SKIP TO MAIN CONTENT

ነቲ ኣብ ትካላት ሕክምና ትግራይ ዝተፈጸመ ሰፊሕ መጥቃዕቲ፡ ዓለምለኸ ጉጅለ ዶብ ኣልቦ ሓካይም (MSF) ዝኹንን መግለጺ ኣውጺኡ።

ሓደ ብ MSF እተሳእለ ስእሊ፡ ኣብ ደብረ ኣባይ ዝርከብ ክልኒክ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት እቲ ኣብ ዉሽጡ ዝርከብ ሰነዳት ድሕሪ ምብትታን፡ ከምዚ ዝብል ጽሑፍ ተጻሒፉ ይርከብ፡ “ኣሁን ለሻዕቢያ ኣስረክበናል፡ ጠብሶ ይብላቹ እንደ ጥብስ” ትርጉሙ ድማ “ሕጂ ናብ ሻዕቢያ ኣረኪብና ኣለና፡ ከም ቅልዋ ቆልዩ ይብላዕኩም።” ስእሊ ተመልከት፡

News
Source: MSF

2 min read

Published

Source: Doctors Without Borders


Skip to article content

70% ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ትካላት ጥዕና በቲ ውግእ ከም ዝተዘምቱ፣ 30% ከኣ ኮነ ተባሂሉ ክዓንዉ ከም ዝተገብረ  ዓለምለኸ ጉጅለ ዶብ ኣልቦ ሓካይም (MSF) ክገልፅ ከሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን 75% ኣብ ስራሕ ይርከቡ ይብል ኣሎ፡፡

እዚ ንሓድሕዱ ዝገራጮ ፀብፃብ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝወፀ እዩ፡፡

እቲ ጉጅለ ሓካይም ካብ ወርሒ ታሕሳስ ኣትሒዙ ኣብ ዝገበሮ ዑደት ካብ 106 ትካላት ጥዕና እቶም 70% ጥዕናዊ ናውቶም ከም ዝተጉሓለ 30% ድማ ብከበድቲ ኣፅዋር ከም ዝተደብደቡ እዩ ሎሚ ኣብ ዘውፅኦ ሓበሬታ ኣረዲኡ ዘሎ፡፡

“ካብ ደብዳብ ኣፅዋር ዝተረፉ ናውቲ ሕክምና ኮነ ተባሂሉ ዓንዮም ፤ መረዳእታት ተሓከምቲ ኣብ መሬት ተበቲኖም እዮም፡፡” ዝብል ፀብፃብ ዶብ ኣልቦ ዓለምለኸ ጉጅለ ሓካይም ፤ ካብቶም ትካላት ጥዕና ሓደ ዝኾነ ሆስፒታል ዓብዪ ዓዲ ንወታሃደራት መንግስቲ ጥራሕ ግልጋሎት ክህብ ከም ዝተገብረ ሓቢሩ፡፡

ሰብ ሞያ ጥዕና እውን ገለን ብሰንኪ እቲ ውግእ ካልኦት ድማ ንኣዋርሕ መሃያ ስለ ዘይተኸፍሉ ካብቶም ትካላት ከም ዝጠፍኡ እውን ኣብሪሁ ክብል ማዕኸን ሓበሬታ ጀርመን ዲፒኤ ፀብፂቡ፡፡

ነዚ ፀብፃብ ብቐጥታ ዝፃረር ፀብጻብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ 75% ኣብ ስራሕ ይርከቡ ኢሉ ኣሎ፡፡ ብዜካዚ 10% ዝኾኑ ትካላት ጥዕና ብፍርቂ ዓቕሚ ግልጋሎት ይህቡ ከም ዘለዉን 90% ሰራሕተኛታት እቶም ኣብ ስራሕ ዘለዉ ትካላት ጥዕና ኣብ ስራሕ ከም ዝርከቡ ኣተሓባባሪ ሃገራዊ ሃንደበታዊ ሓደጋ እታ ሃገር ገሊፁ፡፡

ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ትግራይን መንግስቲ ፌዴራልን ደገፍቱን ዝተወለዐ ውግእ ሕጂ እውን ይቕፅል ከም ዘሎ ፀብፃብ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣሜሪካን የረድእ፡፡

ሓደ ብ MSF  እተሳእለ ስእሊ፡ ኣብ ደብረ ኣባይ ዝርከብ ክልኒክ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት እቲ ኣብ ዉሽጡ ዝርከብ ሰነዳት ድሕሪ ምብትታን፡ ከምዚ ዝብል ጽሑፍ ተጻሒፉ ይርከብ፡ “ኣሁን ለሻዕቢያ ኣስረክበናል፡ ጠብሶ ይብላቹ እንደ ጥብስ” ትርጉሙ ድማ “ሕጂ ናብ ሻዕቢያ ኣረኪብና ኣለና፡ ከም ቅልዋ ቆልዩ ይብላዕኩም።” ስእሊ ተመልከት፡


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now