ኣብ ኣውስትራልያ ን13 ዓመታት ተዳጒኑ ዝጸንሐ መጻኢኡ ዘይተፈልጠ ሃገር-ኣልቦ ሓታቲ ዑቕባ።

ሰይድ ኣማሲ ን13 ዓመታት ኣብ ናይ ኣውስትራሊያ መዳጎኒ ማእከላት ዝጸንሐን ካብ ዝኾነ ይኹን ሃገር-ኣልቦ ሰብ ዝነውሐ ዓመታት ተዳጒኑ ዝጸንሐ ሰብ እዩ ።

Said Imasi

ሰይድ ኢማሲ ካብቲ ናይ ሲድኒ ቪላዉድ ኢሚግሬሽን ማእከል ወጺኡ ኣሎ። Source: SBS / The Guardian

KEY POINTS:

  • ሰልፊ ለበር ብዛዕባዚ ርእይቶ ብዘይምሃቡ፡ መጻኢ ሰይድ ኢማሲ ሕጂ'ውን ምስጢር ኰይኑ ኣሎ ።
  • ጠበቓታት ሰይድ ኢማሲ ኣብ ኣውስትራሊያ ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ክጸንሕ ከምዝተፈቐደሉ ክዛረቡ ኣይከኣሉን ።
  • ሰይድ እማሲ ኣብ ናይ ኣውስትራሊያ ማእከላት መዳጎኒ ን13 ዓመታት ጸኒሑ ።

ናይቲ ን ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሐ'ሞ ተፈቲሑ ዘሎ ሃገር ኣልቦ ሓታቲ ዑቕባ መጻኢኡ ምስጢር ኮይኑ ቀጺሉ ኣሎ። ጠበቓታቱ ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ክጸንሕ ከምዝተፈቕደሉ ክገልጹ ኣይከኣሉን ፡ ሚኒስተር ኢሚግሬሽን ድማ ብወግዒ መጻኢኡ ኣይገለጸን ።

ጠበቓታት ከም ዝገልጽዎ ፡ እቲ ብ9 ግንቦት ካብ ማእከል መዳጎኒ ሲድኒ እተፈትሐ ሰይድ ኢማሲ ፡ ነቲ ኣብ ስርዓት ኢምግሬሽን ኣውስትራልያ ዘሎ ጋግ ዘጕልሕ እዩ ፣ ነቶም ሃገር ኣልቦ ሰባት ብጅምላ ናብ ማእሰርቲ ዝድርቢ እዩ ክብሉ'ውን ገሊጾም ።

ሰይድ ካብ ማእሰርቲ ንኽወጽእ ዝጸዓረ ናይ ውልቂ ኣባል ፓርላማ ፡ ንሰባት ንዘይተወሰነ እዋን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምጽናሕ ማለት ፡ "ንሕልና ኣውስትራሊያ ዓቢ ጽፍዒት እዩ" ብምባል ብምግላጽ ፡ እዚ ደው ክብል ጸዊዑ ።

Man in suit sits in a chair.
SBS News understands Mr Giles personally intervened in the case. Source: AAP / Bianca De Marchi

ሰይድ ኢማሲ ን13 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ማሕበረሰብ ዝኣቱ ዘሎ ፡ ኣብ ታሪኽ ኣውስትራልያ እቲ ዝነውሐ ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሐ ሃገር ኣልቦ ሰብ እዩ ። ኣብቲ ኣብ መዳጎኒ ዝጸንሓሉ ኩሉ ዘለዎ ናይ ይግባይ ዕድል ተጠቒምሉ ተነጺጉ እዩ።

SBS News፡ ሚኒስተር ኢሚግሬሽን ኣንድሪው ጊለስ ፡ ሰይድ ናጻ ንምውጻእ ባዕሉ ጣልቃ ከም ዝኣተወ ገሊጹ ኣሎ ። ዝርዝር ሓበሬታ ንምሃብ ኣብ ዝሕተተሉ እዋን ግን ፡ "ብምኽንያት ምስጢራውነት ኣብ ውልቃዊ ጕዳያት ርእይቶ ምሃብ ልሙድ ኣይኰነን" ኢሉ።

