SKIP TO MAIN CONTENT

ናይ ኤርትራ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብዚ ቅሩብ እዋን ናብ ጂቡቲ ከምዝገይሽ ተገሊጹ።

“ዛጊት እቲ መዓልቲ ኣይተፈልየን ኣሎ እንተኾነ ክልቲኦም ፕረሲደንትታት ኣብዝቐረባ እዋን ክበጻጽሑ እዮም” ክብል ላዕለዋይ ዲፕሎማሰኛ ጂቡቲ ማሕሙድ ዓሊ ዮሱፍ ምስ ወኪል ዜና Anadolu ኣብዝገበሮ ቃለ መሕትት ኣፍሊጡ።

News
Source: Media

2 min read

Published

By SBS Tigrinya

Source: SBS


Skip to article content

ማዕከን ዜና Anadolu Agency ንቃልጺ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ጂቡቲ ጠቒሱ ከምዝጸብጸቦ፡ ኢትዮጵያ ብዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ደረጃ ምትሕብባር ክህሉ ድሕሪ ምጽውዓ፣ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኤርትራን ጂቡትን ርክቦም ኣጽዒቖም ኣለዉ።

 “ዛጊት እቲ መዓልቲ ኣይተፈልየን ኣሎ እንተኾነ ክልቲኦም ፕረሲደንትታት ኣብዝቐረባ እዋን ክበጻጽሑ እዮም” ክብል ላዕለዋይ ዲፕሎማሰኛ ጂቡቲ ማሕሙድ ዓሊ ዮሱፍ ምስ ወኪል ዜና Anadolu ኣብዝገበሮ ቃለ መሕትት ኣፍሊጡ።

“ክልቲኦም ፕረሲደንትታት ኣብ ወርሒ መስከረም ከም እተራኸቡን ኣነ’ውን ምስ ኤርትራዊ መዘናይ ተራኺበ ኔረ እየ። በዚ መገዲ ድማ ምትእምማናትና ከነዕቢ ኢና።” ክብል ብተወሰኺ እቲ ናይ ጂቡቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ገሊጹ ኣሎ።

መሓመድ ዓሊ ዮሱፍ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብናይ ዉሽጢን ወጻኢን ክሕቆን ዝጸንሐ ዞባ እዩ ኢሉ።

 “ምስካልኦት ዞባታት ናይ ኣፍሪቃ ክወዳደር ከሎ እዚ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብብዙሕ ቅልውላው ክሕመስ ዝጸንሐ እዩ፡፣ ከም ኣብ ሶማሊያ ዝበሉ ገሊኦም ብናይ ዉሽጢ ዝመጹ ጸገማት ክኾኑ ከለዉ፡ ገለ ድማ ከምዚ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ወጻኢ ጸገማት እዮም” ክብል ገሊጹ።

 “ ብዞባ ደረጃ ዝሓስብን እዘን ሃገራት ብሓባር መደብ ዘውጽኣን ንረብሓ እዚ ህዝቢታት ምእንቲ ክሰርሓ፡ ራእይ ዘለዎ መራሒ የድልየን ኣሎ።” ክብል መሓመድ ዓሊ ዮሱፍ ገሊጹ።

ብሰንኪ ናይ ዶብ ምስሕሓብ ኤርትራን ጂቡቲን ኣብ ወጥሪ ከምዝጸንሓ ይፍለጥ። ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ግዝኣታ ድፋዓት ይዂዕቱ ኣለዉ ኢላ ድሕሪ ምኽሳሳ፣  ጂቡቲን ኤርትራን ኣብ ወርሒ ሰነ ናይ 2008 ናይ ሰለስተ መዓልታት ኩናት ከምዝገበራ ትፍለጥ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now