ናንሲ ፖሎሲ ናይ ቻይና ምፍርራሕን መጠንቀቕታን ዕሽሽ ኢላ ናብ ታይዋን ኣትያ።

ኣፈኛ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ ናንሲ ፐሎሲ ናብ ታይዋን ክትኣቱ ከላ ፡ መንግስቲ ቻይና፡ እቲ ትገብሮ ዘላ ምብጻሕ ንሰላምን ርግኣትን እቲ ዞባ ከቢድ ጕድኣት ከም ዘውርድ እዩ ዝገልጽ ።

Credit: APe.JPG

US House Speaker Nancy Pelosi, (centre), walks with Taiwan's Foreign Minister Joseph Wu, (left), as she arrives in Taipei, Taiwan on Tuesday, 2 August, 2022. Credit: Beyene Weldegiorgis

ኣፈኛ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ናንሲ ፐሎሲ ናብ ታይዋን ኣብ ዝበጽሓትትሉ እዋን ፡ እታ ቻይና ኣብትሕቲኣ ከም ዘላ እትገልጻ ደሴት ኣብ ውሽጢ 25 ዓመት ንፈለማ ግዜ ምብጻሕ ከም እተገብረላ እያ እትገልጽ ።

ሚስ ፔሎሲን ልኡኻት ኣመሪካን ካብቲ ኣብ ከተማ ታይፐይ ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ሶንግሻን ምስበጽሐ ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ታይዋን ጆሴፍ ዉ ከምኡ እውን ፡ ላዕለዋይቲ ወኪል ኣመሪካ ኣብ ታይዋን ሳንድራ ኦድኪክ ኣቀባብላ ተገይሩላ ።

ሚስ ፐሎሲ ፡ ናብ ታይዋን ምስ በጽሐት ነዊሕ ኸይጸንሐት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ፡ "እቲ ናይ ኮንግረስ ልኡኽና ናብ ታይዋን ዝገበሮ ምብጻሕ ፡ ነቲ ኣመሪካ ንዲሞክራሲ ታይዋን ንምድጋፍ እትገብሮ ዘላ ዘይተሓለለ ጻዕሪ እዩ ዘኽብር" በለት ።

"ኣመሪካ ምስ 23 ሚልዮን ህዝቢ ታይዋን ዘለዋ ድልዱል ርክብ ፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ኣገዳሲ እዩ ፣ ኸመይሲ ፡ ዓለም ኣብ መንጎ ዓብለልቲን ዲሞክራሲያውን ምርጫ እያ እትቐርብ ዘላ ።"

ቻይና ብኡንብኡ ነቲ ሚስ ፐሎሲ ዝገበረቶ ምብጻሕ ኮኒናቶ እያ ፣ ፡ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጕዳያት ፡ ኣብ መጻብቦ ታይዋን ንሰላምን ርግኣትን ታይዋን ከቢድ ጕድኣት ከም ዘውርድ ክገልጽ ከሎ ፡ "ኣብ ፖለቲካዊ መሰረት ርክብ ቻይናን ኣመሪካን ከቢድ ጽልዋ እዩ ዘለዎ ፣ ኣብ ልኡላውነትን ግዝኣታን ቻይና ከኣ ከቢድ ጽልዋ እዩ ዘለዎ" ክትብል መግለጺ ኣውጺኣ ።

እቲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ናይ ቻይና ምስ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ሓያል ተቓውሞ ከም ዘሕደረ ይገልጽ ። ነፈርቲ ውግእ ቻይና ቅድሚቲ ናይ ብሰሉስ ዝተገብረ ምብጻሕ ኣቐዲሙ ኣብ መጻብቦ ታይዋን ዝርከብ መስመር ታይዋን ዘንብየን እየን ፣ ማዕከናት ዜና ቻይና ድማ ፡ ሰራዊት ሓርነት ህዝቢ ካብ ሓሙስ ክሳዕ ሰንበት ኣብ ጥቓ ታይዋን ልምምድ ክገብር ምዃኑ ገሊጸን እየን ።

ሚስ ፐሎሲ ፡ድሕሪ ፕረዚደንት ኣመሪካ ትስራዕ፡ ኣብ ሲንጋፖር ፡ ማለዥያ ፡ ደቡብ ኮርያን ጃፓንን ምብጻሕ ከም እተገብር ተሓቢሩ እዩ ።

ኣብ ታይዋን ምብጻሕ ክትገብር ምዃና እኳ እንተ ዘይተነግረ ፡ ብዙሕ ትጽቢት ተገይሩላ ነይሩ እዩ ። ኣብ ዋሽንግተን ፖስት ዝወጸ ርእይቶ ፡ ምኽንያት ምብጻሕ ሚስ ፐሎሲ ዘርዚራ ፡ ነቲ ቻይና ኣብ ቀረባ ዓመታት ምስ ታይዋን ዝነበራ ውጥረት ኣዝዩ ከም ዝወሰኸቶ ብምንቃፍ ፡ ታይዋን ንዴሞክራሲያዊ መንግስቲ ንምድንፋዕ ትሰርሕ ከምዘላ ገሊጻ ።


Share

Published

Updated

Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service