ጠበቓ ናይ ኢማም ብዛዕባ ዝርዝር ኩነታት ቪዛኡ ኣይገልጽን

ናይ ሰይድ ኢማሲ ጠበቓ ኦሊሰን ባቲሶን: ቪዛ ከም እተዋህቦ ድሕሪ ምርግጋጻ: "ኣዝዩ ሕጉስ ምዃኑ" ገሊጻ ።

ይኹን እምበር ፡ ኣብ ኣውስትራሊያ ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ክጸንሕ ከምዝተፈቕደሉ ፡ ክሰርሕ ይኽእል ድዩ ዋላስ ነዊሕ እዋን ቪዛ ክሓትት ይኽእል ንዝብል ከተረጋግጽ ኣይከኣለትን ።

"ኣብ ምሉእ ሂወት ናይዛ ቪዛ ፡ ጉዳዩ ናብ ነባሪ መንበሪ ገጹ ክምዕብል ተስፋ ንገብር" ብምባል ን SBS News ገሊጻ ።

እዚ ጉዳይ ኣብ ስርዓተ ኢሚግረሽን ኣውስትራሊያ ዘሎ ህጓፍ ዘመልክት'ዩ ክብሉ ጠበቓታት ይገልጹ።

ሚስተር ኢማሲ መለለዪ ሰነዳት የብሉን ፣ ኣበይን መዓስን ከም እተወልደ ብልክዕ ከም ዘይፈልጥ ድማ እዩ ዝገልጽ ፣ ይኹን እምበር ፡ ብ1989 ኣብ ደሴታት ካናሪ ስጳኛ ከም እተወልደ እኳ እንተ ኣመነ ፡ ሕጻን እናሃለወ ናብ ምዕራብ ሰሃራ ተወስደ ።

ብ2010 ናይ ሓሶት ፓስፖርት ሒዙ ተባሂሉ ተጠርጢሩ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ መልበርን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ፡ ጠበቓታቱ ድማ ነቲ ኣብ 2019 ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ነቲ ገደብ ኣልቦ ማእሰርቱ ክስረዝ ፈቲኖም ኣይተዓወቱን ።

ሚስ ባቲሶን ከም ትገልጾ: - ገሊኡ ጕዳያት ፍልይ ዝበለ እኳ እንተ ኾነ: እቶም 10 ካብ ሚእቲ ዝዀኑ ሰባት ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ዝርከቡ ሃገር ኣልቦ ሰባት እዮም ።

Villawood detention centre in Sydney.
Mr Imasi spent more than a decade in detention, and was released from Villawood last week. Source: AAP

ኣውስትራሊያ ምስ ሃገር ኣልቦ ሰባት ናይ ቪዛ ምድብ ስለዘይብላ ፡ ብጅምላ ናብ ናብ ዝለዓለ ብጸጥታ ዝሕሎ ቤት-ማእሰርቲ ይድርበዩ እዮም ኢላ ።

"ኣእምሮኣዊ ስንክልና ዘለዎም ዓማዊል ኣለዉኒ [ኣእምሮኦም ኣዝዩ ስለ ዝሓመመ ፡ ብመሰረቱ ክሰርሑ ኣይክእሉን እዮም ። ነዚ እዩ ከፈልቲ ግብሪ ኣብ ዓመት 430,000 ዶላር ዝኸፍሉ ዘለዉ። እዚ ድማ ነቶም ካብ' ዚ ወጻኢ ካልእ ኣማራጺ ዘይብሎም መሳኪን ሰባት ንምስቓይ ዝውዕል እዩ ።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ላዕላዋይ ኮምሽነር ጉዳይ ስደተኛታት እዚ ጉዳይ ነቲ ናይ ሱዳን ኲናት ሓድሕድ ከምዘጋደዶ ካብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ጎነጽዝተላዕለ 200,000 ሰባት ክሃድሙ ተገዲዶም እዮም ።

ሚስ ባቲሶን ፡ ኣብ ሱዳን እተወልዱ ሰባት -ነበርቲ ሚያንማር ዝዀኑ ሮሂንጂያን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝነብሩ ኩርድን ፡ ብፍላይ ከም ሀገር ኣልቦ ሰባት ዘይረኣዩ ምዃኖም ገሊጻ ።

"እዚ ኣብ መላእ ዓለም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ናዕቢ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ጕዳይ ክኸውን እዩ: ኣከባብያዊ ሓደጋን ግጭትን እውን ይቕጽል ኣሎ" በለት ።


3 min read

Published

By Finn McHugh

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis

Source: SBS




Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now