እቲ ኣብ ሱዕዲ ዓረብ እናሃለወ ካብ ናይ ሊባኖስ ቀዳማይ ሚንስተርነት ስልጣኑ ባዕሉ ከምተኣልየ ዝኣወጀ ሰዓድ ኣል ሓሪሪ ኣብዚ ሰሙን ናብ በይሩት ተመሊሱ ኣቕዋሙ ግሉጽ ከምዝገብሮ ኣፍሊጡ።
ኣብ 4 ሕዳር ዝተገልጸ ናይ ሓሪሪ ምልቃቕ ካብ ስልጣን፡ ንሊባኖስ ናብ ፖለቲካዊ ቅልውላው ሸሚምዋ ኣሎ። እተን ናይቲ ዞባ መን ሓይሉ ወጸ ብምባል ዝተፋነና ሱናዊት ሱዕዲ ዓረብን ሻዓዊት ኢራንን ናብ ዝገደደ ተፋጠጥ ሸሚምወን ኣሎ።
ሓሪሪ ናብ ፈረንሳ ገይሹ ምስቲ ናይታ ሃገር ፕረሲደንት ኢማኑአል ማክሮን ተዘራሪቡ ምስወድአ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ብዛዕባ እቲ ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ናብ በይሩት ክኸይድ እየ። ኣብቲ ጽምብል በዓል ነጻነት ሊባኖስ ክሳተፍ እየ። ምስ ፕረሲደንት ሚካኤል እወን ምስተራኸብኩ ድማ ኣቕዋመይ ከፍልጥ።”
ፈረንሳ ነቲ ቅልውላው ንምፍታሕ ትገብሮ ዘላ ጻዕሪ ኣብ ፓሪስ ተረኺቡ ንፕረሲደንት ማክሮን ድሕሪ ምምስጋን’ዩ ኣብቲ ረቡዕ ዝኽበር መዓልቲ ነጻነት ሊባኖስ ተረኺቡ ኣቕዋሙ ከምዘፍልጥ ገሊጹ ዘሎ።
ካብ ናይ ፈረንሳ ፕረሲደንታዊ ምንጪታት ከምዝሕብርዎ ፓሪስ፡ ሓሪሪ ናብ ሊባኖስ ከይዱ ናይታ ሃገር ፖለቲካዊ ኩነታት ክቕጽልን ኣብቲ ዞባዊ ሕልኽላኽ ድማ ክኣቱ ከምዘይደሊ ናይ ፈረንሳ ፕረሲደንት ኣቕዋሙ ኣነጺሩ ኣሎ።

