምንባር ኣዝየን ዝጠዓማ ከተማታት ብሊጻ ክትርከብ'ከላ ፣ በዚ ድማ ንቪየናን ዙሪክን ኣብዚ ዓመት "ዚ ነቲ ዘውዲ አዳማይነት ተረኪባተን ኣላ። እዚ በቲ ዘ ኢኮኖሚስት ኢንተሊጀንስ ዩኒቲ ብ2025 ግሎባል ሊቨብል ኢንደክስ ዝተገብረ መጽናዕቲ እዩ ።

እቲ ዝርዝር መወዳደሪ ነጥቢ ከተማታት ኣብ ከም ክንክን ጥዕናን ትምህርትን ትሕተ ቅርጽን ዝኣመሰለ መምዘኒታት እተመርኰሰ ኰይኑ ፡ ነፍሲ ወከፍ ነጥቢ ካብ 100 ተመዚኑ ዝተወሰነ ደረጃታት እዩ።
ካብ 2021 ንነጀው ንመጀመርታ ግዜ ቬና ካብ ላዕለዋይ ቦታኣ ዝወረደት ኮይና: ብመንጽር ርግኣት፡ ባህልን ኣከባብን ድሕሪ ኮፐንሃገን ተሰሪዓ ።
እቲ ዝተሓትመ ጽሑፍ ከምዝሕብሮ ፡ ድሕሪ እቲ ብ2024 ተይለር ስዊፍት ኣብ ሙዚቃዊ ምርኢት ዝተፈጸመ ናይ ቦምባ ፈተነ ፡ ብምኽንያት ርግኣታ ርእሰ ከተማ ኣውስትራሊያ ሲድኒ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ምብጻሕ ኣይከኣለትን።
እተን ኣብቲ ዝርዝር ዝተገብገማ 173 ከተማታት ብመንጽር መነባብሮ ኣይተገምገማን።
A historic red brick building.
Copenhagen ranked second in both the 2023 and 2024 rankings. Source: AP / Linda Kastrup

ሰለስተ ከተማታት ኣውስትራሊያ ካብተን ዝለዓላ 10 ኮይነን

መልበርን ኣብ ክንክን ጥዕናን ትምህርትን ፍጹም ብቕዓት ብምርካብ ንኻልኣይ ተኸታታሊ ዓመት ራብዓይ ተርታ ሒዛ ኣላ ።
ሲድኒ ካብ 2024 ጀሚራ ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብ ሻድሻይ ደረጃ ክትመጽእ ከላ: ኣደላይድ ከኣ ኣብ መበል 10 ተርታ ተሰሪዓ ኣላ ። ክልቲአን ከተማታት ናይ ክንክን ጥዕናን ትምህርትን ፍጹም ነጥቢታት እኳ እንተነበረን ብባህልን ከባቢን ግን ካብ መልበርን ዝተሓተ እዩ ኔሩ ።
A chart illustrating the world's top 10 most liveable cities.
Melbourne, Sydney, and Adelaide have made the top 10, coming in at numbers four, six, and nine, respectively. Source: SBS
ኣብ ኵለን እተን መጽናዕቲ እተገብረለን ከተማታት ዘሎ ገምጋም ምሽኡነት መነባብሮ ፡ 76.1 ካብ 100 እዩ ነይሩ ፣ ርግኣት ከኣ ብመጠኑ እናጐደለ እዩ ዝኸይድ ነይሩ ፣ እዚ ድማ ንትምህርትን ክንክን ጥዕናን ትሕተ ቅርጽን ብርኡይ ብምዕባዩ እዩ ።
እታ ኣብ ስዑዲ ዓረብ እትርከብ ኣል ኮባር እትበሃል ከተማ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ምምሕያሽ ዘርኣየት ኰይና: ናብ መበል 135 ደረጃ ክትድይብ ኪኢላ ኣላ: ኣብኡ መጠን ክንክን ጥዕናን ትምህርትን ኣጸቢቑ ወሲኹ ተረኺቡ።
ካልጋሪ: ካናዳ: ካብ ሓምሻይ ናብ 18 ደረጃ ብምውራዳ መጠን ምውራድ ናይታ ከተማ ዝለዓለ ኮይኑ ተረኺቡ ። ኣብ ካናዳ ቫንኮቨር ጥራይ እያ ኣብ ዝለዓላ ዓሰርተ ከተማታት ተሰሪዓ ዘላ ።
ሰለስተ ከተማታት እንግሊዝ ፡ ማለት ማንቸስተር ፡ ለንደን ፡ ከምኡውን ኤዲንበርግ ፡ ካብተን ብርግኣት ንዝወረዳ ከተማታት እየን ነይረን ።
ብኣንጻሩ ናይ ሶርያ ከተማ ደማስቆ ካብተን መጽናዕቲ እተገብረለን 173 ከተማታት እታ ዝተሃተት ንምንባር ምችቲ ኮይና ኣብ መወዳእታ ክትስራዕ'ከላ ትሪፖሊ ኣብ ሊብያ ድማ ላዕሊ ደማስቆ ትስራዕ ።

Share

Published

By Cameron Carr
Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service