ኣብ ፐርዝ፡ ኣደ ምስ ጓላ ብናይ ቀደም ኣፍቃሪ መሓዛኣ ዝነበረ ተቐቲላ፡ ቀታሊ'ውን ገዛእ ህይወቱ ኣሕሊፉ።

እቲ ሰብኣይ ናይ ቀደም ኣፍቃሪቱ ደልዩ ኣብ ምዕራብ ፐርዝ ናብ ዝርከብ ቤት ከም ዝኣተወ ፡ እንተዀነ ግን ንዓርካን ነታ ጓል 18 ዓመት ጓላን ብጥይት ከም ዝቐተለንን መርመርቲ ሓቢሮም።

A police car in Western Australia.

እቲ ናብዚ ዘብጽሐ ኩነታት ኣብ መርመራ ይርከብ። Source: AAP / Image

ሓደ ኣብ ምዕራብ ፐርዝ ኣብ ዝርከብ ቤት ናይ ቀደም ኣፍቃሪቱ ንምድላይ ምስከደ ፡ ቅድሚ ገዛእ ርእሱ ምቕታሉ፡ ኣብ ኡ ዝጸንሓቶ መሓዛኣን ጓላን ብጥይት ቀቲልወን ።
እታ ጓል 59 ዓመት ሰበይቲ ኣብቲ ቦታ ብኡ ንብኡ ክትመውት'ከላ እታ ጓል 18 ዓመት ጓላ ድማ ከቢድ ማህሰይቲ ኣጋጠምዋ: ጸኒሓ ከኣ ኣብ ሆስፒታል ሞተት ።
እቲ ወዲ 63 ዓመት ሰብኣይ ፡ ነታ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብቲ ገዛ ዘይነበረት ናይ ቀደም መጻምድቱ ንምርካብ ፡ ሰዓት 4.30 ድ.ቐ. ናብቲ ቦታ ከም ዝመጸ ፡ መርመርቲ ገሊጾም።
መርማሪ ፖሊስ ዋኦ ዴቪድ ጎርተን ፡ ዓርቢ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ከባቢ ፍሎራት ናብ ዝርከብ ሓደ ገዛ ፡ ፖሊስ ከም እተጸውዐ ሓቢሩ ነይሩ ።
እቲ ናይ መወዳእታ ጥይት ኣብ እተተኰሰሉ እዋን ፡ ፖሊስ ኣብ መገዲ ከም ዝነበሩ ገሊጹ ።
"እቲ ኣብ መወዳእታ እተተኰሰት ጥይት ፡ እቲ ሰብ ኣይ ህይወቱ ዘጥፍኣላ ምዃና ኢና እንኣምን" በለ ።
እቲ ሰብኣይ ኣብ ፖሊስ ፍሉጥ እኳ እንተ ነበረ ፡ ዓመጽ ዝመልኦ ታሪኽ ግን ኣይነበሮን ።
"ዝዀነ ይኹን ሞት ዘሕዝን እዩ" ድማ በለ ።
"ይኹን እምበር ፡ ብዙሕ ቅትለት ምስ ዘጋጥመካ ፡ ኣብ ስድራ ቤት ፡ ኣብ ፈተውትኻ ፡ ኣብ ፈለማ ምላሽ ዝህቡኻ ፡ ከምኡ እውን ኣብ ማሕበረሰብ ዓብዪ ጽልዋ ኣለዎ ።"

ፖሊስ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ተራኺቦም ዝነበሩኳ እንተኾኑ ፡ እቲ ሰብኣይን እታ ኣደን ኣብ ርክብ ስለ ዘይነበሩ ፡ እቲ ቅትለት ምስ ስድራቤታዊ ዓመጻ ዝሕሰብ ከምዘይኮነ ይኣምን።
እቲ መርመራ ቀጻሊ እዩ ።


ንኣእምሮኣዊ ጥዕና ደገፍ ዝደልዩ ኣንበብቲ ብ1300 22 4636 ናብ Beyond Blue ክድውሉይኽእሉ እዮም ። ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ beyondblue.org.au. ክርከብ ይከኣል እዩ ።

Share

Published

Source: SBS, AAP

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service