ኣብ ፐርዝ፡ ኣደ ምስ ጓላ ብናይ ቀደም ኣፍቃሪ መሓዛኣ ዝነበረ ተቐቲላ፡ ቀታሊ'ውን ገዛእ ህይወቱ ኣሕሊፉ።

እቲ ሰብኣይ ናይ ቀደም ኣፍቃሪቱ ደልዩ ኣብ ምዕራብ ፐርዝ ናብ ዝርከብ ቤት ከም ዝኣተወ ፡ እንተዀነ ግን ንዓርካን ነታ ጓል 18 ዓመት ጓላን ብጥይት ከም ዝቐተለንን መርመርቲ ሓቢሮም።

A police car in Western Australia.

እቲ ናብዚ ዘብጽሐ ኩነታት ኣብ መርመራ ይርከብ። Source: AAP / Image

ሓደ ኣብ ምዕራብ ፐርዝ ኣብ ዝርከብ ቤት ናይ ቀደም ኣፍቃሪቱ ንምድላይ ምስከደ ፡ ቅድሚ ገዛእ ርእሱ ምቕታሉ፡ ኣብ ኡ ዝጸንሓቶ መሓዛኣን ጓላን ብጥይት ቀቲልወን ።

እታ ጓል 59 ዓመት ሰበይቲ ኣብቲ ቦታ ብኡ ንብኡ ክትመውት'ከላ እታ ጓል 18 ዓመት ጓላ ድማ ከቢድ ማህሰይቲ ኣጋጠምዋ: ጸኒሓ ከኣ ኣብ ሆስፒታል ሞተት ።

እቲ ወዲ 63 ዓመት ሰብኣይ ፡ ነታ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብቲ ገዛ ዘይነበረት ናይ ቀደም መጻምድቱ ንምርካብ ፡ ሰዓት 4.30 ድ.ቐ. ናብቲ ቦታ ከም ዝመጸ ፡ መርመርቲ ገሊጾም።

መርማሪ ፖሊስ ዋኦ ዴቪድ ጎርተን ፡ ዓርቢ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ከባቢ ፍሎራት ናብ ዝርከብ ሓደ ገዛ ፡ ፖሊስ ከም እተጸውዐ ሓቢሩ ነይሩ ።

እቲ ናይ መወዳእታ ጥይት ኣብ እተተኰሰሉ እዋን ፡ ፖሊስ ኣብ መገዲ ከም ዝነበሩ ገሊጹ ።

"እቲ ኣብ መወዳእታ እተተኰሰት ጥይት ፡ እቲ ሰብ ኣይ ህይወቱ ዘጥፍኣላ ምዃና ኢና እንኣምን" በለ ።

እቲ ሰብኣይ ኣብ ፖሊስ ፍሉጥ እኳ እንተ ነበረ ፡ ዓመጽ ዝመልኦ ታሪኽ ግን ኣይነበሮን ።

"ዝዀነ ይኹን ሞት ዘሕዝን እዩ" ድማ በለ ።

"ይኹን እምበር ፡ ብዙሕ ቅትለት ምስ ዘጋጥመካ ፡ ኣብ ስድራ ቤት ፡ ኣብ ፈተውትኻ ፡ ኣብ ፈለማ ምላሽ ዝህቡኻ ፡ ከምኡ እውን ኣብ ማሕበረሰብ ዓብዪ ጽልዋ ኣለዎ ።"

ፖሊስ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ተራኺቦም ዝነበሩኳ እንተኾኑ ፡ እቲ ሰብኣይን እታ ኣደን ኣብ ርክብ ስለ ዘይነበሩ ፡ እቲ ቅትለት ምስ ስድራቤታዊ ዓመጻ ዝሕሰብ ከምዘይኮነ ይኣምን።

እቲ መርመራ ቀጻሊ እዩ ።

ንኣእምሮኣዊ ጥዕና ደገፍ ዝደልዩ ኣንበብቲ ብ1300 22 4636 ናብ Beyond Blue ክድውሉይኽእሉ እዮም ። ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ beyondblue.org.au. ክርከብ ይከኣል እዩ ።


Share

2 min read

Published

Source: SBS, AAP




Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now