SKIP TO MAIN CONTENT

ናንሲ ፖሎሲ ናይ ቻይና ምፍርራሕን መጠንቀቕታን ዕሽሽ ኢላ ናብ ታይዋን ኣትያ።

ኣፈኛ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ ናንሲ ፐሎሲ ናብ ታይዋን ክትኣቱ ከላ ፡ መንግስቲ ቻይና፡ እቲ ትገብሮ ዘላ ምብጻሕ ንሰላምን ርግኣትን እቲ ዞባ ከቢድ ጕድኣት ከም ዘውርድ እዩ ዝገልጽ ።

Credit: APe.JPG
US House Speaker Nancy Pelosi, (centre), walks with Taiwan's Foreign Minister Joseph Wu, (left), as she arrives in Taipei, Taiwan on Tuesday, 2 August, 2022. Credit: Beyene Weldegiorgis

2 min read

Published

Updated

Source: SBS


Skip to article content

ኣፈኛ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ናንሲ ፐሎሲ ናብ ታይዋን ኣብ ዝበጽሓትትሉ እዋን ፡ እታ ቻይና ኣብትሕቲኣ ከም ዘላ እትገልጻ ደሴት ኣብ ውሽጢ 25 ዓመት ንፈለማ ግዜ ምብጻሕ ከም እተገብረላ እያ እትገልጽ ።

ሚስ ፔሎሲን ልኡኻት ኣመሪካን ካብቲ ኣብ ከተማ ታይፐይ ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ሶንግሻን ምስበጽሐ ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ታይዋን ጆሴፍ ዉ ከምኡ እውን ፡ ላዕለዋይቲ ወኪል ኣመሪካ ኣብ ታይዋን ሳንድራ ኦድኪክ ኣቀባብላ ተገይሩላ ።

ሚስ ፐሎሲ ፡ ናብ ታይዋን ምስ በጽሐት ነዊሕ ኸይጸንሐት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ፡ "እቲ ናይ ኮንግረስ ልኡኽና ናብ ታይዋን ዝገበሮ ምብጻሕ ፡ ነቲ ኣመሪካ ንዲሞክራሲ ታይዋን ንምድጋፍ እትገብሮ ዘላ ዘይተሓለለ ጻዕሪ እዩ ዘኽብር" በለት ።

"ኣመሪካ ምስ 23 ሚልዮን ህዝቢ ታይዋን ዘለዋ ድልዱል ርክብ ፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ኣገዳሲ እዩ ፣ ኸመይሲ ፡ ዓለም ኣብ መንጎ ዓብለልቲን ዲሞክራሲያውን ምርጫ እያ እትቐርብ ዘላ ።"

ቻይና ብኡንብኡ ነቲ ሚስ ፐሎሲ ዝገበረቶ ምብጻሕ ኮኒናቶ እያ ፣ ፡ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጕዳያት ፡ ኣብ መጻብቦ ታይዋን ንሰላምን ርግኣትን ታይዋን ከቢድ ጕድኣት ከም ዘውርድ ክገልጽ ከሎ ፡ "ኣብ ፖለቲካዊ መሰረት ርክብ ቻይናን ኣመሪካን ከቢድ ጽልዋ እዩ ዘለዎ ፣ ኣብ ልኡላውነትን ግዝኣታን ቻይና ከኣ ከቢድ ጽልዋ እዩ ዘለዎ" ክትብል መግለጺ ኣውጺኣ ።

እቲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ናይ ቻይና ምስ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ሓያል ተቓውሞ ከም ዘሕደረ ይገልጽ ። ነፈርቲ ውግእ ቻይና ቅድሚቲ ናይ ብሰሉስ ዝተገብረ ምብጻሕ ኣቐዲሙ ኣብ መጻብቦ ታይዋን ዝርከብ መስመር ታይዋን ዘንብየን እየን ፣ ማዕከናት ዜና ቻይና ድማ ፡ ሰራዊት ሓርነት ህዝቢ ካብ ሓሙስ ክሳዕ ሰንበት ኣብ ጥቓ ታይዋን ልምምድ ክገብር ምዃኑ ገሊጸን እየን ።

ሚስ ፐሎሲ ፡ድሕሪ ፕረዚደንት ኣመሪካ ትስራዕ፡ ኣብ ሲንጋፖር ፡ ማለዥያ ፡ ደቡብ ኮርያን ጃፓንን ምብጻሕ ከም እተገብር ተሓቢሩ እዩ ።

ኣብ ታይዋን ምብጻሕ ክትገብር ምዃና እኳ እንተ ዘይተነግረ ፡ ብዙሕ ትጽቢት ተገይሩላ ነይሩ እዩ ። ኣብ ዋሽንግተን ፖስት ዝወጸ ርእይቶ ፡ ምኽንያት ምብጻሕ ሚስ ፐሎሲ ዘርዚራ ፡ ነቲ ቻይና ኣብ ቀረባ ዓመታት ምስ ታይዋን ዝነበራ ውጥረት ኣዝዩ ከም ዝወሰኸቶ ብምንቃፍ ፡ ታይዋን ንዴሞክራሲያዊ መንግስቲ ንምድንፋዕ ትሰርሕ ከምዘላ ገሊጻ ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now