SKIP TO MAIN CONTENT

ናይ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ወተሃደራት ዝሓዘት ሂሊኮፕተር ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ሱዳን ወዲቓ ተሓምሺሻ::

23 ሰባት ዝጸዓነት ወተሃደራዊት ሂልኮፕተር ብቐዳም ኣብ ቀጽሪ ሓይልታት ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣቢየ (UNISFA) ወዲቓ ኣርባዕተ ሰባት ከምዝሞቱ ተፈሊጡ።

Feature
Source: UN

1 min read

Published

Updated

Source: United Nations


Skip to article content

23 ሰባት ዝጸዓነት ወተሃደራዊት ሂልኮፕተር ብቐዳም ኣብ ቀጽሪ ሓይልታት ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣቢየ (UNISFA) ወዲቓ ኣርባዕተ ሰባት ከምዝሞቱ ተፈሊጡ።

እታ MI-8 ሂሊኮፕተር ወተሃደራት ኢትዮጵያ ጽዒና ካብ ካዱግሊ ናብ ኣቢየ እናተመልሰት እያ ወዲቓ። ብዘይካ እቶም ዝሞቱ 10 ኣባላት ከምዝቖሰሉን ክልተ ካብኣቶም ብጽኑዕ ቆሲሎም ኣብ ናይ  UNISFA ሆስፒታል ኣብ ኣብየ ደቡብ ሱዳን ተዓቑቦም ከምዘለዉ ተፈሊጡ።

ጠንቂ እቲ ሓደጋ ይምርመር ከምዘሎ ናይ UNISFA ግዚያዊ ሓላፊ ኮማንደር ተልእኾን ሓይልን ሜጀር ጀነራል ገብረ ኣድሓና ወልደዝጉ ገሊጹ ክብል ናይቲ ተልእኾ ናይ ደቡብ ሱዳን ካብቲ ቦታ ሓቢሩ።

እታ ሂሊኮፕተር ናይቲ ተልእኾ መዓልታዊ ዑደት ወተሃደራት ካብ ካዱግሊ እያ ተመላልስ ኔራ። ኣብ ተልእኾ UNISFA’ ቀንዲ ኣባላት ሃገራት ኢትዮጵያ ኮይና ኣብዚ እዋን እቶም ወተሃደራት ካብ ካዱግሊ ናብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኣቢየ ይቀያየሩ ኣለዉ።

ኣብ ዞባ ኣቢየ ደቡብ ሱዳን ሰላምን ጸጥታን ንምርግጋጽ ኢትዮጵያ ኣስታት 4,500 ወተሃደራት ኣብ ተልእኾ UNISFA ኣዋፊራ ኣላ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now